2024.07.08 Madonna di Montichiari a Brescia 2024.07.08 Madonna di Montichiari a Brescia 

ንመንፈሳውነት እኖና ምስቲራዊት ጽጌረዳ ፍሉይ ፍቓድ ተዋሂቡ

እቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ሓድሽ መምርሒታት ቅድስቲ መንበር ተመርኲሱ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ኢጣልያ ዝዝውተር ነኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስጢራዊት ጽጌረዳ እተወፈየ መንፈሳውነት ዘለዎ ኣወንታዊ ርእይቶኡ ገሊጹ ። እዚ ፍቓድ እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስምረቶም ዝሃቡሉን ናብ ብፁዕ ኣቡነ ፔርኣንቶንዮ ትሬሞላዳ እተላእከ ደብዳበ ኣቢሉ ዝመሓላለፈ ፍሉይ ፍቓድ ኢዩ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ብፒሪና ጂሊ ዝተመሓላለፈ መልእኽትታት ምስ እምነት ሞራላዊ ትምህርትን ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ዝጋጮ ሓሳብት ከም ዘይተረኽበሉ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ ። እዚ ኣዋጅ እዚ ኣብታ ብ8 ሓምለ እተሓትመት ብናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕገር እተላእከት ደብዳበ ብዛዕባ “ቅድስቲ ማርያም ምስጢራዊ ጽጌረዳ” ('ሜሪ ሚስቲካል ሮዝ') ከምኡ ውን ብዛዕባ እቲ ፒሪና ጂሊ ብ1947 ከምኡውን 1966 ካብ ድንግል ማርያም እተቐበለቶ መልእኽትታት ዝገልጽ ኢዩ ዝነበረ። እታ ካብ ቅድስቲ መንበር እተላእከት ደብዳቤ ነቲ ኣወንታዊ መዳያት ናይዚ መልእኽትታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም እዚ ዘጉልሕን ከምኡ ውን ግጉይ ርድኢት  ንምውጋድ መብርሂ ዘድልዮ ገለ መዳያት እውን ንምግላጽን ኢያ ዝተላእከት ።

ንመንፈሳዊ ተመክሮ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ዘፎንታነል ዝኸውን እተዋህበ "ፍሉይ ፍቓድ" ነቲ  ብ17 ግንቦት ዝወጸ መልእልተ-ባህርያዊ ግልጸት ንምምማይን ንምምርማርን እተገብረ ሓድሽ መዐቀኒታት ቅድስቲ መንበር ብምስዓብ ኢዩ ዝነበረ ። እዚ መዐቀኒታት እዚ መልእልተ ባህርያዊ ኲንነታት ኣብ ክንዲ ምምስራት፣ ንዓንቀጸ እምነትን ጉስነታዊ ውጽ’ኢታት ኣብ ምግምጋም ቀዳምነት ዝህብ እዩ ።

ትሕትና ናይቲ ራኣዪ ግልጸት

እታ ኣብ መንፈሳውነት ምስጢራዊት ጽጌረዳ እተጻሕፈት ደብዳበ ንኣወንታዊ መዳያት ጽሑፋት ፒሪና ጂሊን ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እትፍጽሞ ዝነበረት ትሕትናን ምሉእ ትውክልትን ዘጉልሕ ኢዩ ። እዚ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ጽሑፋት ጂሊ ኸንቱነትን፣ ቀጥዒ ኣልቦ ርእሰ ምትእምማን ወይ ትዕቢት ዘይኰነስ እታ ምስጢራዊት ጽጌረዳ ከም እተባረኸ ዜርኢ እዩ። ካብ መዝገበ-ዕለት ጂሊ እተወስደ ሓሳባት ንሰናይነትን ደግነትን ቅድስቲ ድንግል ማርያም የድንቕ ኣብቶም ዝረኽብዋ ሰባት እተሕድሮ ዓሚቝ ጽልዋ ድማ ይገልጽ። እቲ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ከም  ከም ዚሕብሮ ጂሊ ብቐጻሊ እቲ ማርያም እትገብሮ ተልእኾ ንኣመንቲ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዚመርሖም ኣፍልጦ እያ እትህበሉ ።

ሓደ ኻብቲ ኣብቲ መልኽትታት ተጠቒሱ ዘሎ ግልጸታት ኣብቲ ዝረኣየቶ ራኢ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ምንባሩ እንክኸውን፣ ኣባኡ ኣሚቑ ትውክልቲ ኸም ዚህልወኒ ዝገበረ እውን ባዕሉ እዩ ትብል ። ንነፍሰይ ብእኡ ኸም እትማረኽ ዝገበራ እንታይ ምዃኑ ዝገልጸሉ ቓላት የብለይን ... [ጐይታ ኸምዚ በለ፦] 'ካባኻትኩም እንታይ ከም ዝደሊ ንምምርማርን ንምግምጋምን ወትሩ ናባይ ኣተኵሩ፣ ማለት ወትሩ ብፍቕረይ ተደሪኽኩም ተግባራት ምእንቲ ኽትፍጽሙ ክእለትኩም ምሉእ ብምሉእ ኣነ ክኸውን እደሊ ኢየ።' (27 ለካቲት 1952) እቲ ጂሊ እትልእኮ ዝነበረት መልእኽትታት ነቲ ብጉባኤ ቫቲካን ዝጸደቐ ሓድሽ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ዘለዋ ሞሳ ዜርኢ ኮይኑ ብርቱዕ ርድኢት ኣቅላሲያዊ ሕብረት ውን ዝገልጽ እዩ ።

ቅኑዕ ምስሊ ኣምላኽ

እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ንገሊኡ ኣብ መዝገበ-ዕለት ጂሊ ዘሎ መግለጺታት ትርጕም ከም ዘድልዮ ውን ይገልጽ፣ ብፍላይ ከኣ እቲ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንመለኮታዊ ፍትሕን መቕጻዕትን እትጣበቕ መንጐይና ከም ዝዀነት ጌርካ ተገሊጹ ዘሎ ሓሳባት መግለጺ ዘድልዮ ኢዩ ። እቲ ሃዋህው ናይቲ ኩሉ ሓፈሻዊ መልእኽትታት ዝገልጾ ሓሳብት ግና ኣምላኽ ወይ ንክርስቶስ ከም ኣብ ርሑቕ ዘሎ ወይ ምሕረት ከም ዝጐደሎ ገይርካ ናይ ምቕራብ ዕላማ ኸም ዘይብሉ የነጽረልና ። እታ ካብ ቅድስቲ መንበር እተላእከት ደብዳቤ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ዘረጋግጽ ተወሳኺ መልእኽትታት ዝሓዘት ውን ኢያ ፣ ንኣብነት ቅድስቲ ድንግክ ማርያም መለኮታዊ ወዳ ኣብ ዓለም ምሕረቱ ንኸፍስስ ወትሩ ድሉው ምዃኑ ዝሃበቶ መረጋገጺ ድማ ኢያ እተጠቓለል ።

ትርጕም እተን ሰለስተ ጽጌሬዳታት

እቲ ካብ ቅድስቲ መንበር እተላእከ  ደብዳበ ነቲ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም 'እተንጸባርቕ ዘንጊ' ኮይና ዝረኣየቶ ከነወግዶ ምኽሪ ትህብ እትህብውን ኢያ፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዚዝውተር ዝነበረን ጂሊ ዝወረሰቶን ሓሳብ እዩ ዝነበረ ። ልዕልተ ባህርያዊ ግልጸት ንኽንመሚ ዝሕግዘና ሓድሽ መዐቀኒታት ቅኑዕ መንፈሳውነት ካብቲ ኣብ ሥነ መለኮታዊ ዘይቅኑዕ መግለጺታት ዝርከብ ተመክሮታት ክምንጩ ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ውን ይህብ ኢዩ። እቲ ንመንፈሳዊ ተመክሮ ጂሊ ኣገዳሲ ዝዀነ "ጸተ ንስሓ" ዘመልክት ሰለስተ ጽጌረዳ ንዅሎም ኣመንቲ ከም ኣድማሳዊ መልእኽቲ ገይርካ ክርአ የብሉን ። ኣብ ክንድኡስ ከምቲ ኣብ ብምሉኡ ሓድሽ ኪዳን ጐሊሑ ዘሎ ቀንዲ መልእኽቲ ወንጌል ፍቕሪ ክኸውን ኣለዎ ።

ኢየሱስ፣ እንኮ መድሓኒ

እቲ መልእኽቲ ቅድስቲ መንበር ንኸም እኒ "ማርያም ድሕነት" ('Maria Redenzione') "ማርያም ናይ ግሬስ" ከምኡ ውን "ማርያም መማለዲት" ዝኣመሰለ ጂሊ እተጠቕመሉ ዘይተገልጸ ሓሳባት ውን ይጠቅስ ። እንኮ መድሓኒ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ምዃኑን ቀዳሲ ጸጋ ክህብ ዝኽእል ጐይታ ጥራይ ምዃኑን ውን የረጋግጽ። ማርያም ዘለዋ ግደ ንኣመንቲ ነቲ ቀዳሲ ጸጋ ገዛእ ርእሶም ንክኸፍቱ ብምሕጋዝ ብኣደነታዊ ኣማልዶ ዘለዋ ተራ ከም እትሰርሕ ገይርካ ክውሰድ ኣለዎ ። እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት በዚ መዳይ እዚ ስለ እተተርጐመ እቲ ጂሊ ምስ ማርያም ምስጢራዊት ጽጌረዳ እተተሓሓዘ መልእኽትታት ምስ ሰረተ-እምነት ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘይጋጮ ደምደመ።

ታሪኽ ናይቲ ግልጸታት

እዚ ግልጸታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም "ምስጢራዊ ጽጌረዳ" ኸምኡ ውን "ኣደ ቤተ-ክርስትያን" ምስቲ ኣብ ደቡባዊ ሞንቲሻሪ ኣብ ኣውራጃ ብረሽያ ሰሜናዊ ኢጣልያ እትርከብ ፎንታነል ዝነበረ ግልጸታት ዚተሓሓዝ እዩ። እታ ነዚ ራእይ ዝረኣየት ፒሪና ጂሊ ካብ ገባሮ እቲ ከባቢ እያ ተወሊዳ ፣ ኣጽራዪትን ኣላዪትን ኰይና ድማ ትዓዪ ነበረት ። እቲ ምስጢራዊ ተመክሮኣ ኽልተ እዋን ዝወስደ ኢዩ - እታ ቐዳመይቲ ብ1947 ማርያም "ምስቲራዊት ጽጌሬዳ " ከምኡ ውን " ኣደ ቤተ - ክርስትያን " ዝብል ስም ሒዛ ምስ መጸታ እንክኸውን፣ እቲ ኻልአይ ግልጸት ከኣ ብ1966 ኣብ ፎንታነል ኢዩ ዝነበረ ። ብ13 ግንቦት 1966 ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓደ ፈልፋሊ ምንጪ ቦታ ምንጻ ዝከውንን ናይ ጸጋ ምንጪ ዝኸውን ዘመልከተትሉ ግልጸት ኢዩ ዝነበረ ። ህንጸት ቤተ መቕደስ ብ1966 ኣብቲ ቦታ እቲ ተጀመረ እዚ ድማ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ቍርባንን ነቲ ፈልፋሊ ምንጪ ማይ ዜዕቍብ ንእሽቶ ቤተ መቕደስን ዝሓዘ ኽፉት ዘለዎ ኰይኑ እዩ ተሃንጸ።

ርኢቶ ጳጳሳት እቲ ከባቢ

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት እቶም ጳጳሳት ናይዚ ከባቢ ብዛዕባ መልእልተ ባህርያዊ ግልጸታት ሓሳብ ንምሃብ እኹል መርትዖ ኸም ዘሎ ዀይኑ ኣይተሰምዖምን ። ይኹን እምበር ኣብ ሚያዝያ 2001 ኣብ ዓስራይ ዓመት ዝኽቲ ዕረፍቲ ፒሪና ጂሊ፣ ብፁዕ ኣቡነ ጁልዮ ሳንጒኔቲ ነቲ ኣብ ፎንታኔል ዝካየድ ዝነበረ ዝከታተል ሓደ ካህን ሸሙ። ብ17 ታሕሳስ 2019 እዚ ማርያማዊ ቦታ ቦታ በቶም ጳጳስ ናይሪ ሰበኻ ብረሽያ ዝኾኑ ብፁዕ አቡነ ፒራንቶንዮ ትሬሞላዳ “ሰበኻዊ ቤተመቕደስ መካነ ንግደት” ክትከውን ኣፍልጦ ተዋህባ።

11 July 2024, 15:57