ድለ

ውሳነ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዛዕባ ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ ውሳነ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዛዕባ ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ  (Copyright © 2024 Nostra Signora dello Scoglio. Powered by Fondazione Madonna dello Scoglio)

ውሳነ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዛዕባ ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ

ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብቲ ዛዕባ ግልጸት ዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ መምርሒ መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ካላብርያ ኮሲሞ ፍራጎመኒ ዝተቐበሎ ግልጸተ ማርያምን መንፈሳዊ ፍረታቱን ዝምልከት ውሳኔ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ፡ “ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና እምነትን ግብረ ገብን ኣተግልል ዓለም፡ ብዙሓት ብዛዕባ ሰገራውነት ብዘይ ዝኾነ ይኹን መወከሲ ህይወቶም ዘሕልፉላ፡ እቶም ናብ ቤተ መቕደስ ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ ዝኸዱ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓያል ምልክት እምነት እዮም” እንክብሉ ንሕቶ ናይ ሎክሪ ጀራቸ ሰበኻ ጳጳስ ፍራንቸስኮ ኦሊቫ ንዘቕረብሎም ሕቶ መልሲ ብምሃብ፡ ናይ ዓነቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ ዕለት 3 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ነቲ እቶም ናይቲ እቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ ዝርከበሉ ሰበኻ ጳጳድ ንዘቕረብሎም ሕቶ ኣብ ካላብሪያ ከተማ ሳንታ ዶመኒቸ ዲ ፕላካኒካ ዝርከብ ንዝካየዱ መንፈሳዊ ፍጻሜታት ቅቡል እንክብሉ ስምረቶም ከም ዛህቡሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንናይ መንፈስ ቅዱስ ተመኩሮ ኣፍልጦ ምሃብ

ዕለት 11 ግንቦት 1968 ዓ.ም. ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንመጀመርታ ግዜ ንኮሲሞ ፍራጎመኒ ዝተባህለ ትሑት ወዲ 18 ዓመት ሓረስታይ ከምዝተራእየት ይንገር። ብመሰረት እቲ ዕለት 17 ግንቦት ብናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተሓትመ ሓድሽ መምርሒ መሰረት ዝገበሩ ህየነ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ - እቲ ፍቑድ ዝብል ውሳኔ “ነቲ ናይቲ ግልጸት መልእልተ ባህርይ” ዘጽድቕ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ነቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘቕርቦ መንፈሳዊ ተመክሮ እዩ ኣፍልጦ ዝህብ” ቢሎም ስለዚ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ነቲ ጉስነታት ክብርታት ከድንቑን ነዚ መንፈሳዊ ሓሳብ ከስፍሑን “ብንግደትን ምትእኽኻባትን ናይ ጸሎት መደባት ሓዊሱ” ከስፍሑን “ምእመናን ድማ ብጥንቁቕ ኣገባብ ክስዕብዎ” ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ምስ ምሕረት ኣምላኽ እትራኸበሉ ቦታ

እቲ ራእይ ዝተቐብለ ዝበሃል ኮሲሞ ከም ዝበሎ፡ እቲ ኣብ 1968 ዓ.ም. ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ግልጸት፡ ኣብ ጥቓ ገዛ’ቲ መንእሰይ ካብ ዝርከብ ከውሒ ሑጻ ዝወጽእ ጩራ ብርሃን ኮይኑ እዚ ግልጸት እዚ ብቐጻሊ ኣርባዕተ መዓልታት ከም እተደጋገመ እዩ ዝፍለጥ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ኮሲሞ ኣብ ዝጸብጸቦ ሰነዳስት ግልጸታት፥ ምልዋጥን ጸሎትን ትላበው፡ ከባቢ ካላብሪያ ናብ ዓቢ ማእከል መንፈሳውነት ሰባት ምሕረት እግዚኣብሔር ናብ ዝራኸብሉ ስፍራ ተቐይራ ክትርእይ ዘለዋ ድሌት ትገልጽ። ኮሲሞ ነቲ ኣብ ዙርያ እቲ እምኒ ዝነበረ ከባቢ ኣጽሪዩ፡ ካብኡ መንደቕ ሰሪሑ፡ ካብ ካራራ ንዝተዓደገ ብእምኒ - ሓጺን ዝተሰርሐ ሓወልቲ ማርያም ቦታ ዝኸው ድማ ኣብቲ እምኒ ሑጻ ፍሒሩ ኣንበራ።

ካብ ተራ ቤተ ጸሎት ናብ ናይ ሃገረ ስብከት መካነ ንግደት

እቲ ቦታ ነዊሕ ከይጸንሐ ካብ መላእ ኢጣልያን ካብ ወጻኢ ሃገራት እውን ከይተረፈ መንፈሳውያን ነጋዶ ዝበጽሕፍዎ ስፍራ ኮይኑን ተራ ቤተ ጸሎት እኳ እንተነበረ፡ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዝነበረ ዋሕዚ ነጋድያን ኣብቲ ስፍራ ዓቢይ መካነ ንግደት ንኽሕነጽ ደረኸ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ 1987 ዓ.ም. ኮሲሞ ኣባል ዓለማዊ ሳልሳይ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ኮነ፡

ዕለት 7 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም.  ናይ ሽዑ ጳጳስ ሎክሪ - ጀራቸ ዝነበሩ ኣቡን ጁሰፐ ፊዮሪኒ ሞሮሲኒ ሃይማኖታዊ ክውንነታት “ቅድስተ ማርያን ዘኮክህ” ኣፍልጦ ብምሃብ ኣብ ትሕቲ ጉስነት ናይቲ ዞባ ሃገረ ስብከት ጳጳስ ክኣቱ ድማ ከም ዝወሰኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ 2013 ዓ.ም. ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ዕለት 11 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ሓድሽ ጳጳስ ሎክሪ - ጀራቸ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ኦሊቫ “ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ” ብዝብል መዓርግ ናብ ናይ ሰበኻ “መካነ ንግደት” ኣበሪኾም ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ዕለት 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም. ሓላፍነት ጉስነታዊ ኣገልግሎቱ ድማ ንማሕበር ልኡካን ስብከተ ወንጌል ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ርኡይ ፍረታት ክርስትያናዊ ሕይወት

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ መካነ ንግደት “ብዙሓት ካልኦት ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ዓለማውያን፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ መከራን ስቓይን ዝርከቡን ህሙማንን” መስህብ ምዃኑ ገሊጾም፥ “ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እቲ ብቑዕን ዝምልከቶን ኣካል ኮይኑ ድማ ንነጋድያንን መንፈሳውያን መጻሕትን መስህብ ኣናኾነ ከም ዝመጸን እዚ ድማ “ጽዑቕ መንፈሳዊ ንጥፈት ጸሎትን ምስማዕን” የምጽእ ምህላዉ ዝገለጹ ካርዲናል ፈርናንደዝ ቀጺሎም ቃል ጳጳስ ኦሊቫ ብምጥቃስ “ኣብቶም ብተደጋጋሚ ናብ መንፈሳዊ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ ንዝነግዱ ፍረ ክርስትያናዊ ሕይወት ርኡይ ክኸውን ከም ዝጀመረን፣ ከም ህላወ መንፈስ ጸሎት፣ ምልዋጥ፣ ገለ ጸዋዕታ ናብ ክህነትን ገዳማዊ ሕይወትን፡ ምስክርነት ፍቕርን ግብረ ሰናይን፡ ከምኡ’ውን ጥዑይ ተወፋይነትን ካልእ መንፈሳዊ ፍረታትን” ይረኣይ ከምዘሎን ኣብዚ ዅሉ ግዜ እዚ፡ “ዝኾነ ወሳኒ ወይ ሓደገይና ባእታታት ድማ ኣይተራእየን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ሕቶ ጳጳስ ኦሊቫ

ጳጳስ ኦሊቫ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሰታሪት“እቶም [ናብቲ መካነ ንግደት] ዝበጽሑ ምጽንናዕን ምትብባዕን ክስምዖም ብዝኽእል መንገዲ ስርሖም ንምቕጻል ዘድሊ ኣፍልጦ” ምሃብ ዝብል ሓሳብ ብምቕራብ “ቅቡል ዝብል ውሳኔ” ክህብሉን እቶም ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕብረት ከም ዘለዎም እናፈለጡ መንፈሳዊ ጉዕዞኦም መታን ክቕጽሉ እንክብሉ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ “ብዛዕባ እቲ ኣብቲ መካነ ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘኮክህ ዝፍጸም ዘሎ መንፈሳውነት ኣወንታዊ ጸብጻባቱ የስተብህሉ፣ ኣብኡ ድማ ምትላላት ከይፍጠር ቀጻሊ ንቕሓት ክግበር ድማ ሓቲቶም። ሰባት: ዘይግቡእ ገንዘባዊ መኽሰብ: ወይ ውን ዕንቅፋት ከስዕብ: ምእመናን ኪጐድእ: ወይ ንተኣማንነት ቤተ ክርስቲያን ከዳኽም ዚኽእል ከቢድ ትምህርታዊ ጌጋታት ከይፍጸም ብጥቃቔ ምክትታል” ክግበር ድማ ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

ፈርናንደዝ፡ ምኽባር ማርያም ብንጹር ክርስቶሳዊ ኣረኣእያ

ካርዲናል ፈርናንደዝ “ቅኑዕ ኣኽብሮት ንማርያም፣ ኣደ የሱስ፣ ኣደ ቤተ ክርስቲያንን ኣዴናን፣ ዘይግቡእ መልክዕ ኣኽብሮትን ምጥቃም ዘይግቡእ ማርያማዊ መዓርግን ብዘግልል መንገዲ ክግለጽ ኣለዎ። ኣብ ክንድኡስ ብንጹር ክርስቶሳዊ ኣረኣእያ ንምኽባር ኣጋጣሚ እዩ፣ ከምቲ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያናዊ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔ ብርሃነ ኣህዛብ ፍቕዲ 66፥ “እታ እኖ ክትክበር እንኮላ እቲ ንኹሉ ነገራት ኣባኡ ዝጠርንፈን (ቆሎሴ. 1፣ 15 – 16) “ብዘሎ ምልኣት ኣብኡ ንክሓድሮ ኣቦ ዝሰመሮን ወልድ” ድማ (ቆሎሴ. 1፣ 19) ብግቡእ ይፍለጥ፣ ይፍቀርን ይኸብርን ትእዛዛቱ ከኣ ይሕለውን እዩ ዝብሎ።

ህላወ ነጋድያን ኣብ ቅድሚ ቅድስቲ ድንግል ማርያም፡ “ንዓኣቶም ንጹር መግለጺ ምሕረት ጐይታ ዝዀነሎም . . . ናይ ሕይወት ጻዕሪ ንምፍጻም ናይ ገዛእ ርእሶም ብቑዓት ዘይምዃኖምን ንኣምላኽ ዝምነ ብርቱዕ ድሌታቶምን ኣፍልጦ ዝህቡሉን መንገዲ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ብሓቂ ክቡር ኵነታት እምነት፡ ዝተሓደሰ ኣዋጅ ስብከተ ወንጌል ነዚ ተመክሮ መንፈስ ከብርህን ከሀብትምን ክቕጽል ይኽእል እዩ።”

ኣዋጅ ጳጳስ ሎክሪ - ጀራቸ

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ምስ ምሕታም ናይ ውሳኔ ደብዳቤ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ እቲ ንጉስነታዊ ክብርታት ናይዚ መንፈሳዊ እማመ ከምኡ’ውን ንዝርግሐኡ፡ እንኮላይ ብመገዲ ክኸውን ዝኽእል ንግደታት፡ ምትእኽኻባት ናይ ጸሎት ጉባኤታት እንክብሉ ዝሃበሉ ቅቡልን ፍቑድን ዝብል ናይ ጳጳስ ሎክሪ - ጀራቸ ወግዓዊ ዝኾነ መልእኽቲ ግን "መግለጺ መልእልተ ባህርይ ናይቲ ተርእዩ ዝምልከት ውሳኔን ከምኡ'ውን ምእመናን ክኣምኑሉ ይግደዱ" ማለት ከም ዘይኮነ የመላኽት፡ ካብ ዝምልከቶም ወገናት ዝመጽእ ተወሳኺ መልእኽቲ ድሕሪ ፍርዲ ር.ሊ.ጳ. ጥራይ እዩ ንህዝቢ ዝግለጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ጳጳስ ኦሊቫ ቀጺሎም ምእመናን ኣብቲ ዕለት 5 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ ኣብቲ መካነ ንግደት መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ክቡር ጽምብል ክሳተፉ ይዕድሙ።

17 July 2024, 15:34