ቪጋኖ ብገበን መናፍቕነት ተወጊዞም ቪጋኖ ብገበን መናፍቕነት ተወጊዞም 

ቪጋኖ ብገበን መናፍቕነት ተወጊዞም

ካብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝተዋህበ መግለጺ፥ ሕጋውነት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ኣብ ልዕሊ ዝነጸጉ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር፥ ብገበን መናፍቕነት ውጉዝ ዝብል ውሳኔ ከም ዘመሓላለፈ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ካርሎ ማርያ ቪጋኖ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝነበሩ ምስ ጳጳስ ሮማን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ሓድነቶም ብምንጻጎም መናፍቕነት ብዝብል ክሲ ተወጊዞም።

ካብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ዝወጸ መግለጺ ይብል:- “ዕለት 4 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ጉባኤ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት፡ ነቲ ኣብ ሕገ ቀኖና 1720 ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ ካብ ክሂሎት ቤት ፍርዲ ወጻኢ ብዝኾነ ፍቑድ መስርሕ ኣቢሉ ብዛዕባ ካርሎ ማሪያ ቪጋኖ ውሳኔ ንኸመሕላላልፍ ኣካይዱ፥ ማርያ ቪጋኖ፡ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ኡልፒያና፡ በቲ ዝተሓዝአ ገበን መናፍቕነት (ሕገ ቀኖና 751ን 1364ን ዓንቀጽ ሕጡበ-ጽሑፍ 2) ክም እተኽሱ፡ ዝሓበረ መግለጺ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቀጺሉ “ንልዑልነት ር.ሊ.ጳጳሳት ኣፍልጦ ምሃብ ብምእባዮም፣ ምስቶም ኣብ ትሕቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዉ ኣባላት ቤተ ክርስቲያን ሕብረት ብምንጻጎም፣ ከምኡ’ውን ሕጋውነትን ስልጣናዊ ትምህርትን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝነጽግ ህዝባዊ መግለጺታት ብምቕራብ ኣጸቢቖም ዝፍለጡ ኮይኖም ከም ዝርከቡ ብምምልካት፥ “ኣብ መዛዘሚ መስርሕ መቕጻዕቲ፡ ካህን ካርሎ ማርያ ቪጋኖ በቲ ዝተሓዝአ ገበን መናፍቕነት ገበነይና ኮይኑ ተረኺቡ” ቢሉ፥ ብተወሳኺ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ “ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብመሰረት ሕገ ቀኖና 1364 ዓንቀጽ ሕጡብ ጽሑፍ 1 ኣቢሉ latae sententiae excommunication -  ውሳኔ ፍርዲ የመሓላልፍ። እዚ ውሳነ እዚ ዕለት 5 ሓምለ 2024 ዓ.ም. ንኣባ ቪጋኖ ዝተሓበረ ምዃኑ የረጋግጽ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ቪጋኖ ዝቐረበ ክሲ

ባዕሎም ሊቀ ጳጳሳ ቪጋኖ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ልዕሊኦም ናይ ክሲ መዝገብ ከም ዝኽፈተ ዕለት 20 ሰነ በቲ ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መርብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ወግዓዊ ከም ዝገበርዎን። በቲ ናይ ክሲ መዝገብ መሰረት ባዕሎም ናብ ሮማ መጺኦም ኣብ ኣብ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ቤት ጽሕፈት ዝምራሕ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ገዛእ ርእሶም ክከላኸሉ እንተዘይከኣሉ ድማ ብዝሰምይዎ ጠበቓ ክውከሉ በቲ ዝውክሎም ገዛእ ርእሶም ኣብ ምክልኻል ክሙግቱ ዕድል ሂብዎም ከም ዝነበረን ነዚ ኣገባባት እዚ እውን ክጥቀምሉ ከም ዝነጸጉ ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት ሕጊ ቀኖና (ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 1331 ሕጡበ-ጽሑፍ 1) ውጉዝ ዝተባህለ መስዋእቲ ቅዳሴ ከዕርግን ካልኦት ምስጢራት ክሰርዕ፤ ምስጢራት ክቕበልን፡ ኣብ ካልኦት ስነ-ስርዓታት ኣምልኾ ክጽንበርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ’ቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ በዓላት ንጡፍ ተሳትፎ ካብ ምግባር ክልኩል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ዝኾነ ዓቕለሲያዊ ቤት ጽሕፈት ክዋሳእ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን ከይፍጽም ክልኩል እዩ፤ ከምኡ’ውን ካብ ምፍጻም ተግባራት ምሕደራ።

ካልኣይ ሕጡበ-ጽሑፍ ሕገ ቀኖና 1331 ናይቲ latae sententiae excommunication -  ዝተዋህበ ናይ ፍርዲ ውሳነ ሳዕቤናት ይዝርዝር።

ውጉዝ ዝብል ውሳኔ ነቲ በዳሊ ናብ ንስሓ ንምዕዳም ዝዓለመ “መድሕናዊ” መቕጻዕቲ እዩ ዝቑጸር። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ እቲ ውጉዝ ዝብል ኣርእስቲ እቲ ፍርዲ ዝተመሓላለፎ ሰብ ክምለስ እዩ ዝብል ተስፋ ኩሉ ግዜ ዘቃልሕ ምዃኑ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ይሕብር።

06 July 2024, 16:39