ድለ

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ዑደት የካይዱ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ዑደት የካይዱ 

ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ዑደት የካይዱ

ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፓሮሊን ካብ ዕለት 19 – 24 ሓምለ ኣብ ዩክሬን ምብጻሕ የካይዱ ከም ዘለዉን ንመዛዘሚ ጽምብል ንግደት ኣብ ዩክረይን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መካነ ንግደት በርዲቺቭ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣብ ዩክሬን ዘካይድዎ ዘለዉ ዑደት ድሕሪ’ቲ ኣብ ማርያማዊ መካነ ንግደት በርዲቺቭ ኣብ ዩክሬን ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን መዛዘሚ ጽምብል ንግደት ጳጳሳዊ ልኡኽ ኮይኖም መስዋዕተ ቅዳሴ ንኸዕርጉ ካብ ዓርቢ ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ዝጀመረ ሓዋርያዊ ዑደቶም፡ ድሕሪ ምጅማር ወራር ሩሲያ ንፈለማ እዋን ኣብታ ሃገር ዘካይድዎ ዑደት ዕለት 24 ሓምለ ክዛዘም መደብ ተታሒዙሉ ከም ዘሎን ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ካርዲናል ፓሮሊን ዝተፈላለዩ ርክባት ከካይዱ መደብ ከም ዘለዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ቅዳሴ ኣብ መካነ ንግደት በርዲቺቭ

ካርዲናል ፓሮሊን ዓርቢ ዕለት 19 ሓምለ ኣብ ዩክረይን ምስ ኣተዉ ኣብ ላቲናዊ መንበረ ጳጳስ ሜጥሮጶሊታ ልቪቭ ንሓጺር እዋን ድሕሪ ዘካየድዎ ምብጻሕ ናብ ከተማ ኦዴሳ ከም ዝኸዱን ሰንበት ዕለት 21 ሓምለ ኣብ መዛዘሚ ጽምብል ንግደት ካቶሊካውያን ዩክሬን ኣብ በርዲቺቭ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሰርዑ እዮም። እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዘዕርግሉ መካነ ንግደት ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ከተማ ኪየቭ ዞባ ዚቶሚር ዝርከብ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ዩክሬንን ካልኦት ሃገራትን ዝመጹ ካቶሊካውያን ምእመናን ንግደት ዝገብርሉ ቦታ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፍላይ በማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ምእንቲ ሰላም ዝጽልዩ ነጋድያን ምብጻሕ ዘካይድሉ ከም ዝኾነ ይንገር።

ምስ ሰበስልጣን ክራኸቡ

ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ኪየቭ ዝርከብ  ኣብ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊ ካቴድራል ዑደት ከካይዱ እዮም። ምስ ናይ ግሪኽ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓቢ ሊቀ ጳጳሳት ስቪያቶስላቭ ሸቭቹክ እውን ክራኸቡን ምስ በርገሳውያንን ሃይማኖታውን ላዕለዎት ኣካላትን ሰበስልጣን ዩክሬን ክራኸቡ መደብ ከም ዘለዎም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ወርሒ ሰነን ከምኡ እውን ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዩክረይን ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

20 July 2024, 16:49