ድለ

2024.07.21 Cardinale Luis Antonio Tagle, Messa finale del Congresso Eucaristico degli Stati Uniti ad Indianapolis 2024.07.21 Cardinale Luis Antonio Tagle, Messa finale del Congresso Eucaristico degli Stati Uniti ad Indianapolis 

ካርዲናል ታግል ንካቶሊካውያን ህያባት ኣምላኽ ንኼካፈሉ ዓደምዎም

ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኢንድያናፖሊስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እተገብረ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግን ከምኡ ውን ስብከት ቃል ኣምላኽ ብምልጋስን ዛዘምዎ፣ ኣባኡ ድማ ንቕዱስ ቍርባንን ወንጌላዊ ተልእኾን ተሓድሶ ከም ዘድሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ፍሉይ ልኡኽ ብዛዕባ እቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ እተወስደ መሪሕ ጭርሖ "ኣባይ ጽንዑ!" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ እተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ኣባኡ ተረኺቦም ብምስትንታን ተልእኾ ጉይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ካብ ኣቦ እተዋህበ ውህበት ምዃኑ ኣጕልሑ።

ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርቶስ ብኣቦ ንኻልኦት ምእንቲ ክውፈ ኢዩ ተላኢኹ" በሉ፣ ጐይታና ኢየሱስ ንህይወት ዓለም ሥጋኡን ደሙን ኣብ ዝሃብርሉ፣ ቅዱስ ቍርባን ነዚ ውህበት እዚ ከም ዝገልጽ ድማ ኣመልከቱ።

እዞም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስበከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ዝኾኑ ካርዲናል ኣብቲ ትማሊ ሰንበት ዕለተ 21 ሓምለ እተዛዘመ ኣብ ኢንድያናፖሊስ ክፍለ ሃገር ኢንድያና እተገብረ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቅዱስ ቁርባን መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም።

ነቶም ኣባኡ ዝተረኽቡ ምእመናን ከም ኣሳልጦ ጥራይ ዘይኰነስ ንህይወቶምን ንዓለምን ከም ውህበት ኣምላኽ ገይሮም ኪርእይዎም ብድሆ ኣቕረቡሎም ።

"ሕጂ ውን እተኾነ ንገዛእ ርእስናን ንካልኦት ሰባትን ንነገራትን ንስራሕናን ንማሕበረሰብናን ኩነታትናን ከምኡውን ንፍጥረት ብምሉኡ ከም ህያብ ኣምላኽ መጠን ኣብ ግምት ነእቱ ዲና?" ክብሉ ሕቶ ኣቕረቡሎም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ዘይምህላው ናብ ገዛእ ርእስኻ ጥራይ ከም እትጥምትን ተልእኾ ወንጌላዊ ቅንኣት ከም ዝጐድለናን ድማ ኣጠንቀቑ።

ንኢየሱስ ሓዲግካ ምኻድ ዜምጽኦ ስቓይ

ብፁዕ ካርዲናል ታግል ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ምዕራፍ 6 ተገሊጹ ዘሎ ንኢየሱስ ጠንጢኖምዎ ዝኸዱ ደቀ መዛሙርቲ ዘጋተሞም ኣጸጋሚ ዅነታት ገለጹ፣ እቲ ቤተ-ክርስትያን እንፍጽሞ ተግባራት ሓድሓደ ግዜ ነዚ ጕዕዞ እዚ ኣበርክቶ ዝገብር እንተ ዀይኑ ድማ ክንምርምሮ ከም ዘሎና ጻውዒት ኣቕረቡ።

"ንሕና ደቀ መዛሙርቲ ንኻልኦት ካብ ኢየሱስ ንኽፍለዩ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእልዶ ኢና?" ክብሉ ውን ሓተቱ ። ምስ ቅዱስ ቍርባንን ምስቲ ናይ ምሕዳስ ሓይሉን ዓሚቝ ርክብ ክህልወና ድማ ተማሕጸኑ።

ነቶም ከም ድኻታት ስደተይናታት ከምኡ ውን ኣረጋውያን ዝኣመሰሉ እተገለሉ ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት ክፍሊ ማሕበረሰብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዝዀኑ ገይሮም ንኽቕበልዎም ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ።

ጻውዒት ንቅዱስ ቁርባናዊ ተልእኾ

ብፁዕ ካርዲናል ታግል እቶም ምስ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኪነብሩ ዚደልዩ እውን ብኣኡ ንኽለኣኹ ውን ፍቓደኛታት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ገለጹ ።

"ንጐይታና ኢየሱስ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ኽንሕልዎ የብልናን። እዚ ደቀ መዛሙርቲ ምዃን ማለት ኣይኰነን ። እዚ ስስዐ እዩ!" በሉ፣ ነቶም ኣባኡ ዝነበሩ ምእመናን ድማ ነቲ ኻብ ኢየሱስ ዝረኸብዎ ፍቕርን ድንጋጽን ነቶም ዝደኸሙን ንዝጠፍኡን ከምኡ ውን ንእተበታተኑ ኼካፍልዎም ጻውዒት ኣቕረቡሎም።

መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ

ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ መወዳእታ ሓዋርያዊ ቡራኬን ጸሎትን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣመሓላለፉሎም፣ ቅዱስነቶም ድማ "ተሳተፍቲ እቲ ጉባኤ ነቲ ካብ ሰማያዊ ምግቢ ዚረኽብዎ ኣድማሳዊ ውህበት ኣጸቢቖም ስለ ዚፈልጥዎ ንኻልኦት ኬካፍልዎም ኣለዎም" ዚብል ተስፋ እትገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾኑ ከም ቆሞስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዘጋጠሞም ዛንታ ብምክፋል ድማ ነቲ መደብ ዛዘምዎ።

ብጹዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ሕ. መ. ኣ.
22 July 2024, 14:16