ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ እስያን ኦሻንያን ምልክት ኣዝዞኦም ንስብከተ ወንጌል ኢዩ
ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ክሳዕ ሕጂ ካብ ዝገበርዎ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ስፍሓት ዘለዎ ሓውርያዊ ምብጻሕ ክጅምር ተዳልዩም ኣለው፣ እዚ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት እስያን ኦሽያንያን ዳርጋ 40,000 ኪሎ ሜተር ዝሽፍ ጕዕዞ ክኸውን ኢዩ ። እቲ ኻብ 2 መስከረም ጀሚሮም ዘካይትዎ ሓውርያዊ ዑደት ኣብ ኢንዶነዥያን ፓፕዋ ኒው ጊኒን ምብራቕ ቲሞርን ሲንጋፖርን ዜጠቓልል ክከውን እዩ። እዚ ዑደት እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብእምነት ኣቢሎም ዓለምለኻዊ ሓድነትን ምርዳእን ዘተን ንምምሕያሽ ዝገበርዎ ቘራጽነት ዘመልክት ኢዩ ።
እቶም ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግለ እዚ ጕዕዞ እዚ ጸብለልትነት ንምምዝጋብ ዘይኰነስ ነቲ ተልእኾ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ንምርኣይ ምዃኑ ኣጕልሑ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ምብራቕ ብምትኳሮም ንምዕራባውያን ዕሽሽ ከም ዝበሉ ዝሕብር ርእይቶ ብምንጻግ ውን "ቅዱስነቶም ነዚ ጻዕሪ እዚ ምቕባሎም ትሕትና ኢዩ " በሉ ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንካቶሊካውያን ንምትብባዕን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ እተፈላለየ ዞባታት ሰላም ንምድንፋዕን ዝገብርዎ ዝለዉ ቀጻሊ ጻዕርታት ውን ኣጉልሑ ።
ኣገዳስነት ናይዚ ምብጻሕ
ኣገዳስነት እዚ ሓዋርያዊ ዑደት እዚ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ሰላምን ሓድነትን ንምድልዳል ኣብ ዘለዎ ተኽእሎ እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እታ ዝዓበየት ሃገር ዝዀነት ኢንዶነዥያ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ እምነታት ዘሎ ዘተን ምትሕብባርን ንምምሕያሽ ትጽቢት ይግበረሉ ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ መግለጺኦም ነቲ ናይ መጀመርታ ኣቦ መንበር ናይ ካቶሊክ መንበረ ጠበብ ዘወፈዮ መሬት ከም ምልክት ናይ እተፈላለያ ሃይማኖታት ሓባራዊ ምክብባር ገይሮም ብምጥቃስ ኣብ ኢንዶነዥያ ሕውነታዊ ህላዌ ከም ዘሎ ገለጹ ። ኣብታ ብዙሓት መንእሰያት ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ኣብ ጐድኒ ክርስትያን መዛኑኦም ወለንተኛታት ኰይኖም ዝስለፉላ መዓልቲ መንእሰያት ዝገበርዎ ተሳትፎ እውን ዘከሩ ።
ኣብታ ክርስትና ብተዛማዲ ሓድሽ ጅመሬ ዘለዋ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ነታ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ድሮ ሓደ ሰማዕት ፒተር ቱ ሮት ዝተሰምየ ኣወፍያትላ ኣላ። እታ እተፈላለየ ባህልን ቀቢላታትን ዘለዋ ሃገር ብዛዕባ ሰብኣዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ምስ ክርስትያናዊ ኣተሓሳስባ ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ፍሉይ ኣረኣእያ ዘለዋ ሃገር ኢያ ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ነቲ ኣብ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ከምኡውን ደሴታት ሰሎሞን ዝርከብ ዘርኣ ክህነታትን ዘርኣ ምንኵስናታትን ብምብጻሕ ዘሕለፍዎ ተመክሮታት ውን ኣካፈሉ።
እታ ኣብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሳልሰይቲ መዕራፍ ዝዀነት ሃገረ ምብራቕ ቲሞር ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ዀነ ተጻዋርነት ኣገዳሲ ቦታ ዘለዋ ኢያ። እታ ሃገር ናጽነታ ንምርካብ ኣብ ዝገበረቶ ቃልሲ፣ እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ወሳኒ ግደ ኣበርኪታ ኢያ፣ ንእምነት ህዝቢ ቲሞር ከኣ ብቐጻሊ እትድግፍ ዘላ ቤተክርስቲያን ኢያ። ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ድልዱል ኢዩ፣ መንግሥቲ እታ ሃገር ድማ ነቲ ምስ ቤተ-ክርስትያን እተተሓሓዘ ትምህርታዊ ኣገልግሎት ብዙሕ ኢዩ ዝድግፎ።
እታ ብቝጠባዊ ክእለታን ብተክኖሎጅያዊ ዕቤትን እትፍለጥ ሲንጋፖር ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ሓውርያዊ ምብጻሕ ናይ መወዳእታ መዕረፊት ክትከውን እያ ። እታ ሃገር ንሃይማኖታዊ ተጻዋርነትን ንዅሎም ምእመናን ዅለን ሃይማኖታትን ዘለዋ ቘራጽነት ብሓባር ከም እትነብር ህያው ኣብነት እያ ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ኣብ መንጎ ሥርዓተ ሕግን ዕቝባ ሃይማኖታዊ ሓርነትን ሚዛናዊ ምዃን ኣድላዪ ምዃኑ ውን ኣጕልሑ። እዚ ድማ ነቲ ሕግታት ንምሕላው ዝዓለመ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከዳኽም ዝኽእል ግርጭታት ከጋጥም ከም ዝኽእል ውን መጠንቀቕታ ሃቡሉ።
ኣገዳስነት ዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾ
እዚ ሓውርያዊ ጕዕዞ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዝካየድ ዝለኦ ዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾ ዘለዎ ኣገዳስነትን ጽልዋን ዜጕልሕ እዩ ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ብጥንቃቐን ብኣኽብሮትን ክመላለሱ ብምምሕጻን ንታሪኽ ወንጌላዊ ተልእኾ ብዘመናዊ ባህላዊ መነጽር ናይ ምትርጓም ዝንባለ ውን ኣመልከቱ ። ወንጌላዊ ተልእኾ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እኳ እንተ ተጀመሩን ንተልእኾ እንተተዋፈሩን በቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝነበሩ ሰባት ከም ዘይተታለሉ ኣጕልሑ። ብዙሓት ልኡካነ ወንጌል ምስ ስልትታት መንግስቶም ዚጻረር ስጕምቲ ወሰዱ ምእንቲ እምነቶም ከኣ ሰማእታት ኰኑ ክብሉ መስከሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምብጻሕ ነቲ ኣብ መንጎ ሰማእትነትን ተልእኾን ዘሎ ምስጢራዊ ማእሰር ዘረጋግጽ ኢዩ ። ብፁዕ ካርዲናል ታግለ ብዛዕባ ሃይማኖታዊ ናጽነት እተገብረ መጽናዕቲ ውን ጠቐሱ፣ እተን ብዙሕ ስደት ክርስትና ዘለወን ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ንክርስትና ዝቕበሉን ምስጢረ ጥምቀት ዝቕበሉ ዘለዉ ግን እና ወሰኸይ ይከይድ ከም ዘሎ ገለጹ ። እዚ ተርእዮ እዚ ኣብ ግዜ ጸበባ እውን ከይተረፈ እምነትን ተጻዋርነትን ከም ዘለውን ከምኡ ውን ወንጌል ኣብ ግብሪ ከም ከም ዝወዓለ ዘንጸባርቕ ሓቂ ኢዩ በሉ ። እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንብር ነተን ኣብቲ ኸባቢ ዚርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ደጋዊ ኣተሓሳስባን ባህልን ከይትቐበላ ነቲ ፍሉይ ባህለን ንኺፈልጣን ክነብርኦን ንምሕጋዝ ተባሂሉ ዝተመስረተ እዩ።
ኣብ ኣድማሳዊ ቤተ - ክርስትያን ዘሕደሮ ጽልዋ
ብሓፈሽኡ ክርአ ኸሎ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንዓለምለኻዊ ሓድነት ንምስፍሕፋሕን ሰላም ንምድንፋዕን ዘለዋ ቘራጽነት ሓያል መዘኻኸሪ ኢዩ። ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ክርስትያን ሒደት ዝዀኑሉ ዞባታት ብምብጻሕ፣ እታ ቤተ-ክርስትያን ምስቶም እተገለሉን ስደት ዝወረዶምን ማሕበረሰባት ሓድነት ከም ዘለዋ ዘርእዩሉ ምልክት ኢዩ ። እዚ ምብጻሕ እዚ ንእምነት ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ዘነቓቕሕን ዘደልድልን ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ፣ ኣብ ርእሲ እዚውን ናይ ኣብ መንጐ እምነታት ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከም ዝህሉ ዝገብር ኢዩ ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ኣገዳሲ ጕዕዞ እዚ ኺጅምሩ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ህዝብታት ምርዳእን ሰላምን ሓድነትን ንምድንፋዕ ዚገብርዎ ጻዕሪ ብሃንቀውታ እያ እትጽበዮ። እዚ ሓውርያዊ ምብጻሕ እዚ ተልእኾ እምነት ጥራይ ዘይኰነስ ናብ ሓንቲ ሓባራዊትን ስኒትን ዘለዋ ዓለም ዝግበር ጕዕዞ ውን ኢዩ ክብሉ መግለጺኦም ዛዘሙ።