ቅድስቲ መንበር ንUNRWA እትህቦ ገንዘባዊ ደገፍ ክትቅጽል ምዃና ቃል ትኣቱ ቅድስቲ መንበር ንUNRWA እትህቦ ገንዘባዊ ደገፍ ክትቅጽል ምዃና ቃል ትኣቱ  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር ንUNRWA እትህቦ ገንዘባዊ ደገፍ ክትቅጽል ምዃና ቃል ትኣቱ

ናይ ቫቲካን ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤለ ካቻ ቅድስቲ መንበር ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ቓዛ “ወሳኒ ተራ” ከምዘለዋ ኣስሚሮም ነቲ ትካል እተቕርቦ ሓገዝ ከምዝቕጽል የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቓዛ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ጠንቂ ሞትን ዕንወትን ዝኾነ ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፡ ቅድስቲ መንበር ንትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤም ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ (UNRWA) እትህቦ ገንዘባዊ ደገፍ ክትቅጽል ምዃና ብምርግጋጽ፡ ንኹለን ኣባላት ሃገራት ውድብ ሕቡራት ከምኡ ክገብራ ድማ ከም እተተባብዕን ወይ ድማ ነቲ “ወሳኒ” ሰብኣዊ ጻዕርታት ናይቲ ትካል ዝድግፍ ኣበርክቶአን ዳግማይ ክጅምራ ጻውዒት ተቕርብ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

12 ሰራሕተኛይናታት ናይቲ ትካል ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎም ዝብል ክሲ

ኣብ 1949 ዓ.ም. ኣብ እዋን ኲናት ዓረብን እስራኤልን ቤቶምን መነባብሮኦምን ንዝሰኣኑ ፍልስጤማውያን ኣገልግሎት ረድኤት፡ ጥዕናን ትምህርትን ንምሃብ ዝተመስረተን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብወለንተይናዊ ኣበርክቶ ዝምወልን UNRWA - ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጥኤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ እተሰምየ ትካል፡ እስራኤል ካብ 13 ሽሕ ሰራሕተይናታታ እቶም 12 ኣብቲ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ኢድ ኣለዎም ብምባል ከም ዝኸሰሰት ክንገር እንከሎ፥ እቲ ናይ መጀመርታ ክስታት እስራኤል ንኣሜሪካ ሓዊሱ 16 ለገስቲ ነቲ ትካል ዝህብዎ ምወላ ደው ንኸብሉ ምኽንያት ኮይኑ፣ ዋላ እኳ ብዙሓት - ሕብረት ኤውሮጳን ጀርመንን ሓዊሱ - ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣበርክቶኦም እንተጀመሩ፣ እዚ ድማ ኣብ  ህጹጽ ሰብኣዊ ቅልውላው ቓዛን ብኸፊል ድማ ኣብቲ ትካል ረድኤት ዝተመርኮሰ እዩ። እቲ ትካል ኣብ መጻኢ ሰራሕተይናታታን ንብረታን ኣብ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ክሳተፉ ዝኽእሉ ሓደጋታት ንኸይህሉ ተወሳኺ ስጉምትታት ከም እትወስድ መረጋገጺታት ከም ዝሃበን፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዋና ሓላፊ UNRWA - ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ (UNRWA) ፊሊፕ ላዛሪኒ፡ ምቁራጽ ውዕል ናይቶም 12 ገበነይናታት ዝበሃሉ ሓዊሱ “ከቢድ ስጉምቲ” ከምዝተወሰደ የረጋግጽ።

ትካል UNRWA ንፍልስጤማውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ዘለዎ ወሳኒ ተራ

ሊቀ ጳጳስ ጋብሪኤል ካቻ ዕለት 12 ሓምለ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት መደረኦም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ቅድስቲ መንበር ንናይ ሕቡራት ሃገራት ንኡስ ትካል ዕማም ከም እትድግፍ ደጊሞም ብምርግጋጽ፥ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ፍልስጥኤማውያን ስደተይናታት ብፍላይ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ መሰረታዊ ድሌታት ኣብ ምምላእ “ወሳኒ ተራ” ከም ዘለዋ የመላኽቱ።

ገለልተይናነት UNRWA ምዕቃብ የድሊ

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ቅድስቲ መንበር “ብመሰረት ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት 1949 ዓ.ም. እቲ ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ኣብ ቀረባ ምብራቕ (UNRWA) ገለልተይናነቱ ዓቒቡ ዝተመስረተሉ ዕላማ ክኽብርን ክዕቅብን ከነቓቕሕን ከም ዘለዎ ተተሓሳስብ ከም ዝበሉን፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ ተጻብኦታት ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት “ኣብ እማመታት ሰላም ሃናጺ ዘተ ክገብሩ” ደጊሞም ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅድስቲ መንበር ብኹሉ ግንባራት ተኹሲ ደው ክብል፣ ኩሎም ክሳብ ሕጂ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ብቕልጡፍ ክፍትሑ፣ ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ንኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክኽበሩ፣ ከምኡ’ውን “ብዘይ ዕንቅፋት” ኣገዳሲ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ፍልስጤም ኣብ ቓዛ ክበጽሕ ተላብዮም፡ ምስዚ ተኣሳሲሩ “ቅድስቲ መንበር ነቲ ኣዝዩ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ንምምችቻእ . . . ብፍላይ ንህጻናትን ንዝተጸገሙን ዘድሊ ሓገዝ መታን ክበጽሕ መተሓላልፎ መገዲ ናብ ቓዛ ክኽፈት ትጽውዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅድስቲ መንበር ብጽኑዕ ሰላምን ሓለዋ ሰላማውያን ሰባትን ትላበው

ሊቀ ጳጳስ ካቻ’ውን ቅድስቲ መንበር ሓደ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዝቐረበ፥ ንሰላማውያን ሰባት መዕቆቢ ዝረኽብሉ ውሑስ ቦታታት ከም ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣባይቲ ሕክምናን ናይ ኣምልኾ ቦታታትን ክሕለዉ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ብትሪ ብምዝኽካር፡ ኩሎም ወገናት ድሕነት ሰብኣዊ ሰራሕተይናታት ከረጋግጹ ጻውዒታ ኣቕሪቦም ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

15 July 2024, 15:01