ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹነታት ዩክሬን ብ'ጭንቀትን ቃንዛን' ይከታተልዎ! ካርዲናል ፓሮሊን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹነታት ዩክሬን ብ'ጭንቀትን ቃንዛን' ይከታተልዎ! 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹነታት ዩክሬን ብ'ጭንቀትን ቃንዛን' ይከታተልዎ!

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ከተማ ኦዴሳ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ኩነታት "ብብዙሕ ኣቓልቦ፡ ብብዙሕ ጭንቀትን ብብዙሕ ቃንዛን" ይከታተልዎ ምህላዎም የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ዩክሬን ዝገብርዎ ዘለዉ ዑደት፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ወደባዊት ከተማ ኦዴሳ ኣብ ዘካየድዎ ምብጻሕ ቀዳም ዕለት 20 ሓምለ ኣብ ካቶሊካዊት ካቴድራል እታ ከተማ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ወከልቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዩክሬንን ወከልቲ መንግስትን ኣባላት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ እታ ከተማን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስቓይ ካልኦት ናይ ምክፋል ህሞት

ካርዲናል ፓሮሊን ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰላምታ ብምቕራብ ነቲ ርክብ ኣበጊሶም፥ “ቅርበትን ህላወን በረኸትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከብጽሓልኩም ኣብዚ ምሳኹም እርከብ - ኩነታትኩም ብብዙሕ ኣቓልቦ፣ ብብዙሕ ጭንቀትን ብብዙሕ ቃንዛን ይከታተልዎ ከምዘለዉ ከረጋግጸልኩም እፈቱ፥ ስለዚ እዚ ርክብ እዚ ነቲ ቃንዛ ንምክፋል ዝሕግዝ ህሞት ምዃኑ ድማ ካርዲናል ፓሮሊን ወሲኾም ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣቐዲሞም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ካቶሊካዊ ጳጳስ ንዝኽሪ እቶም ኣብቲ ከባብ ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዝሞቱ ሽምዓ ከም ዝወልዑን፥ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ቃንዛ ናይቶም ፈተውቶም ዝሞትዎም ሰባት እቶም ዝተጎድኡ ... ከምኡ’ውን ናይቶም ንብረቶም ዝዓነዎምን ካብቲ ከባቢ ዝተመዛበሉን ኣብ ካልእ ቦታ ዕቝባ ክረኽቡ ዝተገደዱን ስቓዮም ምዝካርድ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ፍትሓዊ ሰላም ክረክብ ተስፋ ንገብር

ይኹን እምበር እቲ ርክብ ተስፋ ናይ ምክፋል ህሞት እውን ምዃኑ ካርዲናል ፓሮሊን ኣስተብሂሎም፥

“ከም ክርስትያን መጠን ተስፋ ኣልቦ ክንከውን የብልናን - እዚ ድማ፡ “ብጸጋ ናይቲ ዋላ’ውን ንዝተረረ ልቢ ክትንክፍ ዝኽእል ጐይታ ... ናብ ፍትሓዊ ሰላም ዝወስድ መንገዲ” ዝብል ተስፋ ዘጠቓልል እዩ፥ እዚ ፍትሓዊ ሰላም እዚ እውን ብጎይታ ክርከብ ዝከኣል እዩ” እንክብሉ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ዑደት’ዚ - ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካርዲናል ዙፒ ኣብ ዩክሬን ዝገበርዎ ናይ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ተልእኾ – “ኣብዛ ምድሪ ሰላም ንምህናጽ ንእሽቶ ኣበርክቶ ዝገብር ክኸውን ድማ” ተስፋኦም ዝገለጹ ካርዲናል ኣብታ ከተማ ዝርከብ ዝሓለፈ ዓመት ብናይ ሩስያ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝተሃሰየ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ግልጸት ዘደብረ ታቦርን ናብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ካቴድራል ቅዱስ ሚካኤል ዑደት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 July 2024, 15:01