ድለ

ቅድስቲ መንበር፡ ናብ ዘላቒ ልምዓት ዝግበር ጻዕርታት "ዳግማይ ገምጋም" ቅድስቲ መንበር፡ ናብ ዘላቒ ልምዓት ዝግበር ጻዕርታት "ዳግማይ ገምጋም" 

ቅድስቲ መንበር፡ ናብ ዘላቒ ልምዓት ዝግበር ጻዕርታት "ዳግማይ ገምጋም"

ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኣብ ወርሒ መስከረም ዝካየድ “ዋዕላ መጻኢ” መሰረታዊ መትከላት ማሕበረሰብ ዓለም ዳግማይ ንምርግጋጽ ኣገዳሲ ህሞት ምዃኑ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብላዕለዋይ ፖለቲካውያን ደረጃ ዛዕባ ዘላቒ ምዕባለ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ቅድሚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ አምደረ እቲ ዝክረ ነገር ዘላቒ ልምዓት 2030 ዓ.ም. “ኣገዳሲ ምልክት ተስፋ’ዩ” እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብላዕለዋይ ደረጃ ፖለቲካውያን ኣካላት ዘላቒ ልምዓት ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምዝኽኻር፥  እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ “ዋዕላ መጻኢ”፡ “ኣብ ምዕዋት ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ዝተፈጸመ ምምሕያሻትን ምዕባለታትን ንምስትንታንን ብመንጽር ሓደስቲ ብድሆታት ጻዕርታት ዳግማይ ንምዕቃንን ዕድል ዝህብ” ምዃኑ ገሊጾም፥ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም፥ “ጻዕርታት ክሕይሉን ኣቓልቦ ኣብ ከመይ ጌርና ንኹሉ ምሉእ ኩለንተናዊ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ክረክብ ከም ዝከኣልን ከተኩር ግድን እዩ” ቢሎም፥ “ዋዕላ መጻኢ ነቲ ንሓባራዊ ጻዕርታት ማሕበረሰብ ዓለም ዝድግፍ መሰረታዊ መትከላት፡ ምድንፋዕ ክብሪ ሰብ፡ ምድላይ ሓባራዊ ረብሓ፡ ከምኡ’ውን ምክንኻን እታ ዓንጋሊትና ዝኾነት መሬት” ህሞት ከም ዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም፥ "እዚኦም ዝያዳ ዘላቒ፡ ፍትሓውን ሰላማውን ሕብረተሰብ ንምዕዋት ብዝብል ዕላማ ንተግባራትናን መምርሕታትናን ክመርሑ ይግባእ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 July 2024, 15:44