ድለ

ብሓቂ ንኣካለ ክርስቶስ ንምኽባር ብሓቂ ንኣካለ ክርስቶስ ንምኽባር  ርእሰ ዓንቀጽ

ብሓቂ ንኣካለ ክርስቶስ ንምኽባር

ናይ ቫቲካን ዜናን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ዛዕባ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቍርባን ኣማእኪሉ ኣብ ዘቕረቦ ርእሰ ዓንጽ ዜና ቫቲካን፥ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ክሪሶስቶም፡ “ቅዱስ ቍርባ መከላኸሊ ኩሉ ሕይወት እዩ” እንክብል ዝስመሩሉ ሓሳብ የስተብህሉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካርዲናል ክሪስቶፍ ፒየር ኣብቲ ዕለት 21 ሓምለ ዝተዛዘመ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣመሪካ ኣብ ኢንዲያናፖሊስ ዕለት 17 ሓምለ ምሸት ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ “ዳግማይ ርኽበት መንፈስ ቅዱስ ቍርባን" ብሓቂ እንታይ ማለት እዩ? ከምኡ’ውን፡ ኣባና ናይ ሓቀይና መንፈሳውነት ቅዱስ ቁርባን ተመክሮ ኣሎ ድዩ?  እንክብሉ ከም ዝሓተቱን ብመሰረት ካርዲናል ፒየር ዝበልዎ ድማ፥ ቅዱስ ቁርባን ብኣምልኾ ነዚ ምስጢርን ከምኡውን ብትምህርተ ክርስቶስን ዝኣመሰለ መገድታት ኣቢልካ ሓቀይና ቅዱስ ቍርባናዊ ምንቕቓሕ ከም ዘድልን፥ ስለዚ ድማ እቲ ቅዱስ ቁርባናዊ መንፈስ ኪበራበር እንከሎ ንክርስቶስ ኣብ ስድራ ቤትና ኣብ ፈተውትና ኣብ ማሕበረሰብና ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቶም ብሰንኪ ዓሌቶም ማሕበራዊ ደረጃኦም ወይ እተፈላለየ ኣረኣእያኦም ካባና ዝረሓቑ ኮይኖም ናብ ዝስምዓና እውን ነስፍሖ። . . .  

ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ "ንስጋ ክርስቶስ ከተኽብር ትደሊ ዲኻ? ከምዚ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ኣባላቱ ማለት ኣብ ድኻታት ክነዓቕ ኣይንፍቀድ" እንክብል ዓብይ ኣበው ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ዮሓንስ ክሪሶስቶም ኣብ ስብከታቱ ዘስመረሉን ኣስዒቡ እውን ክርስቶስ ከም ሓደ መጽለሊ ዘናዲ ነጋዳይ ኮይኑ ክርከብ እንከሎ ብተመሳሳሊ ምሕሳብ የድሊ። ጓኖትን ዝተሓረጉን ምቕባል፡ ኣብ ካልእ ኩሉ ቦታታት ንክርስቶስ እናነጸግና ብቑርን ኣስሓይታን ኣብ ዝሳቐዩ ዕሽሽ ንእትብሎ ጎይታ... ኣብቲ ህያው ቤተ መቕድስ ዝኾነ ሓውኻ . . . ኣብቲ ዝሳቐ ዘሎ ዝግለጽ ክርስቶስ ልብኻ ንትዓጽወሉ ኣብ ኣባይቲ ኣምልኾ መጺኻ እተዘየምለኽኻዮ ይሓይሽ . . . እንክብሉ ዘቕረቦ ኣስተንትኖ ከም ዝዘከሩ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የስተብህሉ።

ካልእ ዓቢ ጳጳስ ዶን ቶኒኖ ቤሎ - "እቲ ኣብ ከተማታትና ዘሎ ትዕቢት ንስጋ ክርስቶስ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ቍርባን መሰውኢታትና ብቐሊሉ ንኸነለልዮ ዘኽእለና እኳ እንተዀነ ግን ንስጋ ክርስቶስ ኣብቲ ጸበባን መከራን ጽምዋን ዝመልኦ ሓቀይና መንበረ ታቦት / ንኸይነለልዩ ይዓግተና ኢዩ። ስለዚ ኸኣ እዮ እቲ ቅዱስ ቍርባን ካብቲ ሓቀይና እንታይነቱ ኣርሒቕናዮ ንርከብ ዘሎና፥ . . .

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘሎ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ናይ ቁርባን ትንሳኤ ኣብቲ "ዘይምቹእ ቦታ" ድኽነትን ምግላልን ዝያዳ ኣቓልቦ ናብ ኣካል ክርስቶስ ከም ዝመርሕ ጥራይ ኢና ተስፋ ክንገብር እንኽእል። እዚ ትንሳኤ እዚ ንህይወትን ክብርን ደቂ ሰባት ብፍላይ ድማ ነቶም ድኹማትን ናይ ምክልኻል ብቕዓትን ዓቕምን ዘይብሎምን: ዘይተወልዱ: ግዳም ሓደር፡ ስደተይናታትን ካልኦትን ዳግማይ ኣቓልቦ ከም ዝህብ እውን ተስፋ ክንገብር ንኽእል ኢና። ነቶም መዓልታዊ ብዓመጽን ቁጽጽር ብዘይብሉ ዝርገሐ ብዘሰክፍ ቅልጣፈ ዝሽየጥን ኣጽዋር ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ሰባት፡ - ብፍላይ ነዛ ዓባይ ሃገር ዘሳቕያ ዕንወት - ዳግማይ ትኹረት ምግባር የድሊ። ክርስትያን - ስዓብቲ እቲ ኣብ ጌተሰማኔ ንጴጥሮስ ንሰይፍኻ ናብ ዝነበረሉ ምለሶ ዝበሎን ድሕሪኡ ድማ እዝኒ ጊልያ ሊቀ ካህናት ዘሕወየን -  ነዚ መዓት እዚ ካብ ምቅላስ ከቶ ከቋርጹ የብሎምን” እንክብሉ ቶርኒየሊ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።

(Andrea Tornielli)

27 July 2024, 17:09