ትኹረት ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ተሓታትነትን ኣብ ሰነድ ንኻልኣይ ኣኼባ ሲኖዶስ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ከመይ ጌርካ ሲኖዳዊት ልእኽቲ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ትኸውን? እዚ’ዩ እቲ ኣብ ሕመረት ናይቲ ካብ 2 ክሳብ 27 ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ ጳጳሳት Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ዘቕርቦ ሕቶ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ሰነድ እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዝተኻየደ ቀዳማይ ጉባኤ ሲኖዶስ ስዒቡ ንኽካየድ ዝተውጸወዐ ካልኣይ ኣኼባ መበል 16 ስሩዕ መደበይና ሓፈሻዊ ጉባኤ መጋበርያ ዕዩ ዝጥቀመሉ እዩ። እቲ ሰሉስ ዕለት 9 ሓምለ ተሓቲሙ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብወግዒ ዝቐረበ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ – "ቅድሚ ንኽኻየድ ዘተጸወዐ ካልኣይ ኣኼባ ሲኖዶስ ዝተዓሸገ መልሲ" ዝህብ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ "ምልክታትን እማመታትን" ዘቕርብ እዩ።
እዚ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻ “ኣብ ተልእኾ ሲኖዳውነት'" ክትምልስ ከም እትኽእል ዝምልከት ኮይኑ። ማለት ኩሎም ዝተጠመቑ – ኣብ ውሽጢ ዝተፈላለየ ኣገልግሎቶምን ጸዋዕታኦምን ተራኦምን - ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ሓላፍነትን ተሳተፍትን ዘረጋግጽ እዩ።
እተን ሓሙሽተ ክፋላት ናይቲ ሰነድ
እቲ ሰነድ ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ዝቖመ ኮይኑ፡ መእተዊ፡ መሰረታትን ሰለስተ ማእከላይ ክፋላትን ዝሓዘ እዩ።
እቲ መእተዊ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዝተፈጸመ ጉዕዞ ዘዘኻኽርን ድሮ ዝተበጽሐ ምዕራፋት ከም ሰፊሕ ኣጠቓቕማ ሲኖዳውነት ኣገባብ መንፈሳዊ ዘተ ዘጉልሕን እዩ።
ድሕሪኡ እቶም መሰረታት (ካብ ፍቕዲ 1 - 18 ረኣ) ኣብቲ ከም መንገዲ ምልዋጥን ተሃድሶን ኣብ ዝምልከት ርድኢት ሲኖዳውነት ዘተኮረ እዩ። ኣብዛ ብምግምማዕን ግጭትን እትልለይ ዓለም፡ ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ምልክት ሓድነት፡ መጋበርያ ዕርቅን ምስማዕን፡ ብፍላይ ድማ ንጽጉማት፡ ንዝተገለሉን ካብ ስልጣን ዝተገለሉ ውሑዳትን ክትከውን ዝተጸውዐት ምዃና የስተብህል።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንደቂ ኣንስትዮ ዋጋ ምሃብ
እቶም መሰረታት እውን ብዛዕባ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ቤተ ክርስቲያን ንምስትንታን እኹል ቦታ ዝህብ ኮይኑ (እዚ ካብ ፍቕዲ 13 - 18 ረኣ)፡ ንመንፈሳዊ መስህብ ህያብ መንፈስ ቅዱስን ጸዋዕታአንን "ምሉእ ኣፍልጦ ምሃብ ከምዘድሊ" የጉልሓ።
"እግዚኣብሄር ንደቂ ኣንስትዮ ከም ቀዳሞት መሰኻኽርን ኣብሰርትን ትንሳኤ መሪጽወን" ይብል እቲ ናይ ዕዩ መጋበርያ ሰነድ፡ ስለዚ "ብሰንኪ ጥምቀት ምሉእ ማዕርነት የስተማቕራ፡ ካብ መንፈስ ቅዱስ ተመሳሳሊ ውህበት ይቕበላ፡ ንኣገልግሎት ተልእኾ ክርስቶስ ድማ ይጽውዓን . . . “ ዝብል ሓሳብ የጉልሕ።
ተሳትፎን ሓላፍነትን
ኣብ ገለ ባህልታት ይብል እቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ "ብድዐ ተባዕት ጾታ ሓያል ኮይኑ ይቕጽል" ባህላዊ ብምምልካት፤ ስለዚ ካልኣይ ክፋል ሲኖዶስ፥ "ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መስርሕ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ደረጃታት መስርሓት ክሳብ ናብ ናይ ምውሳን ሓላፍነት ዝሰፍሕ” ክኸውን ከም ዘለዎን ምስ "ሰፊሕ ተበጻሕነት ናይ ሓላፍነት ቦታታት ኣብ ሃገረ ስብከታትን ቤተ ክርስቲያናዊ ትካላትን" ከምኡ'ውን ኣብ ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ኣብ ስነ - መለኮታዊ ተቕዋማትን "ኣብ ኩሉ ቀኖናዊ መስርሓት ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮ ዳያኑ ክብ ምባል ይዕድም።”
እዞም ሓሳባት ንውፉያት ደቂ ኣንስትዮ እውን ዝምልከቱ እዮም። ንህይወተንን ንዝተቐበልኦ መንፈሳዊ መስህብ - መንፈስ ቅዱስ "ዝዓበየ ኣፍልጦን ደገፍን" ከምዘድልን ከምኡ እውን ኣብ ዓቢ ሓላፍነት ዝስከም ዕዮ ተራ ክህልወን ይግባእ ይብል።
ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ድቍና ንደቂ ኣንስትዮ
ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ኣገልግሎት ድቁና ምእታው ዝብል ነጥብቲ እቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ (ኣብ ፍቕዲ 17 ረኣ)፥ “ብገለ ናይቲ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት" ከም ዝሕተት ክሕብር እንከሎ፡ ካልኦት ድማ ብተራአን "ተቓውሞኦም ደጊሞም የቕርቡ።
እዚ ጉዳይ እዚ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ሲኖዶስ "ኣርእስቲ ናይቲ ዕዮ ኣይክኸውንን እዩ" ስለዚ ድማ "እቲ ዛዕባ ድቁና ደቂ ኣስትዮ ዝግበር ስነ - መለኮታዊ ኣስተንትኖ ክቕጽል ኣለዎ" ምባል ቅኑዕ ምዃኑ የመላኽት። ብዝኾነ፡ እቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ኣብ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቦ ኣስተንትኖ "ንኹሉ እቲ ዓለማውያን (ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን) ዝፍጸምዎ ኣገልግሎት ንምሕያል ዘለዎ ድሌት ዘጉልሕ'ዩ"፣ ከምኡ'ውን "እኹል ስልጠና ብዝወሰዱ ዓለማውያን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ስብከት ቃል ኣምላኽ፡ ኣበርክቶ ክገብሩ" ዝብል ነጥቢ እውን የስተብህል (ኣብ ፍቕዲ 18)።
ቀዳማይ ክፋል - ርክብ ምስ እግዚኣብሔር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናት
ድሕሪ መእተውን መሰረታትን Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾ ሲኖዳውነት ክትህልው ዘኽእላ ዝምድናታት (ካብ ፍቕዲ 22 - 50 ረኣ) ዘተኮረ እዩ፡ ማለት ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያናትን ዘሎ ርክብ ዘመላኽት እዩ።
ስለዚ መንፈሳዊ መስህባዊ ኣገልግሎትን ቅብኣታውን ኣገልግሎት ኣብዛ ኣብ መንጎ ብዙሕ ተጋራጫውነት ዝረኣየላ ፍትሕን ሰላምን ተስፋን እትደሊ ዓለምን ኣገደስቲ እዮም።
ካብ ከባብያውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ድምጺ መንእሰያት እውን ይቕልቀል፣ ንሳቶም ድማ ናይ መሓውራት፣ ቤተ ምሕደራ ዘይኮነትስ፣ ኣብ ርክባትን ብንጥፍነትን መንገድን ዝተመስረተት ቤተ ክርስቲያን ይሓቱ።
ካብዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሲኖዶስ፡ ነቲ ከም "ምስማዕን ምስናይን" ዝኣመሰሉ ሓደስቲ ኣገልግሎታት ንምፍጣር ዝቐረበ እማመ ክትንትን እዩ።
ካልኣይ ክፋል – ቅርጻዊ መንገድታትን ማሕበረሰባዊ ምልላይን።
እዚ ዝምድናታት እዚ ድሕሪኡ ብክርስትያናዊ ኣገባብ ኣብ መንገድታት (ካብ ፍቕዲ 51 - 79 ረኣ) ናይ ምቛምን "ማሕበረሰባዊ መመያን" ክምዕብል ይግባእ፣ እዚ ድማ ኣብያተ ክርስቲያን ግቡእ ውሳነታት ክወስዳ ዘኽእለን፣ ሓላፍነትን ተሳትፎን ኩሉ ብምግላጽ እዩ።
Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ኣብ ምትሕንፋጽ ወለዶታት “ቤት ትምህርቲ ሲኖዳውነት” ከምዘሎ የረጋግጽ። ኩሎም፡ “ድኹማትን ሓያላትን፡ ቈልዑ፡ ንኣሽቱን ዓበይትን” “ብዙሕ ክቕበሉን ብዙሕ ክህቡን ኣለዎም”(ኣብ ፍቕዲ 55 ረኣ)።
ኣገዳስነት ተሓታትነት
"ሲኖዳላዊት ቤተ ክርስቲያን ክልቲኡ ባህልን ልምድን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ትጠልብ" ይብል እቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ። እዚ ድማ ብሓባራዊ ተልእኾ ብሓባር ንምጉዓዝን ሓባራዊ ሓላፍነት ንምፍጻምን ዘድሊ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ንምዕባይ ኣገዳሲ እዩ" (ኣብ ፍቕዲ 73)።
እቲ ናይ ስራሕ ሰነድ ሎሚ "ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ብቤተ ክርስቲያንን ግሉጽነትን ተሓታትነትን ክህሉ ዝጸንሐ ጠለብ ብሰንኪ ቍጠባዊ ዕንደራን ካብኡ ዝዓቢ ድማ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ግህሰትን ትሕቲ ዕድመን ተቓላዕትን ሰባትን ተኣማንነት ካብ ምጥፋእ ዝመጸ እዩ።" ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘይምህላው ንቄስስነት ጸዓት እዩ ዝኸውን" (ኣብ ፍቕዲ 75 ረኣ)።
ናይ ገምጋም መሓውራት የድልዩ
ተሓታትነትን ግሉጽነትን፡ "ንውጥናት ጉስነት፡ ኣገባባት ስብከተ ወንጌልን ቤተክርስትያን ንኽብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ብኸመይ ከም እተኽብሮን፡ ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ትካላታ ዘሎ ኩነታት ስራሕ ብዝምልከት"'ውን ይጸልዎ እዩ (ፍቕዲ 76)።
ካብዚ ብምብጋስ “ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታዊ ሓላፍነት ብኸመይ ከም ዝፍጸም ዝገልጽ ቅርጻታትን መልክዓትን ስሩዕ ገምጋም ከም ኣድላይነቱ ይቕልቀል” (ኣብ ፍቕዲ 77 ረኣ)።
ቤተ ክርስቲያን ውሕስነት ክትህብ ይግባእ፡ ኣብ ክልቲኡ ምሕደራ ንብረትን ጸጋታትን፡ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኣፈጻጽማ ተልእኾታት ዝምልከት ዓመታዊ ጸብጻብ ምሕታም፡ እዚ ድማ " ኣብ መዳይ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመን ተቓላዕትን ሰባት" ዝውሰዱ ተበግሶታት ምሳሌ እዩ" (ኣብ ፍቕዲ 79 ረኣ)።
ሳልሳይ ክፋል – ቦታታት ኤቍመናውን ኣብ መንጎ ሃይማኖታትን ዝግበር ዘተን
ብድሕሪኡ እቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ዝምድናታትን መንገድታትን ቅርጺ ዝሕዙሉ ቦታታት ይትንትን (ካብ ፍቕዲ 80 - 108 ረኣ)።
ዓቕለስያዊ ተመኩሮታት ኣብ ዝምልከት ድማ ነቲ ዕኑድ (ዘንጠጠወ) ዝኾነ ራእይ ክንስዕር ይዕድመና፡ እቲ ናይ ስራሕ ሰነድ ንብዙሕነት የለልይ። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ እዩ ድማ ዓበይቲ ኤቍመናውን ሃይማኖታውን ባህላውን ዘተ ዝምልከት ርእሰ ጉዳያት ተተሓሒዙ ይቐርብ። ከምኡ'ውን ኣብዚ ጽሑፍ እዚ “ንሓድሽ ኩነታት" ኣብ ግምት ዘእተወ ንናይ ኤቍመናዊ ጉዕዞ ክፉት ዝኾነ መልክዓ ፍጻመ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምድላይ የድሊ ዝብል ምስትባህል ንረክብ። (ፍቕዲ 102 ን 107 ረኣ)።
ነጋድያን ተስፋ
እቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ ግምት ብምእታው ከም "ነጋድያን ተስፋ" ኮይንና ነቲ ጉዕዞ ክንቅጽሎ ዕድመ ብምቕራብ ይዛዘም (ፍቕዲ 112 ረኣ)።