ኵርያ ሮማናን ጀርመናውያን ጳጳሳትን ዘተ ኣብ ዛዕባ ሲኖዶስነት ኵርያ ሮማናን ጀርመናውያን ጳጳሳትን ዘተ ኣብ ዛዕባ ሲኖዶስነት 

ኵርያ ሮማናን ጀርመናውያን ጳጳሳትን ዘተ ኣብ ዛዕባ ሲኖዶስነት

ካብ ቅድስቲ መንበርን ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመንን ዝተዋህበ ሓባራዊ መግለጺ፥ ነቲ ኣብ 2022 ዓ.ም. ዝተጀመረ ዘተ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ መልክዕ ሲኖዳዊ ንምትግባር ዝሕግዝ መንገዲ ምድላይ ዝምልከት እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ድሌት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተወከልቲ ናይ ኩርያ ሮማናን ናይ ጀርመን ጉባኤ ጳጳሳትን(DBK) ነቲ ኣብ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣቡናት ጀርመን ከም ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት ጳጳሳት ሃገራት ብዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ምስ ኩርያ ሮማና ብምርኻብ ዝጀመርዎ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዕለት 22 መጋቢት 2024 ዓ.ም.  ብዝገበርዎ ዝተ ዝተበገሰ ኮይኑ፡ በዚ መሰረት እውን ዕለት 28 ሰነ ዓርቢ እቲ ዘተ ቀጺሉ ከም ዝወዓለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጭቡጥ መልክዓት ሲኖዳውነት ንምንባር

እቲ ንሓደ መዓልቲ ዝቐጸለ ዘተ፡ ዕለት 28 ሰነ ምሸት ድሕሪ እቲ ዘተ ዝወጸ ሓባራዊ መግለጺ፡ ሕጂ’ውን እወታዊ፡ ክፉትን ሃናጽን ሃዋህው ዘጉለሐ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ መሰረት ናይቲ ዘተ ድማ እቲ ዕለት 22 መጋቢት 2024 ዓ.ም. ዝተገብረ ስምምዕ ኮይኑ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዳውነት ምትግባር ጭቡጥ መልክዓት - ብመሰረት ስነ ዓቕለስያ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሕገ ቀኖናን፡ ከምኡ’ውን . . . ፍረ ኣብ ሲኖዳውነት ዘማእከለ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን – ዘመላኽቶ ሲኖዳውነት ንምግትባር ዝሕግዝ ጭቡጥ መልክዓት ዝሓዘ ሰነድ ንኽጸድቕ ናብ ቅድስቲ መንበር ንምቕራብ ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣኼባ ሽማግለ ሲኖዶስ

ኣብቲ ዝተዋህበ ሓባራዊ መግለጺ ብዛዕባ’ቲ ናይ መወዳእታ ኣኼባ ሽማግለ ሲኖዶስ – ግዝያዊ ናይ ስራሕ ኣካል – ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ምይይጥ ምክያዱን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ቲዮሎጊያዊ መሰረታትን ተኽእሎታት ሕጋዊ ምትግባር ሃገራዊ ኣካል ሲኖዶስን ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት ዘተ እውን ከም እተገብረን ናይ ዕለት 28 ሰነ ኣኼባ ኣብ መንጎ ኣተገባብራ ኣገልግሎት መንበረ ጵጵስናን ምድንፋዕ ሓባራዊ ሓላፍነት ኩሎም ምእመናንን ብፍላይ ድማ ኣብ መዳያት ሕጊ ቀኖና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስቲያን ጭቡጥ መልክዕ ሲኖዶሳውነት ንምቛም ዘተኮረ ኮይኑ፡ እቲ መግለጺ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስነት ንምሕያል ዝነበረ ድሌትን ተወፋይነትን ንዝያዳ ውጽኢታዊ ስብከተ ወንጌል ዝብል ርእየት ብጳጳሳት ጀርመንን ብወከልቲ ኩርያ ሮማናን ከም እተቓለሐ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ለውጢ ኣብ ኣምር ሃገራዊ ኣካል ሲኖዶስ

“ብሽማግለ ሲኖዶስ ዝቖመ ፍሉይ ሽማግለ ምስ ሲኖዶሳውነትን ኣቃውማ ሲኖዳዊ ኣካልን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ክከታተል ምዃኑ” እቲ ዝተወሃበ መግለጺ ከረድእ እንከሎ፡ እቲ ሽማግለ “ምስ ዝምልከቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዝቖመ ተመሳሳሊ ሽማግለ ብቐረባ ብምርኻብ ሓደ እማመ ክነድፍ” ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣስዒቡ እውን “ወከልቲ ኩርያ ሮማና ክልተ ኣገደስቲ መዳያት ከምዘለለዩን፡ ኣብ ስምን ኣብ ገሊኡ መዳያት ናይቲ ኣቐዲሙ እተዳለወ ሃገራዊ ኣካል ሲኖዶስ ለውጢ ክህሉ ከም ዝደልዩን እዚ ኣካል እዚ ምስቲ ናይ ኣቡናት ቤት ምኽሪ ልዕል ዝበለ ወይ ሓደ ከም ዘይኰነ ዘመላኽት” ምዃኑ ዜና ቫቲካን እቲ ዝተዋህበ መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

ድሕሪ ሲኖዶስ ዝቕጽል ዘተ

ኣብ መንጎ ወከልቲ ኩርያ ሮማናን ልኡኻት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመን ብዛዕባ መጻኢ ኣቃውማ ጉዳይ እውን ከም ዝመኸሩን። “እቲ ዘተ ድሕሪ ምዝዛም ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክቕጽልን ኣብኡ ድማ ካልኦት ስነ ሰብእን፡ ስነ ዓቕለስያውን ሊጡርጊያውን ባህርያት ዘለዎም ጉዳያት መሰረት ክዝተዩ እዮም።”

ተሳተፍቲ

ኣብቲ ዕለት 28 ሰነ ዝተኻየደ ዘተ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ፣ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ካርዲናል ኩርት ኮኽ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን፣ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሮበርት ፕረቮስት፡ ናይ ስርዓተ ኣምልኾን ቅዱሳት ምስጢራትን ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ኣርቱር ሮቸን ከምኡ እውብ ሕገ ሰነዳት ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ፊሊፖ ኢያኖን ንኩርያ ሮማና ጳጳሳት ጀርመን ብናይ ጀርመን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ጳጳስ ጆርጅ ባትዚንግ ሊቀ ጳጳሳት ስቲፋን ኣከርማን፡ ኣቡነ በርትራም ማየርን ፍራንዝ-ጆሴፍ ኦቨርቤክን - ከምኡ’ውን ወሃቢ ቃል ጉባኤ ጳጳሳት ጀርመን ማትያስ ኮፕ ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።  

01 July 2024, 15:33