2024.08.12 parolin pezeshkian 2024.08.12 parolin pezeshkian 

ካርዲናል ፓሮሊንን ርእሰ ብሔር ኢራን ፐዘሽኪያንን ብስልኪ ተዘራረቡ

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንብርን እቲ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሃገረ ኢራን ማሱድ ፐዘሽኪያንን ብስልኪ ኣብ እተዘራረቡሉ ብዛዕባ ሓባራዊ ጕዳያት ክመያየጡ ኸለዉ፣ ካርዲናል ፓሮሊን ቅድስቲ መንብር ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ውግእ ከስፋሕፍሕ ከም ዝኽእል ዘለዋ ዓሚቝ ሻቕሎት ከም ዘለዎ ገለጹ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ዕለት 12 ነሓሰ ብጽዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ምስ ማሱድ ፐዘሽኪያን ሓድሽ ርእሰ ብሔር ናይ እስላማዊት ሪፓብሊክ ኢራን ብናይ ስልኪ መስመር  ተዘራሪቦም ።

ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ማትዮ ብሩኒ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ሓድሽ ርእሰ ብሔር ኣብ ጅማሬ ዘመነ ስልጣኑ እንቋዕ ሓጐሰኩም ከም ዝበልዎን ብዛዕባ ሓባራዊ ጕዳያት ከም እተመያየጡሉን ገሊጹ ።

ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝቕጽል ዘሎ ጉዳያት ከም ዘሻቕሎም ብምግላጽ ብእተኻእለ መጠን ነቲ ኣዝዩ ኸቢድ ግጭት ከወግድዎ ኸም ዘለዎም ገለጹ፣ ኣብ ክንዳኡስ ንምዝርራብን ንዘተን ንሰላምን ዝግበር ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ኽመርጹ ከም ዘለዎም ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ብሕጽንታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝርርብ ንሰላም ከምኡውን ነዚ ስቓይ እዚ ንምውጋድ ዝከኣሎም ዅሉ ንምግባር ኣዘውቲሮም ይጽዕሩ ኢዮም ዘልዉ ።

ኣብ መደምደምታ ናይቲ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነትም ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታት ብዕቱብ ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ገለጹ፣ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት እቲ ግጭት ከየስፋሕፍሕ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ ድማ እንደገና ገለጹሎም።

"ካብ ቃዛ ጀሚርካ፡ እቲ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ ዘላቒ ሰላም መታን ክርከብ፡ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቅልጡፍ ተኹሲ ናይ ምቍራስ ስምምዕ ይገበር" ብምባል፡ "እቲ ልባዊ ድላይ ሰላም ንባእሲ ከጥፍእ፡ ፍቕሪ ጽልኢ ክስዕር፡ ሕነ ምፍዳይ ድማ ከብቅዕ" ጸሎት ኣዕሪጐም። ብይቕሬታ ዕጥቅኻ ክትፈትሕ ይከኣል ኢዪ" ድማ በሉ።

13 August 2024, 16:21