ድለ

2019.01.21 Vaticano, Palazzo Sant Uffizio, Congregazione per la Dottrina della Fede 2019.01.21 Vaticano, Palazzo Sant Uffizio, Congregazione per la Dottrina della Fede 

ቅድስቲ መንበር ንመልእኽትታት 'ፈልፋሊ ምሕረት ስላሴ' ኣፍልጦ ሂባትሉ

ናይቲ ብዛዕባ ዓንቀጸ እምነር ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሰመሩሉ መልእኽቲ ናብቶም ናይ ሰበኻ ኮሞ ጳጳስ ዝኾኑ ካርዲናል ልኢኾም፣ ኣባኡ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤተ መቅደስ ማቺዮ ዘጋጠመ ምንፈሳዊ ግልጸታት ‘ኣልቦ ኑፋቄ’ እንክብሉ ኣጽዲቖሞ ይርከቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንመልእልታ ባህርያዊ ተርእዮታት ንምምማይ ተባሂሉ ዝወጸ ሓድስቲ ማዕቀናት ቅድስቲ መንበር ኣብ ግብሪ ብምውዓል እቲ ናይ ቅድስቲ መንብር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ብዛዕባ መልዕልተ ባህርያዊ ግልጸታት ፍቓዳት ይህብ ኣሎ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ እውን ነቲ ኣብ ቪላ ጋርድያ ጥቓ ኮሞ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዝርከብ ቤተ-መቕደስ ማክስዮ መንፈሳዊ እተረኽበ ግልጸታት ስምረት ቅድስቲ ምነብር ንክህቡሉ ኣኽኢሉ ኣሎ።

ብ2000 ዓ.ም.  ጆኣኪኖ ጀኖቬዘ እተሰምየ ናይ ሙዚቃ መምህርን ርእሰ መዘምራንን በዓል ኪዳንን ኣቦ ኽልተ ደቅን በቲ "ኣእምሮኣዊ ራእያት" ማለት "ህያው ዝኾነ ህላወ ምስጢረ ቅድስት ሥላሴ" ክግንዘብ ጀመረ። ሓደ ረዚንን ኣስተውዓልን ሰብ ነቲ ዝረኸቦ ብርሃን ክጻረር ዘይተረኽበ፣ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ገለ ሰባት ንኣምልኾን ምህለላን ጸሎት ታስዕትን ክዕድም ተረኽበ።

ብፁዕ ኣቡነ ድያጎ ኮለቲ በቲ ግዜ እቲ ናይ ሰበኻ ኮሞ ጳጳስ ዝነብሩ፣ ንጽሑፋት ጀኖቬዘን ነቲ ዝረኸቦ ግልጸታትን ብሓፈሻ ምስ ብምምርማር ብ2010 ነታ ቤተ ክርስትያን ቁምስና  ቅድስቲ ሥላሴ ዘምሕረት ብዝብል ስያሜ ቤተ መቅደስ መካነ ንግደት ክትከውን ወሲኖም።

ናይ ህየንተ መልእኽቲ

ትማሊ ረቡዕ 24 ሓምለ እቶም ናይ ቅድስቲ መነብር ብዛዕባ ጉዳይት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ናብቶም ናይ ሰበኻ ኮሞ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ካንቶኒ ዝተላእከት መልእኽቲ ንህዝቢ ወግዓዊት ኮነት።  

ብፁዕ ካርዲናል ካንቶኒ ብመሰረት እቲ ሓድስቲ ማዕቀናት ንግልጸት ማቺዮ "ኣልቦ ኑፋቄ" ተባሂሉ ኺእውጅ መሕትት ናብ ቅድስቲ መንበር መሕትት ኣቕሪቦም ነይሮም። ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸደቐት መልእኽቲ ብዛዕባ ጽሑፋት ጀኖቬዘ እተወሰነ መብርሂ ኣቕሪቦም ኣለዉ ።

ኣወንታዊ ባእታታት

ቀዳማይ፣ ህየንታ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር  ነቲ ኣብቲ መልእኽትታት ግልጸት ዚርከብ ኣወንታዊ መዳያት ዘርዚሮም ይርከቡ ፦ "ስላሴ ምንጪ ምሕረትን ፍጹም ክዋኔኡን ኢዩ ። ንብርሃን ናይዚ እምነት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ብዛዕባ ምሕረት ኣምላኽ ወይ ክርስቶስ ብተደጋጋሚ ዚገልጽ መንፈሳዊ ጽሑፋትን ስልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስቲያንን ሓያል ትርጕም ስላሴ ኣለዎ ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዝነበረ ስነ-ሃይማኖታዊ ኣስተንትኖታትን መንፈሳውነትን ምስጢተ ሥላሴ ኸም እተዳኸመ ፍሉጥ እዩ። በዚ መዳይ እዚ መንፈሳዊ ተመክሮ  ጀኖቬዘ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝማዕበለ እምነትን ክርስትያናዊ ህይወትን ኣገዳሲ ቦታ ናይታ ቅድስት ሥላሴ እንደገና ምስ ዝተረኽበሉ እዋን ዝሰማማዕ ኢዩ ።

"ኣብ ጽሑፋት ጀኖቬዘ እዚ ሓቂ እዚ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ኣሎ እቲ ኻብ ሥላሴ ዝመጸ መልእኽቲ ምሕረት ከኣ ሠናይ ዝመልኦ ኢዩ። ኣብቲ ወዲ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነ፣ ካብ ሥጋዌኡ ኣትሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ነቲ ናይ ማሕበረ ሥላሴ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪ ንዓና ገለጸልና።

"'ኣባይ ኣብቲ ስጋ ዝለበሰ ቓል፣ ኦ መርዓትይ፣ ናይቲ ሓደ ኣምላኽ ፍቕርን ርሕራሔርን ምሕረትን ትርእዪን ትትንክይዮን ኣለኺ፣ ኣባይ ኣብቲ ቓል ብዘይ ምርዳእ ተስተንትንዮ፣ ኦ መርዓተይ ውህበት ስላሴና [እዚ ኢዩ]'(864)።"

ካብቲ መልእኽትታት እተወስደ ተወሳኺ ሓሳባት ኣብቲ መልእኽቲ ናይ ቅድስቲ መንብር እንተላይ እዚ ዝስዕብ ተጠቓሊሉ ኣሎ -

"ሥጋ ምልባሰይ ውህበት ናይ ምሕረት ስላሴ እዩ!

ቃል ውህበት ናይ ምሕረት ስላሴ እዩ!

ሕማማተይ ውህበት ናይ ምሕረት ስላሴ እዩ!

ትንሳኤይ ውህበት ናይ ምሕረት ስላሴ እዩ!

ኣነ ምሕረት እየ!" (49)።

ጸሎተ ሥላሴ

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ከምዚ ብምባል ይሕብሩ - "ወላ ውን ወልድ ውን ንብሕቱ እንተ ዀይኑ እውን ከይተረፈ ኣብቲ ጽሑፋት ጀኖቬዘ ከም ዘሎ 'ምሕረት ስላሴ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሥሉስ ኣምላኽ ዘርኣዮ መወዳእታ ዘይብሉ ምሕረት ክርስቶስ፣ ቤተ-ክርስትያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ርድኢት እናወሰኸት ክትኸይድ ትጽቢት ይግበረላ ኢዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ማእከል ናይ ኵሉ መልእኽትታት ኢዩ፣ ከመይሲ ኣብ መወዳእትኡ ማእከል ግልጸት ክንዲ ዝኾነ።"

ኣብታ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ነዚ ዝስዕብ "ጽቡቕ" ጸሎት እውን ኣዳልዮም ኣለዉ -

"ንስኻ ኢኻ እትጥምተኒ፣ እትጓስየኒ ናባኻ ናብ ልብኻ ውን እትስሕበኒ፣ ነቲ ትሕት ዝበለ ገጸይ ወሲድካ ናባኻ ሓፍ ኣብሎ ኢኻ፣ ከምኡ ውን እታ ንዓይ ዘላትካ ፍቕሪ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ትርግታ ልብኻ ምእንቲ ኽጥሕል ርእሰይ ከኣ ብሰላም ምእንቲ ኸዕርፍ ኣብ ልብኻ ክጸንዕ ትነግረኒ። ንገጽካ ምእንቲ ክመስል ንገጸይ ኣቕንዓለይ። ኣነ ኣባኻ ኣብቲ ሰብን ኣምላኽን ዝዀንካ ኢየሱስ ናብ ኣዒንትኻ እናጠመትኩ ብሓቂ ብኣኻ ጐይታይን ኣምላኸይን ምእንቲ ኽውከል ገጽ ምሕረት ስላሴ ከም ዘቋምት ግበረኒ። ስለዚ እንሆ ሓጥእ እኳ እንተ ዀንኩ ናባኻ ናብ ገጽካ ብዘይ ፍርሂ ክጥምት ቅንዕ ክብል እኽእል እየ። ናብ ምሕረት ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቕሪኻ፣ እቲ እንኮ ኣምላኸይ ዘይስዓር ሥላሴ ናይቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘሎ ፍጹም ምስጢር ፍቕሪ! ገይረ አፍቅረካ እየ፣ ኣባኻ እውን ሓድሽ እኸውን ካብ ርስሓት ሓጢኣት ከም ዝነጻህኩ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ"(1331)።

ክንጽር ዘለዎ መዳያት

ኣብታ ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ዝጸሓፍዋ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ኺንጽር ዘለዎ መዳያት እውን ትገልጽ። ብፁዕነቶም "ብዛዕባ ምስጢር ቅድስተ ቅዱሳን ሥላሴ ብልክዕ ምግላጽ ቀሊል ኣይኰነን፣ እዚ ነቶም ዓበይቲ ናይ ሥነ መለኮት ሊቃውንቲ ስልጣነ ኣስተምህሮት ቤተ - ክርስትያንን ዝምልከት እንተድኣ ዀይኑ፣ ሓደ ሰብ ኣብ መንፈሳዊ ግልጸት ንዝረኸቦ ተመክሮ ብሰብኣዊ ቓላት ክገልጽ ምስ ዝጽዕር ዝያዳ ሕልኽላኻት ኢዩ ዝፈጥር ። ጀኖቬዘ ካብቲ ዝበሎም ቃላት ብምጥቃስ ልክዕ ከምቲ ዅሉ እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝጸሓፍክዎ ፍጽምና ከም ዘይብሉ ኸም ዚፈልጥ ኪዛረብ ከሎ፣ ነዚ ብንጹር ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ።  

ብፍሉይ ድማ እዛ መልእኽቲ ከም "እቲ ኣዝዩ እተሓላለኸ ጕዳይ" ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ፣ እታ ሥላሴያዊት "ንሕና" እትብል ቃል ወላ ነቲ ምስጢረ ሥጋዌ ንምምልካት እውን እንተ ዀነ "ንሕና ምሕረት [...] ሥጋ ለበስና” (541)። ካርዲናል ፈርናንደዝ "ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺታት ተቐባልነት የብሉን፣ ምስ እምነት ክቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ብዝጻረር መገዲ ብቐሊሉ ኺትርጐም ስለ ዚኽእል ድማ ምብዛሑ ኺውገድ ኣለዎ" በሉ።

ይኹን እምበር እታ እታ መልእኽቲ ብፁዕነቶም ቐጺላ ከምዚ ትብል - "እዚ ክበሃል ከሎ ንዅሉ ጽሑፋት ጀኖቬዘ ጊጉይ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ሓያሎ ኻባታቶም ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ስዒቡ ዝመጸ ናብ ቅኑዕ ትርጕም ዝመርሓና መብርሂ ንረክብ ኢና።"

ካርዲናል ፈርናንደዝ ነዚ ዝስዕብ ተወሳኺ ጥቕስታት ክህቡ ይርከቡ - "ኣብ ምሥጢረ ሥጋዌ ሥላሴ ሥጋ ኣይለበሰን፣ ይኹን እምበር ኣብ ሰብኣውነት ናይቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ንመለኮቱ ነስተንትኖን ንትንክፎን ኢና ኢና።" (1407)

እቶም ህየንተ ካርዲናል ፈርናንደዝ ከምዚ ብምባል ይገልጹ - "እምበኣር በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ቓል ጥራይ ስጋ ኸም ዝለበሰ ንጹር ኢዩ፣  ኵሉ እቲ ሥላሴ ዘጠቓልል 'ንሕና' ዝብል ጥቕስታት ነቲ ሓባራዊን ቀጻልን ህላወ ናይቶም ሰለስተ ኣካላት ከም ዘመልክት፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ እቲ ስጋ ዝለበሰ ቃል ጥራይ እኳ እንተዀነ፣ ሰለስቲኦም ኣካላት ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ከም ምሕረት ኮይኖም ከም ዝተገልጹ ግን ንጹር ኢዩ።"

ቅኑዕ ትርጓሜ

ካርዲናል ፈርናንደዝ ከምዚ ክብሉ ይጽሕፉ - "እቲ ጆኣኪኖ ጀኖቨዘ ምስ 'ምሕረት ሥላሴ' ብእተተሓሓዘ ካብ ዘዘንተዎ ተመክሮታት ዝመንጨወ መንፈሳዊ እማመ፣ ብብርሃን እቲ ኣቐዲሙ ዝተባህለ እንት ደኣ ተተርጒሙ ከምቲ መማኽርቲ ዝነበሩ ብዝሓት ሊቃውንቲ ዝሰምሩሉ ምስ ሰረተ-እምነት ቤተ-ክርስትያን ዝጻረር ስነ-መለኮታዊ ወይ ስነ-ምግባራዊ ባእታታት ከም ዘይብሉ ኽንዕቅቦ ንኽእል ኢና። ዝዀነ ዀይኑ ኣብ ሥርዓተ ጽሑፋቱ ዜደናግር መግለጺታት ዝሓዘ ጽሑፋት [...] ምእንቲ ኸወግድ እዛ ደብዳበ እዚኣ ከም መእተዊ እቲ ጥርኑፍ ጽሑፋት ዀይና ምእንቲ ኽትቅመጥን በዚ ኸምዚ ኽንቅጽልን ኣለዋ።"

ኣብ መወዳእታ እታ ደብዳበ "ንድያብሎስ ዜመልክት እተፈላለየ ጽሑፋቱ ትርጉም ንምሃብ፣ ኣምላኽ ነቲ ፍቑር ፍጡሩ  ኣይርስዕን ኢዩ ወላ እኳ ብነጻነቱን ድላዩን ወሲኑ ካብኡ እንተ ረሓቀ ኣምላኽ ፈጺሙ ዘይርስዕ ከም ዝዀነ ጌርካ ኺትርጐም ኣለዎ" ትብል፣ "  ንኣቡን ወይ ንኻልኦት ሰባት (ብዛዕባ ዕለትን ግዜን ዚገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ) ዚህብ ጥቕስታት "  ቦታታት ኰነ ኻልእ ዝርዝራዊ ወይ ደቂቕ ዝርዝራዊ ሓበሬታ) ንምእመናን ኣይጠቅምን እዩ፣ ንገሊኦም ሰባት ብጥንቃቐ ኸይፈለጥካ እውን ከም መለኮታዊ ምልክት ጌርካ ኺርአ ኣይከኣልን እዩ።" ይብል።

እታ ደብዳበ "ጳጳስ እቲ ሰበኻ ምስዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝገብሮ ርክብ" እውን ትገልጽ እያ ።

ኣዋጅ ናይ ሰበኻ ጳጳስ

እቲ ብጀኖቬዘ ብምሳልያዊ ኣዘራርባኡ እተቐበሎ መልእኽትታት ዘለዎ ጥቕሚ ነቲ ኣብ መንጎ ስነ-መለኮትን፣ ሥነ-ክርስቶስን ሥነ-ስላሴን ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ምፍልላይ ንምስናፍ ዝግበር ጻዕሪ ዜጠቓልል እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኵሉ ኣ ምንቅስቓሳት ኢየሱስ ተንጸባሪቑ ዘሎ "ምሕረት ስላሴ" እንደገና ክንርድኦ ከም ዘሎና ዚሕብር እዩ።

እታ ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ዝወጸት  መልእኽቲ ምስ ተሓትመት ጳጳስ ሰበኻ ኮሞ ብመሰረት እቲ ሓድሽ መዐቀናት "ኣልቦ ኑፋቄ " ዝብል ኣዋጅ ኣሕተሙ ።

26 July 2024, 07:44