ድለ

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዕብየት ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ‘ዓሚቝ ስክፍታኣ’ ትገልጽ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዕብየት ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ‘ዓሚቝ ስክፍታኣ’ ትገልጽ 

ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ዕብየት ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ‘ዓሚቝ ስክፍታኣ’ ትገልጽ

ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብዛዕባ ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ዘስዕቦ “ህላወኣዊ ሓደጋ” የጠንቅቑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባለስትረሮ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዛዕባ ዘይምዝርጋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ጉዳያት ዝከታተል ሽማግለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ብወግዒ "ናይ 2026 ዓ.ም. ዳግመ ግምት ጉባኤ ዛዕባ ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር ኣብ ዓለም ዝግበር ዘሎ ምዕባለ ዘለዋ “ዓሚቝ ስክፍታ” ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኑክሊየሳዊ ኣጽዋር ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ

ኑክልየሳዊ ኣጽዋር “ህላወኣዊ ሓደጋ” ከምዘስዕብ ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ገሊጾም፣ እዚ ድማ በቲ ሕጂ ዘሎ “ወጥሪ ዘለዎ ወተሃደራዊ ሜላዊ ሃዋህውን ቀጻሊ ዘመናዊ ምግባርን ምስፍሕፋሕን ብዝብል ኣካይዳ ኣዚዩ ሓደገይና እናኾነ ይሰፍሕ ምህላዉ ኣመላኺቶም፡ ፍሉይ መለለዪ ናይ ሃገረ ቫቲካን ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ጉዳይ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፡ ዋላ ገዛእ ርእስኻ ንምክልኻል ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምውናን ብግብረ ገባዊ መሰረት እውን ዘይቅቡልን ጌጋን ዝብል እዩ። እዚ ሊቀ ጳጳሳት ባሌስትረሮ ዘስመረሉ መትከል ቅድስቲ መንበር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምፍራይን ምውናንን ዘይስነምግባራዊ ተግባር ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ ቀጺሎም፡ ቅድስቲ መንበር “ምስ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝተኣሳሰር ቀጻሊ ዕቤት ወተሃደራዊ ወጻኢታት” ከምኡ’ውን “ብዛዕባ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉን ዘሎካ ኣጽዋር ምዝራብን ምፍርራሕን ክብ እናበለ ይኸድ ምርኣይ ብሓቂ ዘሰክፍ ጉዳይ እዩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት “ብሓፈሻ ንሰብኣውነት ንዕቐትን ውርደትን” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሰለስተ ጭቡጥ እማመታት

ብድሕሪ’ዚ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ ቅድስቲ መንበር ኣብ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ብዛዕባ ዘይምብዛሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር፥ ሰለስተ ቀንዲ ኣበርክቶ ክትገብር ከም እትደልን፥

ቀዳማይ፡ ዘይምዝርጋሕን ምፍታሕ ኣጽዋርን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕጋዊ ግዴታ ምዃኑ፡ “ኣብ ልዕሊ ኩሎም ኣባላት ስድራቤት ደቂ - ሰባት ስነ - ምግባራዊ ሓላፍነት” እውን ምዃኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ እዩ።

ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. ኣብ ናጋሳኪ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ፡ "ኣህጉራዊ ሰላምን ርግኣትን ምስቲ ሓባራዊ ዕንወት ወይ ምሉእ ብምሉእ ኩሉ ከይጠፍ ኣብ ዝብል ፍርሂ እተመርኰሰ ክኸውን ዝግበር ፈተነ ኣይቃዶን ኢዩ። ኣብ ዓለምለኻዊ ናይ ሓድነትን ምትሕብባርን ስነ - ምግባር ተመርኲስካ ጥራይ ኢዩ ክብጻሕ ዝከኣል" ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ኣብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝውዕል ገንዘብ፡ ኣብ ሰብኣዊ ውጥናት ብዝበለጸ ክውዕል ከም ዝኽእል፡ ሊቀ ጳጳሳት ኣስተብሂሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ቅድስቲ መንበር ንነዊሕ እዋን እተቕርቦ ሓሳብ “ብኻልእ መገዲ ኣብ ኣጽዋርን ካልእ ወተሃደራዊ ወጻኢታትን ዝውዕል ሃብቲ ንገዘብ” ዝምወል ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ድኽነት ንምውጋድ ንዝብል ፍይሉ መዋሊ ማሕበር ብምቛም ቅድስቲ መንበር ካብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ነጻ ዝኾነት ዓለም "ንምርግጋጽ ኣድላዪን ምዃኑ ዘለዋ ጽኑዕ እምነት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 July 2024, 15:35