2024.07.02 ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣምር ፍትሓዊ ኲናት ክግምገም ኣለዎ' 2024.07.02 ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣምር ፍትሓዊ ኲናት ክግምገም ኣለዎ' 

ካርዲናል ፓሮሊን፡ 'ኣምር ፍትሓዊ ኲናት ክግምገም ኣለዎ'

ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ህንጻ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ርክብ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ መበል 23 “ሰላም ኣብ ምድሪ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ፍትሓዊ ኲናት’ ዝብል ኣምር ዳግመ ክግምገም ከም ዘለዎ ዝሕብርን ዝምስክርን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዋላ’ውን ሓደ ሓደ ግዜ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ንእሽቶ ውጽኢት ዘምጽእ እንተመሰለ፡ “ኣብዚ መዳይ ፈጺምና ክንደክም ወይ ንፈተና ምቁራጽ ዘተ ኢድና ክንህብ የብልናን” . . . ሰላም ናይ ኩሉ ሓላፍነት እዩ . . . ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝጅምር ኣብ ከተማታትና፣ ኣብ ሃገራትና፣ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ እዩ” እንክብሉ ኣብቲ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስቲ ብምኽንያት ስነ - ስርዓት ስነ -ጽሑፋዊ ሽልማት ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ ርክብ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ርእይቶ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ኣብ 2019 ዓ.ም. ብተበግሶ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ጉጅለ ልኡኻት መንግስታት ዝተመስረተ ስልማት ከም ዝኾነን፡ ነቶም ብዛዕባ ባህልን ክርስትያናዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ - ክርስትያንን መንግስታትን ዘሎ ርክብ ታሪኽ ኣብያተ - ክርስትያን ከምኡውን ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ዘተ ዝገልጽ ብቋንቋ ጣልያን ዝተደርስ መጻሕፍቲ ዘማእከለ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምስክርነት ‘ሰላም ኣብ ምድሪ’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ

እቲ ናይ ለምዘበን 2024 ዓ.ም. ስልማት ነታ፥ "ቤተ-ክርስትያን ውግእ ደው ከተብሎ ትኽእልዶ? ድሕሪ ስሳ ዓመት ዓዋዲ መልእኽቲ ‘ሰላም ኣብ ምድሪ’ ዝተገብረ መጽናዕታዊ ምርምር” ብዝብል እርእስቲ ንዝደረሱ ጣልያናዊ  ንናይ ኢጣሊያ መደብር ተለቪዥንን ራዲዮን ጋዜጠይና ፒየሮ ዳሞሶ ከም እተወሃበን፡ እታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ‘ሰላም ኣብ ምድሪ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ዓዋዲ መልኽቲ መሰረት ብዛዕባ ሰላም ዓለም እተስተንትን ከም ዝኾነትን ልዕሊ ሓምሳ ቃለ መሕትታትን ርክባትን እማመታትን ትንታነታትን ኣቢሉ እቲ ደራሲ፡ ነቲ ኣብ ኣርእስቲ ዝተላዕለ “ቤተክርስትያን ውግእ ደው ከተብሎ ትኽእል ድያ ብኸመይከ?” ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ይፍትን።

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እዚ "ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ካልኦት ኣዋጃት ቤተ ክርስቲያን ዝተሃንጸ" ፍሉጥ ጳጳሳዊ ሰነድ ዝተወልደሉ መበቆልን ታሪኻዊ ኵነታትን ኣዘኻኺሮም፡ ኣድማሳዊ - ኵላዊ ሰላም ንኹሉ ዘገድስ ሰናይ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማ ቀዳም ዘስዑር ዕለት 13 ሚያዝያ 1963 ዓ.ም. ዮሓንስ መበል 23 ብራዲዮ ዘመሓላለፍዎ ታሪኻዊ መልእኽቲ እውን ዘኪሮም፣ እቲ ዓዋዲ መልኽቲ፡ "ምስክር እዩ" እንክብሉ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ርእይቶ ሂቦም፡ “እቶም ኣዝዮም ጽዑቓት ቃላት ሮንካሊ (ዮሓንስ መበል 23)፡ ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ሓላፍነት ዝስከሙ፡ ክሕለዉን ክለምዑን ዘለዎም ውርሻታት እዮም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ፓሮሊን እምበኣር ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ዝረአ ዘሎ ህሉው ግጭታት ኣብ ምግጣም ስነ መላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት ፍረ ከም ዘፍሪ ርግጸይና ኣብ ምዃን ምጽናዕ ከምዘድሊ ኣስሚሮም፣ ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝላበውዎ ብሓቂ ናይ ሰላም ኣንጠረይና ምዃ ጻዕርን ምትሕብባርን ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

ሕውነት እቲ ሓቀይና መንገዲ ፍትሒ እዩ

እታ ብዳሞስ እተደርሰት መጽሓፍ ይብሉ ካርዲናል ፓሮሊን፥ "ንዓሚቕ ተገዳስነት ሰላም ብዘስደምም መንገዲ ናብ ቅድሚት ዘምጽኣ እዩ" ብምባል ንኢዶም፡ ሓያሎ መሰኻኽርን ምሁራትን ዝተዛረቡሉ ኩለመዳያዊ ትንታነ ሰላም ምዃኑ ድማ ገሊጾም፥ ቃላቱ ነቲ ናይቲ ሽልማት ዝሃቦ መጋባእያ ዘቃልሕ ኮይኑ፡ እቲ ጋዜጠይና ዝገበሮ ዕሙቕ ዝበለ መርመራ ከም ዘስተብሃለሉን፡ “ቤተክርስትያን ግጭታት ደው ናይ ምባል ሓቀይና ሓይሊ እኳ እንተዘይብላ፡ ንኣድማሳዊ - ኵላዊ ሰብኣዊ ሕልና፡ መናድቕ ጽልእን ቅርሕንትን ንምፍራስ ክሰርሕ ክትጽውዕ ትኽእል እያ። ሕውነት ከም ሓቀይና መገዲ ፍትሒ፣ ምትሕግጋዝ፣ ምትእትታውን ሓልዮትን ንምድሪ ዘመልክት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበር ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብተወሳኺ እቶም ደያኑ "እቲ ደራሲ ሓይሊ ጸሎት ህዝቢ ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ንውጥናት ርክብን ዘተን ከተባብዕ ከም ዝኽእል እውን የጉልሕ" እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

‘ፍትሓዊ ኲናት’ ዝብል ኣምር ክግምገም ኣለዎ

ቅድሚ እቲ ስነ - ስርዓት ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ገለ ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ ኣብ ዩክሬንን ማእከላይ ምብራቕን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ምስ ተሓተቱ፥ ኲናት ፈጺሙ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ ኣስሚሮም፥ ነዚ ጉዳይ ዝምልከት መግለጺ ሽማግለ ፍትሕን ሰላምን ቅድስቲ መሬት ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ "ሎሚ ኣብ ኣምር ፍትሓዊ ኲናት ከም ንውግእ ምክልኻል ኣብ ዝብል ኣመለኻኽታ ብዙሕ ምይይጥ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር ምስዚ ሎሚ ዘሎ ኣጽዋር፡ እዚ ኣምር ኣዝዩ ከቢድ ኮይኑ ኣሎ፡ ውዱእ መርገጺ የለን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሊባኖስ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ብህጹጽ የድልያ

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሊባኖስ ዝገበርዎ ዑደት መሰረት ገይሮም እውን ካርዲናል ፓሮሊን ርእይቶ ከምዝሃቡን ብዛዕባ ንቅልውላው ሊባኖስ መፍትሒ ክኸውን ዝኽእል እንታይ እዩ ትብሉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ምርጫ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ምዃኑ ሓቢሮም፥ “ነዚ ንኹሉ ዝጎድእ ዘሎ ትካላዊ ቅልውላው እታ ሃገር ንምውጋድ እቲ ኣገዳሲ ነገር ርእሰ ብሔር ምህላው እዩ፡” ክርስቲያን ኣብ ውሽጢ ስርዓት ሊባኖስ ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ እውን ተስፋ ከምዘለዎ ገገሊጾም፥ "(እቲ ምርጫ) ብርግጽ እቲ ስሕበት መፍትሒ ኣይክኸውንን'ዩ፡ እንተኾነ ግን ኩሉ ትካላዊ ተራታት ምስ ተማልአ ነቲ ጸገማት ክንፈትሖ ክንጅምር ኢና።” ኣብዚ መዳይ ናይ ማሮናዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሶሪያ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ኣል - ራይ ንጡፍ ተዋሳኢ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፡ "ኩሉ ግዜ ንክርስትያን ንምጥርናፍ ይጽዕሩን ብወገን ውድባት ክርስትያን ክጥርነፉ፡ ሓደ ሓሳብ ከቕርቡ ወይ ድማ ድልውነት ዘሎ ይመስል . . .  ዝያዳ ተቐባልነት ዘለዎም ሕጹያት" ንምልላይ። ምስ ማሕበረሰብ ሺዓ ዘተ ኣሎ ድዩ ተባሂሎም ምስ ተሓተቱ ድማ፥ ዘተ ጎዲሉ ኣይፈልጥን እቲ ጸገም ግን ልዕሊ ኩሉ ኣብ ጎኒ ሂዝቦላህ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ "ኣብቲ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት እዮም፡ ሕጹይ ተመራጺ ድማ ኣለዎም። እቲ ሕቶ ብኹሉ ተቐባልነት ዘለዎ ሕጹይ ምርካብ እዩ” እንክብሉ ይምልሱ።

እሱራት ምፍታሕ ኣብ ዩክሬን ንመስርሕ ሰላም ክሕግዝ ይኽእል እዩ

ካርዲናል ፓሮሊን ብዛዕባ ዩክሬን ኣብ ዝምልከት ጉዳይ እውን ርእይቶ እንክህቡ፥ ብዛዕባ እቲ መራሔ መንግስቲ ሃንጋሪ ኦርባን ንርእሰ ብሔር ዩክሬን ዘለንስኪ ብተዘዋዋሪ ንሕብረት ኤውሮጳ ብዘቕረቦ እማመ ቅልጡፍ ተኹሲ ደው ምባል ንልዝብ ሰላም ንምምችቻው ይሕግዝ እዩ እንክብል ዘቕረቦ ሓሳብ፥ ዝምልከት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፥ "ክሳዕ ሕጂ ዩክረይን ዝተቐበለቶ ጉዳይ ኣይኮነን። መንግስቲ ዩክረይን ቶኽሲ ደው ምባል ግዜ ንምዕዳግ እዩ ቢሉ እዩ ዝገልጾ፡ ስለዚ እዚ ሓደጋ እዚ ሓቂ እዩ።” ይኹን እምበር ቅድስቲ መንበር "ዕርቂ ደሓር ድማ ዘተ ክህሉ ይኽእል ዝብል ተስፋ ኣለዋ እንክብሉ ይገልጹ፣

ቅድስቲ መንበር ብዓወት ሽምግልና ዝገበረትሉ ምልውዋጥ እሱራት ብዝምልከት፡ ካልእ ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህሉ ከም ዝኽል ዘለዎም እምነት ገሊጾም፥ ጉዳይ እሱራት ብቐንዱ ንኽልቲኡ ወገን ዝምልከት ስለዝኾነ እዚ ምንቅስቓስ ቁሩብ ክቕጽልን እዚ ድማ ኣዝዩ እወታዊ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ፡ ሰላምን ዘተን ክፈጥር ዝኽእል ኩነታት እዩ" ኢሎም።

ዲሞክራሲ ንምዕቃብ ክብርታት የድልይ

ኣብ መወዳእታ ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ጋዜጠይናታት ኣብ ዝገበዎ ቃለ መሕትት፥ ብዛዕባ እቲ ዕለት 2 ሓምለ ዝጀመረ መበል 50 ማሕበረሰብኣዊ ቅነ ኢጣልያ ዕለት 7 ሓምለ ር.ሊ.ጳ. ብኣካል ተረኺቦም ቃለ ምዕዳን ዝልግስሉ መደብ ጠቒሶም፥ እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዲሞክራሲ ዘተኮረ መርሕ ቃል ዘለዎ ምዃኑን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣገዳሲ እውን እዩ፡ ምኽንያቱ - ደሞክራሲ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ቅልውላው የጋጥሞ ስለ ዘሎ።” ካቶሊካውያን ንዲሞክራሲ ክድግፉን ልዕሊ ኩሉ ድማ ክቡራት ዋጋታት ከስርጽሉ ኣገዳስን ኣድላይን እዩ፡

"ዲሞክራሲ - ቀሊል ናይ ሒሳብ ልምምድ፡ መን ዝበዝሐ መን ውሑድ ድምጺ ኣለዎ ማለት ዘይኮነስ፡ ልዕሊ ኩሉ ማሕበራዊ - ሓባራዊ ሰላማዊ ናብራ ዝብሉ ክብርታት ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ ስለዚ ኣብዚ መዳይ ካቶሊካውያን ክገብርዎ ዝኽእሉ ኣዝዩ ቅኑዕ ዝኾነ ነገራት ኣሎ፡ ካብዚ ማሕበረሰባዊ ቅነ ሰናይ ነገር ክመጽእ ተስፋ እገብር” እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 July 2024, 16:44