ቅድስቲ መንበር ‘ኣገዳሲ’ ሓድሽ ውዕል ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት ብሓጎስ ትቕበል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ጀነቫ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራዊ ውድባትን ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ታሪኻዊ ሓድሽ ውዕል ኣብ ዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት ብሓጎስ ተቐቢሎም፥ ንኣባላት ሃገራት ውድብ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት (WIPO) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ነቲ ውዕል “ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት ዝጥምት እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን
እቲ ውዕል
ኣባል ሃገራት ነቲ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት ውዕል – ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት ስነ ሰረታዊ (መፈጠራዊ) ጸጋታትን ተዛመድቲ ባህላዊ ፍልጠትን ዝምልከት – ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት’ዚ ከም ዘጽደቆ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ውዕል፡ ምህዞታቶም ኣብ መፈጠራዊ - ስነ ሰረታዊ ጸጋታትን / ወይ ተዛማዲ ባህላዊ ፍልጠትን ዝተመርኮሰ ኣመልከትቲ ናይ ዋንነት ፍቓድ ዝምልከት ሓድሽ ረቛሒታት የቐምጥ።
ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ናይ መጀመርታ ውዕል ዛዕባ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት ዝምልከት ኮይኑ፡ ንሰነ ሰረታዊ ወይ ውን መፈጠራዊ ጸጋታትን ባህላዊ ፍልጠትን ደቀባት ዝምልከት ናይ መጀመርታ ውዕል እዩ።
ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት፡ እቲ ውዕል፡ ስርዓት ኣእምሮኣዊ ንብረት “ንመሃዝነት ኣብ ምድራኽ ክቕጽልን . . . ንጠለባት ኩለን ሃገራትን ማሕበረሰባተንን ዝምልስ ብዝያዳ ንኹሉ ዝሓቁፍ መንገዲ ክምዕብል ከም ዝኽእል” ዘርኢ ምዃኑ ከምዝገለጸ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ሓደ 'ኣገዳሲ ስጉምቲ'
ሊቀ ጳጳሳት ኤቶረ ባሌስትረሮ ኣብ መደረኦም - ንመበል 65 ተኸታታሊ ጉባኤታት ኣባላት ሃገራት “Intellectual Property Organisation (WIPO) – ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞታት ዋንነት ውድብ” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እቲ ውዕል ናብ "ተዓጻጻፊ፡ ንቕድሚት ዝጥምት . . . ዓቢ ስጉምቲ” እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር እቲ ሓድሽ ስርዓት “ተሳትፎ ደቀባትን ከባብያዊ ማሕበረሰባትን . . . ንዝነብሩሉ ፍሉይ ባህላውን ሕጋውን ኵነታት ብዝምልከት” ዝህቦ ትኩረት ከም እተድንቖ ከም ዘመልከቱ ኣፍሊጡ።
ሊቀ ጳጳሳት ባለስትረሮ ወሲኾም፥ እቲ ውዕል “ኣብ ባህላዊ ፍልጠትን ባህላዊ ልምድታት መግለጺታትን ዝካየድ ዘተ ብስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ደረጃ ንምድንፋዕ ዘተባብዕ” ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣብ ርእሲ እዚ ሊቀ ጳጳሳት ይብሉ እቲ ውዕል ብስምምዕ ዝተፈጸመ ብምዃኑ ቅድስቲ መንበር “ወሳኒ” ገይራ ትርእዮ ከም ዝበሉን
ነቲ ቅድስቲ መንበር ምስ ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት ውድብ ኣብ መጻኢ ንምትሕብባርን፥ “ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ምህዞ ዋንነት - ስርዓት ንምስጓም ዝዓለመ ሃናጺ ዘተ ንምዕባይ” ዘለዋ ተወፋይነት ደጊሞም ብምርግጋጽ እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ቅድስቲ መንበር Integral Human Development - ንውሁድ ምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ ንምድጋፍ እተካይዶ ሰፊሕ ተወፋይነት ምዃኑ ሓቢሮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።