ድለ

ተሳተፍቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ እዮም ተሳተፍቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ እዮም 

ተሳተፍቲ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ እዮም

ሃዋርያዊ ቤት ኑዛዜ ነቶም ኣብ ዕለት 28 ሓምለ ኣብ ዝካየድ ራብዓይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታት ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንዝሳተፉ ምእመናን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ምእመናን ውፉይነት ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ስጉምቲ፡ ሃዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ ብሕቶ ካርዲናል ኬቪን ጆሴፍ ፋረል፡ ዛዕባ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ዝመጽእ ራብዓይ ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታት ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንዝሳተፉ ካቶሊካውያን ምእመናን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገው ምዃኖም ይሕብር።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ኣረጋውያን ኣብ 2021 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመስረተ

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣብ 2021 ዓ.ም. ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመስረተ ኮይኑ፣ ኣብ ዓዓመት ድማ ኣብ ራብዐይቲ ሰንበት ወርሒ ሓምለ ምስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን እያቄምን ሃናን ኣቦ ሓጎን ኣደ ሓጎን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ዝዝከሩሉ ዕለት ተቐራሪቡ ክበዓል እውን ከም ዝወሰኑን፡ ኣብዛ ዓመት እዚኣ "ብእርጋነይ ኣይትደርብዩኒ" ዝብል ካብ መዝ. 71. 9 ብስተወስደ ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ብመሰረት እቲ ብጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ዓብይ ሓለቓ ካርዲናል ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ዝተፈረመ ኣዋጅ ምሉ ስርየተ ሓጢኣት፡ ኩሎም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን “ብሓቀይና መንፈስ ኣብ ምስጢረ ንስሓን ምጽዋትን” ንዝሳተፉ ክወሃብ እዩ።

እቲ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ዝጽገው ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት በቲ ልሙድ ኩነታት ምስጢረ ንስሓን ቅዱስ ቁርባንን ብምቕባል ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ መሰረት ኣብ ጸሎት ብምሕባር ዝጽገው ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት

እቲ መግለጺ ሃዋርያዊ ቤት ኑዛዜ፥ ንሕሙማት፡ ዝተሓረጉን ንበይኖም ዝተጠንጠኑን ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ብኣካል ወይ ብምናባዊ መገዲ ንምብጻሕ ንዝውፈዩ እውን ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክጽገዉ ከም ዝኾኑ ኣመላኺቱ፥ እቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ሕሙማትን ንኹሎም ብኸቢድ ጸገማት ምኽንያት ካብ ገዝኦም ክወጹ ዘይክእሉ ድማ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብቲ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ክጥርነፉን ጸሎቶምን ቃንዛኦምን ወይ መከራኦምን ንኣምላኽ ንዘወፍዩ ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት ክወሃብ ምዃኑ ይሕብር። ካህናት ድማ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣቦ ሓጎታትን ኣደ ሓጎታትን ምስጢረ ንስሓ ኣብ ምስራዕ ክውፈዩ እቲ መግለጺ ሓዋርያዊ ቤተ ኑዛዜ የተሓሳስብ።

19 July 2024, 15:39