ድለ

2024.07.22 Cardinale Parolin in Verkhovna Rada (Parlamento Ucraino) 2024.07.22 Cardinale Parolin in Verkhovna Rada (Parlamento Ucraino) 

ካርዲናል ፓሮሊን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽሚሃል ተራኺቦም ናብ ባይቶ እታ ሃገር ውን በጺሖም

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብር ምስ ናይ ዩክረይን መራሒ መንግስቲ ተራኺቦም ተዘራረቡ ። ኣቦ መንበር ሃገራዊ ባይቶ ሩስላን ስተፋንቹክ እውን ተራኺቦም ። እቶም ክልተ መራሕቲ ስለ እቲ ብፁዕነቶም ዘካየድዎ ምብጻሕ ሞሳኦም ገለጹ፣ እዚ ድማ እቲ ቅድስቲ መንበር ነቶም ውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ዩክረይን ዘለዋ ቅርበት ዝገልጽ ምልክት ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ካርዲናል ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ባዕሎም ትማሊ ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ናይቲ ናብ ዩክረይን ዝገብርዎ ምብጻሕ ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ክሳተፉ ከም ዝመደቡ ኣፍሊጦም ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ክየቭ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ደኒስ ሽሚሃልን ምስ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ዩክረይን ራስላን ስተፋንቹክን ውን ተራኺቦም ።

ብዛዕባ ኽልቲኡ ክልቲኡ እቲ ርክባት እቲ ናይ መጀምርያ መደረ ዘስምዑ እቶም ናይቲ ትካላት ለእለዎት ሰበሥልጣን ኢዮም ዝነብሩ ። እቲ መራሒ መንግስቲ ኰነ እቲ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ዩክረይን ንካርዲናል ፓሮሊን ስለቲ ኣብኡ ምርካቦም ዘለዎም ልባዊ ምስጋና ገለጹሎም፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዅነታት ኣቓልቦ ኸም እተገብረሉ ዝሕብር ኢዩ በሉ ። ብመሰረት መንግስታዊ ምንጭታት ሓደ ኻብቲ መራሒ መንግስቲ ሽሚሃል ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝዘተዩሉ ጕዳያት ናይ ግብረ - ሰናይን ሓገዛት ምድላውን ከምኡ ውን ነቶም ናብ ሩስያ ተጨውዮም ዝኸዱ ዩክረይናውያን ቈልዑን እሱራትን ንምምላስ እተገብረ ኣበርክቶን ኣብ ዝምከት ኢዩ ዝነበረ ።

ብተመሳሳሊ ብመሰረት ካብ ትካላት ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ሃገረ ዩክረይን ሩስላን ስተፋንቹክ ነቲ ቅድስቲ መንበር ብሰብኣዊ ረድኤት ኣቢላ ንህዝቢ ዩክረይን ዝሃበቶ ደገፍን ሓልዮትን  ሓድነትን ምስጋናኡ ገለጸ ።

23 July 2024, 12:08