ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ንሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ኣብ ፊሊፒንስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ቫቲካን ጸሓፊ ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳስ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ዕለት 1 ሓምለ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ዑደት ከም ዝጀመሩን ኣብዚ ዑደት እዚ ኣብቲ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ዝኽበር ዓመታዊ በዓል “መዓልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ከም እተሳተፉን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ናብታ ደቡባዊ ምብራቕ ኤስያዊት ሃገር ዘካይድዎ ዑደት ክሳብ 5 ሓምለ ክቕጽል ምዃኑ የመላኽት።
ብመሰረት ጸብጻብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ምኽትሎም ተርዛ ሎጅያ ኣብ 'ኤክስ' ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይቲ ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ኣድራሻ ኣቢለን ሊቀ ጳጳስ ጋላገር ኣብዚ ዑደት እዚ ኣብ ሓያሎ ኣኼባታትን ፍጻሜታትን ክሳተፉ መዃኖም ከም ዝሓበራን ዕለት 2 ሓምለ ናብ ቤተ መግንስቲ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ርእሰ ብሔር ፈርዲናንድ ማርኮስ ጁንየር ከምእተራኸቡን ድሕሪኡ ምስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኤንሪከ ማናሎ ክሌኣዊ ርክብ ከም ዘካየዱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ዕለት 3 ሓምለ ጸሓፊ ዝምድና ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ሚንዳንው ማላይባላይ ብምኻድ ኣብ ምሉእ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ፊሊፒንስ (CBCP) ክሳተፉን፡ ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ማላይባላይ ኣብ ዝርከብ ገዳም ዘታቦር ምስ ጳጳሳት ፊሊፒንስ ሓቢሮም መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑን
ኣብ መወዳእታ ዓርቢ ዕለት 5 ሓምለ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ማኒላ ኣብ ዝርከብ ምስ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተኣሳሰር ትካል ኣገልግሎት ወጻኢ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ክሳተፉ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉርዊ ትካላትን ዝሓቦ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።