ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ፦ 'ሰላም ንምህናጽ መንፈሳዊ ለውጢ የድሊ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብዛ ብውግእ ዝዓነወት ዓለም ሰላም ንምህናጽ መንፈሳዊ ለውጢ ምግባርን ወንጌላዊ ሕውነትን እንደገና ምድህሳስን ኣድላዪ ከም ምዃኑ፣ ቀንዲ ኣርእስትታት ናይቲ ኣብ ጐድኒ ዋዕላ ሪሚኒ ምስ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓልያ እተገብረ ቃለ-መጠይቕ ኢዩ ዝነበረ ። ኣቦ መንበር ጳጳስቲ ተቕዋም ሥነ ሕይወት ትማሊ ሓሙስ ምስ ኢጣልያዊ ምክትል ርእሰ ብሔርን ኣቦ መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ምኒስተር ጉዳይት ወጻእን ዝኾነ ኣንቶንዮ ታጃኒን ኰይኖም ኣብ ሓደ "መገድታት ሰላም" ዘርእስቱ ኣኼባ ተሳቲፎም መደረ ኣቕረቡ።
እታ ሰላም እትብል ቃል ንብዙሓት ሰባት ዘይትጭበጥ ቃል ኢያ እትመስሎም፣ እንተዀነ ግን ናብተን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክልተ ኣዋድቲ መልእኽትታት ምላእ “ኵልና ኣሓው ንሕነን፣ ሎቱ ስብሓትን” ብሕብረት ንሰላም ካብ ምህናጽ ፈጺምና ተስፋ ኽንቈርጽ ከም ዘይብልና ብተደጋጋሚ ተዛሪብኩም ኣሎኹም?
ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ፦ እወ እዚ ናይቲ ሎሚ ኣብ ኢጣልያን ኣውሮጳን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ መላእ ዓለም ጐዲሉ ዘሎ ነገር ራእይ ስለ ዝዀነ እዩ። ኣብዛ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ዝገበረትን ብቝጠባ እትግዛእን ዘላ ዓለም፣ ኵሉ ሰብ ንብሕታዊ ጥቕሙ ወይ ንብሕታዊ ረብሓታቱ ኣብ ምስዓብን ኣብ ምጥባቕን ከም ዜተኵር፣ ሃገራትን ውልቀ-ሰባትን እውን ከይተረፋ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዋሒጦም እዮም ዘለዉ።
ኣብ ክንዳኡስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሓደ ቤት ማለት ኣብ ሓንቲ ፕላኔትና (ሎቱ ስብሓት) ንነብር ከም ዘለና፣ ከምኡውን ሓደ ስድራ ቤት ህዝብታት ከም ዝዀንና ማለት፣ ኣድማሳዊ ሕውነት ከም ዘሎና ራእይ ኣቕረቡልና። ኣቦ ናይዞም ዅሎም ደቂ ከአ ኣምላኽ ከም ዘሎና ምእማን ንሰላም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሳልሳይ ውግእ ዓለም ኢሎም ዝጽውዕዎ ዘለዉ ጉዳይ የንቀሳቕሰና ኢዩ፣ ከም ሓቁ ግን ድሮ ንዓለም ነፍርሳ ኢና ዘሎና፣ እዚ ኸኣ ዘይሕሰብን ዘሕዝንን ፍጻመታት የምጽእ ኣሎ ። ብናተይ ኣረኣእያ እቲ ወሳኒ ነጥቢ ንዅሉ ሰብ ሓላፍነት ከም ዘሎና ንኽንርዳእ መንፈሳዊ ለውጢ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ኢዩ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነዚ ትንቢት እዚ ኣኽቢሮም ዝርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ ብዙሓት ግና ካባኡ ይሕብኡ እዮም ዘለዉ ገና ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ዘይምግዳስ ማለት ግጭታትን ውግኣትን ከም ዚለዓዓል እውን ተዛሪቦም እዮ ። ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ሰብኣውነት ማለት ብዛዕባ ሰብ ኣትኩሮ ዝገበረ ሓቂ እውን ደጋጊምኩም ተዛሪብኩም ኢኹም። እዚ ብኸመይ እዩ ክግበር ዝከኣል?
ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ- ብዙሓት ሰባት ውግእ ይእውጁ ኣለዉ፣ ንሕና ግን ኵላትና ሰላም ክንገብር ንኽእል ኢና፣ ስለዚ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣይግድሰንን ኢዩ ወይ ዋላ ሓንቲ ኽገብር ኣይክእልን ኢየ ክብል ዝኽእል ዋላ ሓደ ሰብ የልቦን ። በቲ ዚፍጸም ዘሎ ወይ እተቘጢዕካ ኽትጕሂ ትኽእል ኢኻ፣ እንተዀነ ግን ምስቶም ሰላም ወይ ሓድነት ንምድንፋዕ ቈራጽነት ዝገበሩ ብዙሓት ሰባት ብምትሕብባር እውን ክትጽሊ ትኽእል ኢኻ። ብዙሕ ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ኣሎ ። እቲ ዜሕዝን ግን ሎሚ ሓደ ጁሰፔ ደ ሪታ ዚበሃል ፍቑር ዓርከይ ነታ ሓዳስ ሃይማኖት ማለት "ኢጎላትሪ" ክብል ዝጸውዓ ኣምልኾ ገዛእ ርእሲ፣ ኵሉ ነገር ኣብ መሰውኢ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣኽቢርካ ዚርአ ሰብኣዊ ፍቕሪ ዚስውኣሉ መገዲ እዩ። ካብዚ ኣዕናዊ ውልቀ-ሰብኣውነት እዚ ናብ "ንሕና" ኽንግዕዝ ኣሎና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ዝዛረብዎ ዘለዉ ዓቢ ሰውራ ኢዩ፣ ካቶሊክ ጥራይ ዘይኰናስ ኵለን ኣብያተ - ክርስትያን ኣብዚ ጕዳይ እዚ ክሓብራ ተስፋ እገብር ።
ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣትናጎራስ ነቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምትሕቑቛፍ ዘዘኻኽረና ባህ ዜብል ሓረግ ኣሎ፣ እታ ሓረግ "ኣሓት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ ኣሕዋት ሕዝብታት" ትብል እያ፣ ኣብያተ-ክርስትያን እንተ ተኸፋፊለን እቲ ህዝቢ ኸመይ ኪኸውን እዩ? እዛ ሕቶ እዚኣ ዓባይ ሕቶ እያ ።
ሓደ ግርምቢጥ ነገር እውን ኣሎ ፣ እዚ ኸኣ ውልቀ - ሰብ ምዃን ጥራይ ዘይኰነስ እከይ እናኣጋጠመ ኽነሱ ሓይሊ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ ። ረዳኢ ኣልቦ ዀይኑ ምእንቲ ኸይስምዓና ኻበይ ኢና መንፈስ ክንረክብ እንኽእል ?
ሊቀ-ጳጳሳት ፓግሊያ፦ ኣብ ወንጌል ኵሉ ነገር ከም ዚከኣል ብንጹር ይነግረና እዩ። ንቓል ኣምላኽ ከም ምንጪ ታሪኻውን ተጭባጢ ሓይልን ጌርና እንደገና ክንርድኦ ኣሎና። ንሕና ክርስትያን ምእመናን ንኽውንነት ናይ ምቕያር ሓላፍነት ኣሎና ፣ ጐይታትና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምኡ እዩ ገይሩ ፣ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ ሓይሊ ሂብዎም እዩ ፣ ንሕና እውን በዚ መስመር እዚ ኽንቅጽል ኣሎና። ብቕልል ዝበለ መገዲ ንወንጌል ብሓቂ ሓንጐፋይ ኢልና ብምቕባል መዓልታዊ ንጀምር ውሽጣዊ ውጥረት ከኣ ታሪኻዊ ናይ ለውጢ ሓቂ ክኸውን ኢዩ።
ኣብ ሪሚኒ ብዙሕ ዝተፈልየ ሓቂ ኢዩ ዘሎ፣ ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ እቶም ድልድል ፍልጠት ንምፍጣርን ንምርኻብን ዝመጹ ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዘይኰኑ ሰባት ውን ኣለዉ - እዚ ሓደ መፍትሔ ዶ ይኸውን?
ሊቀ-ጳጳሳት ፓግሊያ - ብርግጽ! ጳውሎስ ሻድሻይ ነታ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቶም ‘እንቲኣሁ ቤተክርስቲያን' ክብሉ ምጽሓፎም፣ ሓደ ክርስትያን ብተፈጥሮኡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ክርስትያን ምእመነን ኣብ ዘለዎ ርክብ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት አረ ምስቶም ዘይኣምኑ እውን ከይተረፈ ኸም ዝዀነ ገለጹ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመንነትና፣ ንምጥባቕ ክፉት ምዃን መንነትና ኸኣ ኣድማሳዊ ኣሕዋት ክኸውን ከም ዘድሊ ዘጕልሑ - ቅዱስ ፍራንቸስኮ በዓል ኣሲዚ ቅዱስ ቻርለስ ዘ ፎካውል ገለ ኣብነታት ናይዚ ኢያቶም ። ኵሎም ክርስትያን ምእመና ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣምላኽ ውጥረት ክሰምረሎም እደሊ ኢየ ።
ሰላም ንምህናጽ ዜድሊ እንታይ እዩ ?
ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ፦ ንሓድሕድካ ምፍቃርን ምፍቃርን ጥራይ ኢዩ።
ኣብ ስድራ ቤትካ ኣብ ቤትካ ሰላም ክትሃንጽሲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ኰን ኢዩ - ሰብ ጥበብ ሰላም ንምዃን ኣብ ቤትና ከመይ ኮን ይኸውን ።...
ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ፦ ውግእ ኣብ ቤት ስለ ዚጅምር ኣዝዩ ዘስደምም እዩ ዚኸውን። በዚ መዳይ እዚ ሰላም ክበሃል ከሎ ኣፍቃርን ተፈቃርን ምዃን ማለት ኢዩ - ንሓድሕድና ንተሓላለ ንውግእ እውን ክንስዕሮ ክንክእል ኢና ።