ድለ

2024.07.26 ካርዲናል ቱርክሰን፡ ኣብዛ ትቕየር ዘላ ዓለም ንመሰላት ህጻናት ብዘይዕረፍቲ ምጉስጓስ 2024.07.26 ካርዲናል ቱርክሰን፡ ኣብዛ ትቕየር ዘላ ዓለም ንመሰላት ህጻናት ብዘይዕረፍቲ ምጉስጓስ 

ካርዲናል ቱርክሰን፡ ኣብዛ ትቕየር ዘላ ዓለም ንመሰላት ህጻናት ብዘይዕረፍቲ ምጉስጓስ

ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝፍጸም በደላት ዘቃልዕን ንህጻናት ካብ ዝተፈለለዩ ዓመጽ ንምክልኻል ዝዓዪ ብሰማያዊ ተለፎን መጸውዕ ዝፍለጥ ማሕበርን ከምኡ እውን ማሕበር ሕጻናት በቢ ዓመቱ ኣብ ሓልዮ ህጻናት ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዝህቦ ስልማት ናይ 2024 ዓ.ም. ንጳጳሳዊ ተቕዋም ስነ ፍልጠት ዋና ኣመሓዳሪ ብቑዕ ከም ዝበሎም ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምሕላው ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ምቅላስ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ቅድስቲ መንበር ዘለዋ ተወፋይነትን ኣቝሳል ግህሰት ንምፍዋስ ኣተካይዶ ጻዕሪ ሰብኣውን መንፈሳውን ጉዳያት ዘጠቓልል ከም ዝኾነን ቤተ ክርስቲያን ኩሉ ግዜ ድልውቲ ኮይና ነዚ እውን ተሳልጥን “ግህሰት ነቲ ሰብ ንህይወቱ ዝሕብር ናይ ረዳኢ ዘይምህላው ተመክሮ እዩ። ብኹሉ ሓይልና ድማ ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ክንቃለሶ ኣሎና፣” ነዚ ዝበሉ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዋና ሓላፊ ካርዲናል ፒተር ኮድዎ ኣፒያ ቱርክሰን ነቲ ስልማት ኣብ ዝተረከብሉ መድርኽ ክኸውን እንክሎ፡ ኣብ ዓለም መሰላት ህጻናትን መንእሰያትን ንምሕላው ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ዘገልግሉ ዘለዉ ካርዲናል ቱርክሶን፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ክልተ ግንባራት ዝዓዩ ከም ዝኾኑን፣ እቲ ሰፊሕ ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላትን ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን፣ ቅድም እውን ናይ ኩለትነናዊ ምሉእ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ኮይኖም ኣብ ዘገልግልሉ እዋን ከይተሓለሉ ዝተወፈይሉ ተግባር ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘካኽር።

ዝለዓለ ኣቓልቦ

“ህጻናት፡ መንእሰያት፡ ኣብ ተቓላዓይ ምዕራፍ ህይወቶም ስለዘለዉ፡ ኣብዚ ስንኩፍ እዋን ንዓኣቶም ዝግባእ ሕንጸት ኣገዳሲ’ዩ” እንክብሉ ካርዲናል ቱርክሶን ድሕሪ እቲ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ንማዕከናት ዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብሪሆም፡ ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ምምሃር ዓቕሞም ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ብምጉላሕ፡ ኣሉታዊ ኣብነታትን ዘይግቡእ ትምህርትታትን እንተድኣ ዝረኽቡ ኮይኖም ግን ንዘልኣለም ክንኸስሮም ኢና። ስለዚ ካብ ስድራቤት ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ሕብረተሰብ እውን ዝለዓለ ኣቓልቦ የድልዮም” ኢሎም።

ካሕሳ ጥራይ ኣይኮነን

እቲ ናይ ግህሰት ተመክሮ ዘስካሕክሕ እዩ፡ ንልቢ ግዳያት ንሓዋሩ ዘቑስል ምዃኑ እውን ኣብሪሆም፡ "መፍትሒኡ ድማ ክሳብ ክንድዚ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ዝተጣበቐ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ገንዘብ ነዚ ዓይነት ቁስሊ ስለ ዘይፍውስ። ምስኡ ተተሓሒዙ ዝኸይድ መንፈሳዊ ፈውሲ የድሊ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ነዚ ፈውሲ እዚ ከተቕርብ ትኽእል እያ። ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ሓቀይና ክውንነት እዩ፡ ይሰርሕን ነገራት ክቕይር ዝኽእልን እዩ" ይብሉ።

ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፣ ክርከብ ዘለዎ ዶብ

ቤተ ክርስቲያን፡ ሕጂ ውን ኣብ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንመከላኸሊ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ተቓላዕቲ ሰባትን ተወፋይነት ከምዘለዋ ትገልጽ፡ ስለዚህ ነዚ ሓድሽ ርኽበት እዚ ንሰናይ ተግባር ክንጥቀመሉ ክንመሃሮ ይግባእ። ብስነ-ምግባር ክምራሕ ምግባር እውን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ . . . ብዛዕባ መኽሰብን ገንዘብን ጥራይ እንተሓሲብና ግና ዝተሓላለኸን ከቢድን ሓደገይናን መጋበርያ እዩ ዝኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ካፎ፡ “ሓድሽ ሕግታትን ሓደስቲ ኣብነታትን”

ብጀካ ካርዲናል ቱርክሰን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልማት ስነ ስርዓት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢጣልያ ኣንቶንዮ ታያኒ ኣቦ መንበር ማሕበር ኣህጉራዊ ውዳበ ኢጣልያ፡ ልኡከ መንግስቲ ሪካርዶ ሰሳ፡ ኣቦ መንበር መንበረ ጥበብ ጆን ካቦት ሮማ ፍራንኮ ፓቮንቸሎን፡ ኣባል ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ሲልቭያ ኮስታን ኣቦ መንበር ማሕበር ሓልዮ ህጻናት ሽማግለ ላዕለዋይ መዝነት ኣባል ናይ ሰማያዊ ተለፎን ጉዳይ ህጻናት ዝከታተል ማሕበር መስራቲ ኤርነስቶ ካፎ ከም እተሳተፉን መደረ እውን ከም ዘስምዑን፡ ካፎ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ “ዓለም ሓድሽ ሕግታትን ሓደስቲ ኣብነታትን ደገፍን ክትሃንጽ ኣለዋ፥  ግን እዚ ጥራይ ኣይኮነን: ዘድሊ "ንባዕሎም ኣባይቲ ስድራ፡ ዓበይትን ህጻናትን ሰናይን ሰፊሕን ስልጠና እውን የድልዮም፡ ምኽንያቱ ቀንዲ ተዋሳእቲ መጻኢ ስለ ዝኾኑ" ኢሉ።

ዓለምለኻዊ መልክዕ

ኣባል ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ'ውን ዝኾነ ካፎ "ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሓቱዎ ሓቀይና ዓለማዊ መምርሕታት ክፍጠር ኣለዎ" እንክብል ኣትሪሩ ድሕሪ ምዝኽኻር፡ ሎሚ እቲ ብድሆ ድሕሪ ደጊም ብዝተመቓቐለ መንገዲ ቆናጺብካ ዘይኮነ ነቲ ጸገማት ሕጻናት ብኩለንተዊ ምርኣይ የድሊ። ንኣብነት ኣብ ኣፍሪቃን ኣብተን ቤተ ክርስቲያን ብጭቡጥ ኣገልግሎት ኣዝያ ህልውቲ ኣብ ዝኾነትለን ሃገራት ደቡብ ኣመሪካን ብዙሕ ክንሰርሕ ኣለና። ጽቡቕ ናይ ምውህሃድ ዓቕሚ ክንፈጥር ኣለና” ይብል።

27 July 2024, 17:06