ድለ

2024.08.05 Sanctuary of Our Lady of Good Health in Vailankanni 2024.08.05 Sanctuary of Our Lady of Good Health in Vailankanni 

ካዲናል ፈርናንደዝ ፦ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህንዲ ዚርከብ ቤተ መቕደስ ቫይላንካኒ

ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ፈናንደዝ ቅድሚ እቲ ኣብ ቫይላንካኒ ህንዲ ዝካየድ ንግደት ደብረ ቅድስተ ማርያም ዘጸፋ ጥዒና ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብቲ ቤተ መቕደስ መካነ ንግደት ዘለዎም ኣድናቖት እትገልጽ መልእኽቲ ኣመሓላለፉ፣ ነቶም ነጋድያን እንተላይ ነቶም ካብ ካልኦት ዘይክርስቲያናውያን ሃይማኖታት ዝኾኑ ሰባት ብዛዕባ ዘስተማቕርዎ መንፈሳዊ ጸጋ ድማ ኣስተንተኑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ነጋድያን ናብቲ ኣብ ግዝኣት ታሚል-ናዱ ህንዲ ዚርከብ ቤተ መቕደስ እኖና ድንግል ማርያም ዘጥዒና ብተኣማንነት ንግደት የካይዱ እዮም።

ብመሰረት እቲ ናይቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ "እቲ ኣብዚ ቅዱስ ቦታ ዚፈሪ ሓያሎ መንፈሳዊ ፍረታት ብምግንዛብ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ኣብዚ ቦታ እዚ ዚገብሮ ቐጻሊ ተግባር ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና፣" ክብሉ ኣመልከቱ።

እዞም  ካርዲናል ነዘን ቃላት እዚኣተን ኣብታ ብረሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ስምረት ዝተዋህባ ብዕለት 1 ነሓሰ እተጻሕፈት ደብዳበ ዝገለጽዎ መልእኽቲ እንክኸውን፣ ናብቶም ስዩም ጳጳስ ናይ ሰበኻ ታንጆር ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ  ሳጋያራጅ ታምቡራኽ እተላእከት መልእኽቲ ኢያ።

ቅዱስ መካነ ንግደት ብዕለት 8 መስከረም ንግደት ቅድስተ ማርያም ዘጥዒና ከኽብር እዩ ፣ እዚ ኣብ ቫይላንካኒ ዝካየድ መንፈሳውይነት ካብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ኣትሒዙ ክኽበር ዝጸንሐ እዩ ።

ሥራሕ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ብዙሓት ዘይክርስትያን ነጋድያን

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ መልእኽቶም "ምጽንናዕ ደልዮም ዝመጹ ብዙሓት ክርስትያን ዘይኰኑ ነጋድያን ተመሳሳሊ ተመክሮ እዮም ዝምስክሩ" ይብሉ። "ገሊኣቶም ካብ ሕማሞም ዝሓወዩ፣ ብዙሓት ከኣ ሰላምን ተስፋን ዝረኸቡ ኢዮም። ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣባታቶም ይዓዪ ኸም ዘሎ ኣየጠራጥርን እዩ።"

"እንተኾነ ግና እዚ ከም ሓደ ዓይነት ምትሕንፋጽ ወይ ምትሕውሳስ ሃይማኖታት ጌርካ ኺርአ የብሉን። እዛ ቤተ መቕደስ ናይታ ንዅሉ ሰብ እትቕበልን ነቶም ነቶም ዝቐርብዋ ፍቕሪ ጐይታ እትገልጽ ቅድስተ ማርያም እትግለጸሉ ቦታ ኢዩ። እቶም ምስጢራት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ክቕበሉ ዘይክእሉ ሰባት ግን ነቲ ኣደ ጐይታና ኢየሱስ ክርቶስ እትልግሰሎም ምጽንናዕ ኣይንፈጎምን ኢዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ 'ነዛ ቦታ እምነት እዚኣ' ዘለዎም ኣድናቖት

ብፁዕ ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ መልእኽቶም ብፁዕነቶምን ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ኣብቲ ብዕለት 1 ነሓሰ ዝለገስዎ ቃለ ማዕዳን መንፈሳዊ ጽባቐ ናይዚ ቦታ እምነት እዚ ኸም ዝዘከሩ ውን ገለጹ።

"ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ሕዝባዊ መንፈሳውነት እቶም ምእመናን ነጋድያን ብዙሕ ኢዮም ዝግደሱ፣ ከመይሲ እታ ቤተ-ክርስትያን ንኢየሱስ ኣብ ሕቝፊ ድንግል ማርያም ንዝደልዩ ከምኡውን ነቲ ስቓዩን ተስፋኡን ንልቢ ኣዲኡ ዘወፈየ ክርስቶስ ሃሰስ ኣብ ምባል ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ዘንጸባርቕ ኢዩ" በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዚ ቦታ እምነት እዚ ዘለዎም "ዓብዪ ምስጋና" ገሊጾም። ነቲ ኣብ ቤተ-መቕደስ ቫይላንካኒ ዚግበር ንግደት ናይ ወርሒ መስከረም ንምድላው ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዅሎም ነጋድያን ኣባታዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላልፉሉም ገለጹ።

ቀዳማይ ግልጸት ማርያም

ብመሰረት ሓደ ጥንታዊ ትንተና ከም እተገልጸ ድንግል ማርያም መጀመርታ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘመን ንሓደ ጸባ ተሰኪሙ ናብ ዓማዊሉ ዝኸይድ ዝነበረ መንእሰይ ተራዕየቶ፣ ነቲ ኣብ ሕቝፋ ዘሎ ህጻን ጸባ ክህባ ድማ ሓተተቶ ። እቲ መንእሰይ ብኡንብኡ ህራይ ቢሉ ሃባ፣ ኣብቲ ዓማዊሉ ዘለውዎ ቦታ ምስ በጽሖ ግን እቲ ጸባ ገና ኣብ መትሓዚኡ መልኡ ኸም ዘሎ ኣስተውዓለ ።

ካርዲናል ፈርናንደዝ ኣብ መልእኽቶም ከምዚ ይብሉ - "እዚ መግለጺ ናይቲ እቶም ኣብ ድኽነቶም ንኻልኦት ገለ ነገር ክህቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ዘርኣይዎ ልግሲ ኢዩ። ለጋስ ንምዃን ብዙሕ ክትረክብ ኣየድልየካን እዩ ። እዚ ጻውዒት እዚ ምስቶም ኣብዚ ቦታ እዚ ወትሩ ዝሓብሩና ሰባት ምእንቲ ኽንቀራረብ ንኽንሕግዞም ከምኡውን ክንወርቦም ጻውዒት ይቐርበልና ኣሎ። ድንግል ማርያም ነቲ ደቃ ዘርእይዎ ልግሲ ተፍቅሮ ኢያ።"

ለውሃት ድንግል ማርያም እመ ብዙኃን

እዞም ናይቲ ብዛዕባ ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ነቲ "ድንግል ማርያም ኣብዚ ቦታ ኣምልኾ እዚ ምስ ድኻታትን ሕሙማትን ደቃ እተራኸበትሉ ባህ ዘብል ልምድታት" ነኣድዎ። ስለዚ እታ ኢየሱስ ከም እመ ብዙኃን ገይሩ ክህበና ዝደለየ ማርያም ኣዴና እተርእዮ ለውሃትን ቅርበትን ተገሊጹ ኢዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣማላድነታ ብዙሕ ግዜ ሓይሉ ይገልጽን ንሕሙማት ከኣ ጥዕና ይህቦም ኢዩ።"

ወሲኾም ብፁዕነቶም ከምዚ ብምባል ተዘክሮኦም ገለጹ - "ብ2002 ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ መዓልቲ ሕሙማት ንምኽባር ነዛ ቦታ እቲኣ መረጹ ። ስለዚ እታ ኣብ ሉርደስ እተገልጸት ድንግል ማርያም እውን ኣብ ህንዲ ኣደ ጥዕና ምዃና ኣርኣየት፣" ክብሉ ውን መስከሩ።

ኣብ ቅድሚ ድንግል ማርያም ፍቕሪ ኢየሱስ ነስተማቕር

ካርዲናል ፈርናንደዝ "ኣካላዊ ጥዕና ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ንነፍሲ ዝትንክፍ ኩነት እውን እዩ" ክብሉ መልእኽቶም ደምደሙ። ኵላትና ንምስሊ እኖና ድግል ማርያም ብምስትንታን ነቲ ጓሂናን ስቓይናን ፍርህናን ኬሕውየልና ዚኽእል ፍቕሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ከነስተማቕ ንኽእል ኢና። ኣብ ቅድሚ ማርያም ሓንሳእ ደው እንተ ኢልና፣ ዋላ እውን ንሓጺር እዋን ብእምነትን ብፍቕርን እንተ ኣተኲርና ተሚትናያ ክንሓዊ ኢና።"

07 August 2024, 18:06