ኣፍጋኒስታን፦ ነቶም ደጊም ድምጺ ዘይብሎም ድምጽና ኸነስምዕ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ንግሆ ካብ ቤትካ ወጺእካ ናብ ስራሕ ክትከይድ ከለኻ ኣብ መገዲ ድምጺ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ ክትሰምዕ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ሕሰቦ። ከምታ ዝሓለፈት መዓልቲ ዝነበረካ ተመኩሮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ስለ እትራኸብ እቲ ኩነታት ዝያዳ ዘይልሙድ ዝኾነካ ወላ ሓንቲ ካብኣታተን እትዛረብ የላን። ኩላትን ድማ ሕሹዅሹዅ ክብላ ጀሚረን ኣለዋ።
ከምኡ ውን ሕስብ እሞ ኣብልዎ ብማእከል መናፈሻ ክትሓልፍ ከሎኻ ሓንቲ ኣደ ንውሉዳ ክተዘናግዕ ውሉዳ ሓቑፋ ዘላ ኣደ ምስ እተኽቡ። ከምቲ ናይ ቀዳም ዘይኮነ ኣብ ካልእ ቦታ እንተ ዘይኮኑ ነቲ ውሉዳ ክትዝምረሉ ኣይትኽእል ኢያ። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኣብነት እዚ ኣብ ኣፍጋኒስታን እዩ ዚፍጸም ዘሎ፣ ኣብኡ ኸኣ እቶም ሥርዓት ጣሊባን ደቂ ኣንስትዮ ገጾምን ኣካላተንን ጥራይ ዘይኰነስ ድምጸን እውን ከይተረፈ ኣብ ማሕበራዊ ህይወት "መሰል ዜግነት" ከም ዘይብሉ ብሓንሳእ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ወሲኖም ኣለዉ።
ኣህጉራዊ መራኸቢ ብዙሓን ነዚ ዜና እዚ እኳ እንተ ኣለዓዓሎ እቲ ዜሕዝን ግን ዚግብኦ ሸፈነ ኣይረኸበን፣ ክሳዕ ሕጂ ድማ ከምቲ ኣብ ሓያሎ ኻልእ ጕዳያትን ሲቭላዊ ውግኣትን ዚርአ ዜስደምም ተቓውሞታትን ምሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ኣየለዓዓለን ዘሎ ።
እንተዀነ ግን ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ምዕባጥ ሃይማኖታውን ቀቢላውን ባህላውን ምትእስሳር ብዘየገድስ ንብምሉኡ ማሕበረሰብ ደቅሰብ ክጐድእ ዘይክእል ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓመጽ ስለ ዝዀነ ኵላትና በዚ ውሳነ እዚ ኽንሰንብድን ክንሓዝዝን ኢዩ ዘሎና። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ መዓልታዊ ዘዘኻኽሩና ብሓቂ "ኣካላት ሓድሕድና" እንተድኣ ዄንና እዘን ንኣሽቱ ኣዋልድ እዚኣተን ኣፍጋናውያን ኣዋልድና ስለ ዝዀና ግዲ ዘይብልና ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ነቶም ሕጂ ኸምዚ ዓይነት ድምጺ ዘይብሎም ከኣ ድምጽና ከነስምዓሎም ኣሎና።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዕለት 31 ነሓሰ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ብታህዋኽ ብሓንሳብ ምስ ወጹ ታሊባን ከም እንደገና ስልጣን ሓዙ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ነዘን ኣብ እስያ ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል ራዕዲ ክፈጥረለን ጀመረ፣ እዚ ድማ መወዳእታ ዘይብሉ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ ግን ብትንቢት ኪግለጽ ዚከኣል እዩ ።
ሕጂ ድማ እንሆ ድምጸን ኣብ ህዝባዊ ቦታትት ኪስረዝ ተረኺቢ ኣሎ ። ኣብቲ ሓድሓደ ግዜ ግዜኻ ኸም ዘባኽን ኮይኑ ዚግለጽ ዜናታት፣ ኣቓልቦ ዚሰርቕ መራኸቢ ብዙሓን ብሚልዮናት ዚቝጸራ ደቂ ኣንስትዮ ምዝራብ ከም እተኸልከላን ከይዝምራ ኸም እተኸልከላን ኵላትና ኽንዝክር ኣሎና። እተን ኣብዚ 2024 ዓ.ም. ድምጸን ክስምዓን ኣብ ዝሓሸት ዓለም ናይ ምንባር ተስፋን ዘለወን ኣንስቲ ሎሚ ድምጽና ይጽበያ ኣለዋ ።