ድለ

2024.07.09 ሲኖዶስ፡ ጽኑዕ ‘ናይ ምስማዕ ዓውደ መጽናዕቲ’ 2024.07.09 ሲኖዶስ፡ ጽኑዕ ‘ናይ ምስማዕ ዓውደ መጽናዕቲ’ 

ሲኖዶስ፡ ጽኑዕ ‘ናይ ምስማዕ ዓውደ መጽናዕቲ’

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካርዲናል ማሪዮ ግሬች ንዝመጽእ ካልኣይ ክፋል ሲኖዶስ ውርሒ ጥቅምቲ ዝኸውን Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ብወግዒ ንምቕራብ ኣብ ዘተዋህበ ጋዜጣዊ መገልጺ ተረኺቦም "ውጽኢትን ምስክርነትን ሓቀይና ሕብረ ቃናዊ" እንክብሉ ነቲ ሰነድ ይገልጽዎ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ግሬች ንሲኖዶስ ጽኑዕ "ናይ ምስማዕ ዓውደ መጽናዕቲ" ኢሎም ብምጽዋዕ፡ ንኣምላኽን ንዓለምን ምስማዕ ዘጉልሕ እዩ። ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ንምቕራብ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እዚ መስርሕ እዚ ድምጺ ጐይታ ብምስማዕ ከም ዝጅምርን፡ ‘ንስምዒት እምነት ህዝቢ ኣምላኽ" ኣቓልቦ ብምሃብ ከም ዝቕጽልን ኣመልኪቶም፡ እቲ ዕላማ "ኣብዚ ህሞት እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጉዕዞኣ እግዚኣብሕር እንታይ ክብላ ከም ዝደሊ ምድላይ" ምዃኑ የብርሁ።

ሰናይ ንጥፈት

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ካርዲናል ግሬች ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖ ብዙሕ ኣበርክቶታት ኣስተንትኖ 108 ሃገራዊ ጽማቕ ሰነዳት ሓዊሱ፣ ነቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ንኽዛዘም ዝደረኸ "ሰናይ ንጥፈት" እንክብሉ ኣጉሊሖም። ኣባላት ሲኖዶስ ትሕዝቶኡ ንኽርድኡ ዝሕግዝ ኣብ ቀረባ እዋን ዝመጽእ ስነ -መለኮታዊ መመላእታ ደጋፊ ሰነድ ከቐርብ ከም ዝኾነ ድማ ሓቢሮም፡ ነቲ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ "ሕብረ ቃና ውሁድ ድምጽታት" እክብሉ ዝገለጹ ካርዲናል ግሬች፡ እቲ "ዝተዘርግሐን ዝተፈለየን መስርሕ ምስማዕ" ንሲኖዳዊት ቤተክርስትያን "ንናይ ሎሚ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ቃል ኢየሱስ ክፈልጡ" ክሕግዞም ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም፡ ንልኡኻት ወንጌል ከደልድልን ኣብ ልብታት ተስፋ ኣብ ምውላዕን ክሕግዞምን ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም።

ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ

ካርዲናል ግረች ንጉዳይ ድቁና ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ኣርእስቲ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቲዮሎጊያዊ ኣስተንትኖ ክቕጽል ምዃኑን ኣብ ዝቕጽል ጉባኤ ከምዘይድህሰስን ድማ ሓቢሮም፡ ወሲኾም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ኣርእስቲ እዚ ኣብ ውሽጢ ሰፊሕ ኵነታት ኣገልግሎታት ክጽናዕ ከም ዕማም ንናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብሓላፍነት ከም ዝሃቡ ይሕብሩ።

ህያው፡ ተንቀሳቓሲት፡ መሃዚትን ቤተ ክርስቲያን

ዋና ኣተሓባባሪ ሲኖዶስ ብፁዕ ካርዲናል ዣን ክላውድ ሆለሪኽ ኣብ ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ምስሊ "ህያውን ተንቀሳቓሲት" ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሓሳብ ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ኣብያተ ክርስቲያናት ጉዕዞ ሲኖዶስ ከም ዝጀመራን "ዓቢ ብዙሕነት" ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

እዚ ጉዕዞ’ዚ፡ ዝተፈላለዩ ፍረታት ከም ዘፍረየን፡ ቅንዕናን ርእሰ መርመራን ርእሰ - ምግምጋምን ክእለትን ሓዊሱ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ ንግልጽነት፡ ተሓታትነትን ገምጋምን ንምግሃድ መሰረታዊ መዳያት ከም ዘፍረየ የብርሁ።

ካርዲናል ሆለሪክ ሲኖዳውነት ጭቡጥ ተበግሶታት ዝወሰደሎም ኣብነታት ኣጉሊሖም፡ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ዘሎ "ሰፊሕን ዝተፈላለየን ተሳትፎ" ኣስሚሮም፣ እዚ ድማ ኣብ ስነ ምሕደራ ወይ መሓውር ዘይኮነስ ኣብ ርክባት ዝተመስረተት ቤተ ክርስቲያን ክትጸንዕ ሓያል ድሌት ምህላዉ ዘንጸባርቕ እዩ።

ኣብ መንጎ ሲኖዳውነትን ተልእኾን ዘሎ ምትእስሳር

ክልተ ፍሉያት ዋና ጸሓፍቲ ናይ መበል 16 ሲኖዳዶስ ኣቡነ ሪካርዶ ባቶኪዮን ኣባ ጂያኮሞ ኮስታን "ኣብ መንጎ ሲኖዳውነትን ተልእኾን ዘሎ ውሽጣዊ ምትእስሳር" ኣስሚሮም፣ ኣድላይነት ሕንጸትን መመያን የጉልሑ።

ንሳቶም ብሙሉእ ድምጺ ነቲ ካብ Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ  ኣብ ኸባቢ እትርከብ ቤተ - ክርስትያን ንኻልኦት ከተካፍሎም እትኽእል ኣገባብ ዘተ ብመንፈስ ቅዱስን "ጽባቐ" ከምኡውን "ሃብቲ" ብምምልካት ናይ ምስጋና ቃል የቕርቡ።

ዝቕጽል ጉባኤ

ዝቕጽል ኣኼባ ስዒቡ ምስ ክፍልታት Instrumentum laboris - ናይ ዕዮ መጋበርያ ሰነድ  ዝተኣሳሰሩ ኣገባባት ክቐርቡ እዮም፣ እዚ ድማ ናይ ጸሎትን ናይ ምድላው ግዜን ሓዊሱ። እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝካየድ ሲኖዶስ "ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ በገባብ ሲኖዳውነት ልኡካነ ወንጌል ኮይኖም ንኽዓብዩ ብምባል ጸዋዕታኦም ጭቡጥ ክገብሩ" ዝዕድም ከም ዝኾነ ዘመላኽት እዩ።

10 July 2024, 17:20