ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምድጋፍ 'ሞራላዊ ግዴታ' እዩ ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምድጋፍ 'ሞራላዊ ግዴታ' እዩ  (ANSA)

ቅድስቲ መንበር፡ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ምድጋፍ 'ሞራላዊ ግዴታ' እዩ

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ሃገረ ቫቲካን ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብሪኤል ካቻ ኣብ ናይ 2024 ዓ.ም. ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ላዕለዋይ ደረጃ ፖለቲካዊ መድረኽ ተሳቲፎም፥ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ኣብ ዘላቒ ልምዓት ንኽበጽሓ ክሕግዝ ዝጽውዕ ሓሳብ ዘማእከለ መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድስቲ መንበር ሃብታማት ሃገራት ነተን ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ቅልውላው ንዝርከባ ሃገራት ዘላቒ ልምዓት ከመዝግባ ንምሕጋዝ ዳግማይ ጻዕሪ ክገብራን ፍሉይ ልምዓታዊ ድሌታቶምን ቀዳምነታቶምን ብግቡእ ፍታሓዊ መልሲ ክረክብ ዝግበር ጻዕሪ “ምርጫ ዘይኮነስ ግብረ ገባዊ ግድን እዩ” እንክብሉ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ሊቀ ጳጳሳት ጋብርኤለ ካቻ

ኣብቲ ካብ 8 - 27 ሓምለ ኣብ ኒውዮርክ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መድረኽ “ድኽነትን ጥምየትን ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ዝዓለመ ዘላቒ ልምዓት 2024 ዓ.ም. ኣፈጻጽማ ኣማእኪሉ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ለውጢ ከባቢ ኣየር፡ ኮቪድ - 19ን ሓደስቲ ግጭታትን ንልምዓት ዝያዳ ይዕንቅፉ

ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ኣስዒቦም ኣብ እዋን ቅልውላውን ምስግጋርን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ውሑድ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት (LDCs) ከምኡ’ውን ኣልቦ በሪ ባሕሪ ዝኾና ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት (LLDC) ነቲ ክሳብ 2030 ዓ.ም. ንኽብጻሕ ዝተነብረ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንኸየዐውታ ዘጋጥመን ዘሎ መታዓናቕፎን ብድሆታትን ኣዘኻኺሮም፡ እዞም መሰናኽላት እዚኣቶም ብርክት ዝበለ ጾር ዕዳ፡ ውሱን ቁጠባዊ ዕብየት፡ ቀጻሊ ዘይውሕስነት መግብን ሕጽረት መግብን ዘጠቓልል ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዘስዕቦ ሃሳዪ ሳዕቤናት፡ ከም ነዊሕ ዝጸንሐ ደርቅን ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ለበዳ ኮቪድ - 19ን ዘስዓቦ ቁጠባውን ማሕበራውን ጽንኩር ቅልውላው፡ ከምኡ’ውን ምፍጣር ሓደስቲ ግጭታት ነዚ ኩነታት’ዚ ዝያዳ ከም ዘጋድዶ ብሰፊሕ ከም ዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንሓደስቲ ቅልውላዋት ምጽዋር ምድጋፍ

ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ኣብ ቅድሚ እዞም ተቓላዕነት ተጻዋርነት ንኽረኽባ፡ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ንምድልዳል፡ ተበጻሕነት ትምህርቲ ንምምሕያሽን ንምስፋሕን፡ ቁጠባዊ ብዙሕነት ንምዕባይ፡ ከምኡ’ውን ዘላቒ ኣሰራርሓ ሕርሻ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ስጉምትታት ምትግባር ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።

ብተወሳኺ ምህናጽ ዓቕሚ እውን ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ስርዓተ ትምህርቶምን ሞያዊ ስልጠናኦምን ምምዕባል ዘጠቓልል እዩ፥

"ኣብ ሰብኣዊ ዓቕሚ ርእሰማል ወፍሪ ምግባር ንውልቀሰባት ሓይሊ ንምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እዘን ሃገራት ኣብ ዓለማዊ ልምዓት ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክገብሩ የኽእሎም" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣድላይነት ምትሕግጋዝ

ይኹን እምበር፡ ውሑድ ምዕባለ ዘለወን ሃገራት (LDCs) ከምኡ’ውን ኣልቦ በሪ ባሕሪ ዝኾና ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት (LLDC)፡ ነዚ ንምትግባር በይነን ክዋስኣ ኣይክእላን እየን። ነዚ እዩ ድማ ሊቀ ጳጳሳት ካቻ፥ “ዓለማዊ ምትሕግጋዝ ብዝጭበጥ መርኣያ ኣድላዪ ጸጋታትን ፍልጠትን እደ ጥበባውን ዘበለ ኩሉ ምቕራብ ነተን ዝማዕበላ ሃገራት ግዴታ ምዃኑ” ኣጽኒዖም፥ ኣብ መደምደምታ፡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር፥ “ብዝጭበጥ ስጉምትን ብዝዓበየ ምትሕብባርን” ኣብ ፍሉይ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ዘላቒ ምዕባለ ንከኸዐውታ ዳግማይ ሓባራዊ ቃል ኪዳን ክግበር ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ተቕርብ እንክብሉ ደጊሞም ድሕሪ ምርግጋጽ

“ብሓባራዊ ጻዕርን ሓባራዊ ሓላፍነትን ጥራይ እዩ ዘላቒ መጻኢ ንሃገራት ኣፍሪቃን ውሑድ ምዕባለ ንዘለወን ሃገራትን ብኣንጻሩ፡ ንመላእ ስድራቤት ሃገራት ውሑስ ዝኽወን”

እንክብሉ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድኽነት ንምጥፋእ ዕዳ ምስራዝ

እቲ ናይቲ ላዕለዋይ ደረጃ ፖለቲካዊ መድረኽ 2024 ዓ.ም. ርእሰ ጉዳይ “ዝክረ ነገር 2030 ዓ.ም. ምድልዳልን ኣብ እዋን ብዙሕ ቅልውላው ድኽነት ምጥፋእን: ውጽኢታዊ ኣወሃህባ ዘላቒ፣ ተጻዋርነትን መሃዛውን መፍትሒታት” ዝብል ከም ዝኾነ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ሸቶታት ልምዓት፥ ብቐዳምነት ድኽነት ምጥፋእ ካልኣይ ጥምየት ምውጋድ፣ ስጉምቲ ንምውጋድ ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ሰላም፣ ፍትሕን ድልዱል ትሕተ ቅርጽታትን ንምርግጋጽ፣ ኮቪድ - 19 ስዒቦም ዝመጹ ጸገማት፡ ንምፍታሕ ኣብ ኩሉ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓትን ዝተዋደደ፣ ዘይገማማዕን ዝተኣሳሰረን ባህሪ ዕላማታት ኣድማዕን ንኹሉ ዝሓቁፍን ካብቲ ቅልውላዋት ዘናግፉ ስጉምትታት ንምልላይ ይመክር ከም ዘሎን ሊቀ ጳጳሳት ካቻ ዕለት 9 ሓምለ ኣብ ኣርእስቲ ድኽነት ምጥፋእ ዝብል ሸቶ ምስ ካልኦት ናይቲ መደብ ዘላቒ ልምዓት ሸቶታት ዘለዎ ምትእስሳርን ኣብ ዝመኸረ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ሃብታማት ሃገራት ዕዳ ናይተን ፈጺመን  ክመልሳ ዘይክእላ ሃገራት ክስርዝ እንክብሉ ደጋግሚም ዘቕረብዎ ጻዒት ኣቃሊሖም፡ ብዙሓት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ንኣገደስቲ ኣገልግሎታት ከውዕልኦ ዝኽእል ክቡር ጸጋታተን ናብ ምምላስ ክትጻወሮ ዘይከኣል ዕዳታት ንምኽፋል ንኸውዕልኦ ከምዝተገደዳ ብምዝኽኻር፡ ማሕበረሰብ ዓለም “ክሳብ 2030 ዓ.ም. ድኽነት ዘይብላ ዓለም ንዝብል ሸቶ ንምዕዋት ኣብ ዛዕባ ዕዳ ዝምልከት ጉዳይ ሱር በተኻውን ለውጢ ዘምጽእን ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ጥሜት ንምጥፋእ ዘላቒ ምህርትን ርትዓዊ ምክፍፋል መግብን

ሊቀ ጳጳሳ ካቻ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ብዛዕባ ዕላማ ጥሜት ዘይብላ ዓለም (SDG2) ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ ፍሉይ መግለጺ፥ ጥሜትን ሕጽረት መግብን ዝያዳ ደረጃ ድኽነት ከምዘቐጽል ኣመልኪቶም፡ ዘላቒ ምፍራይን ርትዓዊ ምክፍፋል መግብን ንምርግጋጽ ኣድማዒ ስጉምትታት ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ የመላኽት።

13 July 2024, 16:34