ድለ

2024.07.21 Visita del cardinale Parolin alla sede dell'Arcivescovo Maggiore della Chiesa Greco Cattolica Ucraina e nella cattedrale greco-cattolica. 2024.07.21 Visita del cardinale Parolin alla sede dell'Arcivescovo Maggiore della Chiesa Greco Cattolica Ucraina e nella cattedrale greco-cattolica. 

ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ዩክረይን - 'ንኣምላኽ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር የለን'

ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብር ናብ ዩክረይን ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርይዊ ምብጻሕ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣባታዊ መልእኽቲ ኣብጽሑሎም ተስፋ ኣብ እንገብረሉ እዋን እውን ከይተረፈ ንኣምላኽ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር ከም ዘየለ ኣረጋገጹ።

ኣባ ተወልደ መብራህሩ - ሃገረ ቫቲካን

እዞም ናይ ቅድስቲ መንብር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ናብ ዓቢይ ሊቀጳጳስት ናይ ዩክረይን  ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ክየቭ-ሃሊኽ ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ ኣብ ዝገብርዎ ምብጻሕ ትማሊ ሰንበት ዕለት 21 ሓምለ ነዚ ዘጸናንዕ ቃላት ኣወፈዩሎም ።

“ተስፋና ዝቕህም እኳ እንተ መሰለ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻባና ዝዓቢ ኣምላኽ ግን ኵሉ ነገር ይከኣል ኢዩ ።” በልዎም።

ካርዲናል ፓሮሊን ናብ ዩክረይን ዝገበሮ ምብጻሕ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ካብ 19-24 ሓምለ ናብ ዩክረይን ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ጳጳሳዊ ፍሉይ ወኪል ኰይኖም ድሕሪ ምሻሞም ነቲ ናይ ዩክረይን ናይ ላቲናዊ ሥርዓት እትኽተል ቤተክርስትያን እተካይዶ ዝንበረት ንግደት ቤተ-መቕደስ ደብረ ማርያም ዘበርዲኪፍ ዝገበርዎ ጕዕዞ መዛዘሚ መዳባት መርሑ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዝገበርዎ ምብጻሕ ካብቲ ሩስያ ኣብ ለካቲት 2024 ምሉእ ብምሉእ ኣብ ልዕሊ ሃገረ ዮክረይን ወራር እትጅምር ንመጀመርታ ግዜ ናብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ምብጻሕ ዘካይዱሉ ዘለዉ ኣጋጣሚ  ኢዩ ዝንበረ ።

እዞም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ነቶም ዓቢይ ሊቀ-ጳጳሳት "ኣቦን ርእስን" ናይ ዩክረይን ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ብምርካብ ከምኡ ውን ካብቲ ካርዲናል ፓሮሊን ብ2016 ዘካየድዎ ምብጻሕ ኣትሒዞም ኣብኡ እተገብረ "ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕቤት" ምስጋናኦም ግለጹሎም።

ብእምነት ብሓባር ምጽላይ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን "ኵላትና ነቲ ዅነታት ስለ እንፈልጦ ናብ ዩክረይን ክበጽሕ ከለኹ ባህ ዘብል ከም ዘይኰነ ርዱእ ኢዩ " ብምባል ኣፍልጦ ሃቡሉ፣ እንተዀነ ግን ዝዀነ ዀይኑ "ሓቢና ንኽንጽልን ምሳኻትኩም ንኽጽልን" ነዚ ጕዕዞ እዚ ከም ዘካየዱ ገለጹሎም።

እዞም ናይ ቅዱስቲ መንበር ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ከምቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዝገበርዎ ቤተ - ክርስትያን ኣብነት ነብዪ ኤልያስ እትስዕብ "ትንቢታዊ ግደ" ከም ዘለዋ ውን ኣዘኻኸርዎም ።

"ኵሉ ነገር ብኣምላኽ ይከኣል ኢዩ፣ ኣብ ዝብል እምነት እተመስረተ ዓቢ ጸሎት ሰላም ንኽግበር ክንጽውዕ ኣሎና" ድማ በሉ።

ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ተስፋና ድሩት እኳ እንተ ዀነ ኣምላኽ ግን ካብ ርእስናን ካብ ልቦናናን ካብ ዓቕምናን ከም ዚዓቢ ንፈልጥ ኢና" በሉ።

ቅርበት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንምግላጽ

ብፁእ ካርዲናል ፓሮሊን በዚ ዘጸናንዕ ቃላት እዚ ኣቢሎም "እቲ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘምጻእክዎ መልእኽቲ ቅርበቶም ምዃኑ ኢዩ" ክብሉ ገለጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብታ ብውግእ ዝዓነወት ሃገር ዘሕለፍዎ ስቓይ እንተላይ ኣብቲ ብ21 ሓምለ ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ምእመናን ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብተደጋጋሚ ብምዝካር ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ በሉ - "ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስቓይን መከራን ናይዚ ህዝቢ እዚ ዓቢ ቅርበትን ዓብዪ ተሳትፎን ኣርእዮም ኢዩ።" በሉ።

ሰላም ንምርካብን ነቲ ውግእ ንምፍታሕን ዘሎ ባህጊ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብታ ሃገር ብኣካል ተረኾቦም "ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት 'ብህያው' ዝኾነ መዳይ ምስኣቶም ከምዘለዉ" ገለጹሎም፣  እዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳ "ኣብ ስቓይኩም ይካፈሉ ኣለዉ" ብፍላይ ከኣ "መገዲ ሰላም ንምኽፋት ክሕግዙ ኢዮም ዝደልዩ" ከምኡውን "ናብ ፍታሕ እዚ ውግእ እዚ ገጾም ክኸዱ ኢዮም ዝደልዩ።"

"ኣብዚ ምህላወይ በዚ መዳይ እዚ ንእሽቶ ኣበርክቶ ኽገብር ተስፋ እገብር" ድማ በልዎም።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብኡ ብምክፋሎም ነዚ ኣገዳሲ ህሞት እዚ ብሓባር ብምጽንባሎም ክሳዕ ክንደይ ከም እተሓጐሱ ብምግላጽ ቃለ መልእኽቶም ዛዘሙ።

23 July 2024, 12:07