ካርዲናል ፓሮሊን - ‘ውግእ ንዋላ ሓደ ኣየኽስብን ኢዩ!'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰንበት ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔት ዘዕረግዎ ሓሳብ ጸሎት ብፍላይ ንዩክረይን ማእከላይ ምብራቕ ሱዳን ከምኡውን ምያንማር ብምጥቃስ ዓለምለኻዊ ሰላም ክሰብፍን ንዘቕርብዎ ዘለዉ ምሕጽንታ ከም ዝደገምዎ ዝዝከር ኢዩ።
እዚ ምሕጽንታ ቅዱስነቶም ድማ ኣብ ኣሲሲ ውን መቓልሕ መሊሱ ኢዪ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ኣብቲ ብምክንያት ክብረ በዓል ቅድስቲ ኪያራ ኣብቲ ንስማ እተወፈየ ባዚልካ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኢዩ ዝነብረ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዝለገስዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ "ካብ ኣሲሲ ናብ መላእ ዓለም ሰላም ንኽሰፍን ሓያል ጻውዒት ከቕሪብ እደሊ ኢየ" በሉ። "ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዝበልዎ ውግእ ናይ ሰብኣውነት ስዕረት ኢዩ፣ ንዋላ ሓደ እውን ኣየኽስብን ኢዩ።"
ኣብቲ ክብረ በዓል እቲ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒኮ ሶረንቲኖ ብዓል ኣሲዚ፣ እተን ድኻ ታት ክላራውያንን፣ ፍራንሲስካውያንን፣ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፣ በርገሳውያንን ወተሓደራውያን ሰበ - ስልጣንን ከምኡ ውን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ምእመናን ከም እተሳተፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት ።
ሻቕሎት ብዛዕባ ህልዉ ኩነታ ውግእ ዩክረይንን ምዕባለታቱን
ኣብ ወርሒ ሓምለ ክየቭን ኦዴሳን ከምኡውን ልቪፍ ክበጽሑ ናብ ዩክረይን ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ዝኸዱ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር፣ ኣብቲ ንጋዜጠይናት ዝሃብዎ መግለጺ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ውግእ መሊሱ ኸጋድዶ ይኽእል ኢዩ ዝብል ሻቕሎት ብምግላጽ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምዕራባዊ ዶብ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ዞባ ኩርስክ እተገብረ መጥቃዕቲ ከም ዘተሓሳስቦም ኣመልከቱ።" እዚ ሓድሽ ግንባር ምኽፋት ማለት ስለ ዝዀነ ኣዝዩ ዘጨንቕ ምዕባለታት ኢዩ" ድማ በሉ ። በዚ መዳይ እዚ ሰላም ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ እናረሓቐ ኪኸይድ ይኽእል እዩ" ክብሉ ውን ዘለዎም ሻቕሎት ገለጹ።
ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ ውግእ እውን ተዛሪቦም ኢዮም፣ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ድማ "ኣብዛ ፍቕሪ እናጐደላ ዝኸይድ ዘሎ ከምኡ ውን ፍቕሪ እናጠመየትን እትኸይድ ዘላ ዓለም" ፍቕሪ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስመሩሉ።
ኣብነት ቅድስቲ ኪያራ
ካርዲናል ፓሮሊን ኣስተንትኖኦም ብምቕጻል ቅድስቲ ኪያራ ሱር በተኻዊ ምርጫ ድኽነት ምውሳዳ፣ ነዚ ኣህላኺ ዝኾነ ሕብረሰብና ኣብነት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ "ብመወዓውዒታት ይኹን ብማሕበራዊ ምምስሳልን ተደሪኽካ ድሌታትካ ንምምላእ ልጓም ዘይብሉ ጻዕሪ ምግባር" ዘንጸባርቕ ኢዩ።
እዚ ዓይነት ኣነባብራ እዚ፡ ውዒሉ ሓዲሩ “ንሓጐስ ከም ዝለዓለ ሰናይን ምሉእ ዕላማ ህይወትን ከም ምዃኑ ዝገልጽ፡ ብኽነት ቁጠባዊ ጸጋታትን፡ ብከላን ምዝንጋዕንን ጥራይ ከም ዘስዕብ ከም ምዃኑ” ኣስተንተኑ።
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ቀቅድሚ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ጋዜጠኛታት ኣብ እተዘራረቡሉ እዋን ነዚ ነጥቢ እዚ ኣስሚሮምሉ፣ ሎሚ ካብ ፍቅረ ንዋያዊ ህይወት ምፍንጫል ክንመሃር ይግባእ፣ ብዓቢኡ ግን ዅሉ ግን "ካብ ርእሰ-ፍትወት፣ ውልቃውነትን ብሕታዊነትን ከምኡውን ከምቲ ቅድስቲ ኪያራን ቅዱስ ፍራንቸስኮስን ዝገበርዎ ንኻልኦት ብሓድነትን ብሰላምን መንድን ብኸመይ ክንቀርቦም ከምዘሎና ክንመሃር ኣሎና" ብምባል ገለጹ።