ንናይ ር.ሊ.ጳ. ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝግበር ወፈያታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝግበር ወፈያታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ 

ንናይ ር.ሊ.ጳ. ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝግበር ወፈያታት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ

ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ንምድጋፍን ንናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ተበግሶታት ግብረ ሰናይ ንምድጋፍ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተዋህበ ወፈያ ምስ 2022 ዓ.ም. ክነጻጻር እንከሎ ብኣስታት 5 ሚሊዮን ኤውሮ ክብ ከም ዝበለ ተሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ 2023 ዓ.ም.ፈ ድሌታት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንምምላእን ንሓያሎ ተበግሶታት ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ንዝኾኑ ንምድጋፍን ዝዓለመ ወፈያታት 52 ሚልዮን ኤውሮ (ካብ መባእ ዝተረኽበ 48.4 ሚልዮን ካብ ክፍሊት ኣታዊ ንብረት ድማ 3.6 ሚልዮን) ከም ዝኾነን፡ እቲ ወጻኢታት ብድምር 109.4 ሚልዮን ዩሮ ከም ዝበጸሐ ዝወጸ ጸብጻብ 2023 ዓ.ም. የመላኽት።

እቲ ዝዓበየ ሓገዝ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

ኣብ 2023 ዓ.ም. ሃገረ ስብከታት ኣስታት 31.2 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዘበርከታን፡ እዚ ድማ 64.4 ሚእታዊት ናይቲ እቶት፤ 4.4% (2.1 ሚልዮን ዩሮ) ድማ ካብ ውልቀ ለገስቲ ዝተረኽበ እዩ። ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለያ ማሕበራት 13.9 ሚልዮን ኤውሮ (28.8%) ከም እተኣከበን እቲ ዝተረፈ 1.2 ሚልዮን ኤውሮ /2.4% ካብ ዝተፈላለያ ገዳማትን ማሕበራት ካህናትን ደናግልን ዝመጸ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እታ ዝዓበየት ሓጋዚት ከም ዝኾነትን፡ ካብ ጠቕላላ 13.6 ሚልዮን ኤውሮ ከምዘበርከተትን፡ እዚ ድማ 28.1% ዝሽፍን ኮይኑ፡ ቀጺሉ ዝዓበየ ኣበርክቶ ካብ ኢጣልያ (3.1 ሚልዮን ኤውሮ ካብ ጠቕላላ እቶት 6.4% ዝሽፍን እዩ)። ብሳልሳይ ደረጃ ብራዚል ብ1.9 ሚልዮን ኤውሮ ካብ ጠቕላላ እቶት 3.9% ዝሽፍን ከም ዝኾነ ጸብጻብ 2023 ዓ.ም. የመላኽት።

ኣብ 76 ሃገራት ንዝርከቡ 236 ውጥናት ምምዋል

ኣብ 2023 ዓ.ም. ካብ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ግብረ ሰናይ መሳለጢ ዝተኣከበ 103 ሚልዮን ኤውሮ ሃብቲ ገንዘብ እቲ 90 ሚልዮን ኤውሮ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ተልእኾ ር.ሊ.ጳ. ሓገዝ ንዘድልዮም ኣባይቲ ስድራ፣ ሃገረ ስብከታት፣ ቁምስናታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ድኻታት፤ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፤ ብኲናትን ጥሜትን ብኣሉታዊ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ኣየር ንዝተሃስዩ ህዝብታትን ማሕበረሰባትን፤ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ከም ዝወዓለን። ኣብ 2023 ዓ.ም. ኣብ 76 ሃገራት ንዝርከቡ 236 ውጥናት መሳለጢ ከም ዝወዓለን ብድምር 13 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝመወለን። ኣብ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ 68 ውጥናት 5.4 ሚልዮን ኤውሮኣ፣ ኣብ ኤውሮጳ ንዝርከቡ 100 ውጥናት 2.4 ሚልዮን ኤውሮ፤ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከቡ 34 ውጥናት 2.3 ሚልዮን ኤውሮ፤ ኣብ ኤስያ ንዝርከቡ 33 ውጥናት 2.8 ሚልዮን ኤውሮ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ኦቻይና ንሓደ ውጥን መሳለጢ 0.1 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝመወለን እቲ ጸብጻብ ኣስዒቡ ኣብ ኤውሮጳ ዝተኻየዱ ውጥናት ብምጥቃስ ፍርቂ ሚልዮን ኤውሮ ካብ ኣፍሪቃ፣ ላቲን ኣመሪካን ኤስያን ንዝመጹ ካህናት፣ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ኣባላት ማሕበራትን ገዳማትን ኣብ ጳጳሳዊ መናብርተ ጥበብ ንኽመሃሩ ወጻኢታት ከም ዝሸፈነን ንዝተፈላለዩ ጉስነታውን ማሕበራውን ተበግሶታት ንምምዋል ድማ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ተወሳኺ ብውግእ ንዝተሃስየት ዩክሬን ከም እተወፈየ የመላኽት።

ወሰኽ ወፈያታት

ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣታዊታት ንመሳለጢ ግብረ ሰናይ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ 107 ሚልዮን ኤውሮ ከም ተኣከበን ምስ 2023 ዓ.ም. ክነጻጸር እንከሎ ልዕሊ ዕጽፊ ምዃኑን፡ እቲ ዘውጽኦ ወጻኢታት ከኣ 95.5 ሚልዮን ኤወሮ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ኣብ 2022 ዓ.ም. ናይ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ቅድስቲ መንበርን ቫቲካንን  ካልእ ተመሳሳሊ ናይ መሸጣ ትካላት ብዙሕ ረብሓታት ከም እተረኽበን፡ ብሓቂ ኣብ 2023 ዓ.ም. ወፈያታት ብኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝወሰኸን፡ ምስቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ካብ ወፈያታት 48.4 ሚልዮን ኤውሮ ከም እተረኽበን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣስታት 43.5 ሚልዮን ኤውሮ ከም ዝነበረን ንሓዋርያዊ ተልእኾ ር.ሊ.ጳ. ንምድጋፍ ዝተገብረ ወጻኢታት 370.4 ሚልዮን ኤውሮ ኮይኑ፡ ካብዚ እቲ 90 ሚልዮን ኤውሮ ካብ መዋሊ ማዕከን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከበ እዩ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ 68 ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ትካላትን ማሕበራት ቅድስቲ መንበር ዝምወል እዩ።

01 July 2024, 15:37