2024.07.31 Didier Grandjean, ex guardia svizzera, che si prepara per la sua ordinazione sacerdotale 2024.07.31 Didier Grandjean, ex guardia svizzera, che si prepara per la sua ordinazione sacerdotale 

ካብ ስዊዛዊ ወተሃደር ናብ ካህን - 'ብትሕትና ምግልጋል'

ዲድየ ግራንድየን ዝበሃል ወዲ 34 ዓመት መንእሰይ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝገበሮ ቓለ-መጠይቕ ካብ ልብሰሲ ጳጳሳዊ ወተሃደር ስዊዝ ናብ ልብሰ ተክህኖ ሮማውያን ንዝገበሮ ጕዕዞ ይዝክር። ታሪኹ ድማ ብዛዕባ ሓደ ብወተሃደራዊ ሥልጠናታ ዝዓበየ ግና ንጳጳስን ንቤተ-ክርስትያንን ብዝያዳ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ህየቱ ዝወፈየ ዝገልጽ ዛንታ ኢዩ።

ኣባ ተወለደ መብራህቱ ሃገረ ቫቲካን

ዲድየር ግራንድየን ኣብ ፍሪቡርግ ስዊዘርላንድ ካብ ሓንቲ መንፈሳዊት ስድራቤት ኢዩ ተወሊዱን ዓብዩን። ነቲ ናይ ወተሃደራት ስዊዝ ሥልጠናታት ምክትታል ጳጳሳዊ ወተሃደር ስዊዝ ኮይኑ ድሕሪ ምኽታቡ፣ ካብ 2011 ክሳዕ 2019 ከም ጳጵሳዊ ወተሃደር ስዊዝ ኮይኑ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣገልገለ ።

ወዲ 21 ዓመት ምስ ኰነ ወግዓዊ ኣገልግሎቱ ምፍላም ጕዕዞኡ ጀመረ ኣብ ኣገልግሎቱ ኸኣ "መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ብዙሃት ነጋድያን ይራኸብ ነበረ፣" በቲ ዓሚቝ እምነቶም ድማ ተመሰጠ።

ክቡር ኣብ ዲድየር ንዜና ቫቲካን ከም ዝገለጾ እዚ ንርእሱ ሓደ ፍሉይ "ብርሃን" ክረክብ ስለ ዝገበሮ ግዜ ወሲዱ ኺጽልን ኬስተንትንን ከኣለ።

እቲ ዘሕለፎ ኣገልግሎቱ ንመንፈሳዊ ብስለቱ ኣገዳሲ እዩ ዝነበረ ፣ በዚ ከምዚ ከኣ ኣብ መገዲ ጸዋዕታ ኻህናት ብወግዒ ንኽጕዓዝ ዜድልዮ መሰረታዊ መለለዪ እዩ ነይሩ ። ጸዋዕታኡ ዀይኑ እተሰምዖ መገዲ ድማ ክህነት ኮነ ።

ኣባ ዲድየር ግራድየን
ኣባ ዲድየር ግራድየን

ናብ ዘርኣ ክህነት ንምእታው ዝረኸቦ ደገፍ

ስድራቤቱ መንፈሳውያን ሰብ ሃይማኖት እኳ እንተ ኾኑ፣ በዚ ለውጢ እዚ ኣብ መጀመርታ ክግረሙ ትጽቢት ዝግበረሉ ኢዩ ዝነበረ ።

ይኹን እምበር እቲ ኻብቶም ዜፍቅሮም ስድራቤቱ ዝረኸቦ ኣወንታዊ ምላሽን ደገፍን ነቲ መንፈሳዊ ጽሕፍቶኡ ዝነበሮ ቘራጽነትን ምትእምማንን ተብዓት ኮኖ ። ኣቦ ግራንድየን ቅድሚ ሙማቱ  "ኪድ ቀጽሎ እዚ ጸዋዕታኻ ኢዩ!” ዝብል መልእኽቲ ጸሓፈሉ።

ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ሰራዊት ስዊዘርላንድን ዘሎ ርክባት

ግራንድየን ኣብቲ ብ2013 እተገብረ ምርጫ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኮንክላቭ ዕቤትን ምሳሌን ቤተ ክርስትያን ከምኡ’ውን ተወፋይነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዓይኑ ርእዩ ተሞኪርዎ እዩ ።

እቲ ህሞት እቲ እተረድኦ ክብርታት ምስ ትውፊትን ሓድሽ ምህዞን ድሕንነትን ክብርን ኣገልግሎትን መዳርግር ዘይብሉ ኢዩ ዝነብረ፣ እዚ ስርዓተ ክብርታት እዚ ኸኣ ቀንዲ መሰረት ሃገረ ቫቲካንን ከምኡውን ጳጳሳዊ ሰራዊት ስዊዘርላንድ ኢዩ።

ሓደ ኻብቲ ስዊዛዊ ወተሃደርን ካህንን ንምዃን ዘኽኣሎ ነገራት ስነሥርዓትን መዕበያን ኢዩ ዝነብረ።

ግራንድየን ንኻልኦት ምውፋይን ወይ ንዕላማ ነቕ ዘይብል ተሰጥዎ ምሃብ "ጸሎት ከም ውግእ እዩ" ብምባል ጽንዓት ከም ዝሓትት ይምስክር።

ግራንድየን ከም ስዊዛዊ ወርሃደር ኮነ ኣብ ዘርኣ ክህነት ካብቲ “ኣገልጋሊ ናይቶም ኣገልገልቲ ኣምላኽ” ዝብል መንፈሳዊ ጭርሖ ግልጸት ረኺቡ ኢዩ ። ነዚ ጥንታዊ ጭርሖ ጳጳስ እዚ ግድን ዋላ ሓንቲ መኽሰብ ከይተጸበየ ንገዛእ ርእሱ ብዓብዪ ትሕትና ኺፍጽሞ ከም ዚደሊ ገይሩ ተርጒሞ።

ናይ ተጸምዶ ቅልውላው

እቲ ኣብ ፍሪቡርግ ዝርከብ ዘርኣ ክህነት ነቲ ክትምርዖ ብዘይምኽኣልካ ክስምዓካ ዝኽእል ጽምዋ ኸም እትምኮሮ ብምግላጽ ኣገልጋሊ ናይቶም ኣገልገልቲ ኣምልኽ ዚበሃል ማሕበራዊ መዳይ እንታይ ምዃኑ ከም ዝገለጸሉ የዘንቱ ። ይኹን እምበር ነቶም ዓለማውያን ምእመናን ዝዀኑ ብጾቱ ኣብ ዚህቦ ኣገልግሎት ከምዚ ዓይነት ናይ ስድራ ቤት ፍቕሪ ኺስምዖም ከም ዝጸዓረ ውን መስከረ ።

ግራንድየን ኣብቲ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ እናወሰኸ ዝኸደሉ ዘሎ ከምኡውን ኣገዳስነት መስዋእትን ነባሪ ተጸምዶን ኣብ ክህነት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ሓዳር እውን እናሃሰሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፣ ከምኡ ውን ኣብቲ "ማሕበረሰብኣዊ ምቾት" እናወሰኸብ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ዝለዎ ሻቕሎት ውን ገለጸ።

ስለዚ "ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ምሳኻ ኪኸውን እዩ" ብምባል ንሰባት መገዲ እምነት ንኺስዕቡ ትብዓት ኪህልዎምን ሓጐስ ኪረኽቡን ከም ዝተማሕጸኖም ድማ ዘከረ።

ኣባ ዲድየር ግራድየን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ኣባ ዲድየር ግራድየን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት

መልእኽቲ ተስፋ

ቍጽሪ ኻህናት ወይ ጸዋዕታ ሰብ ውፉይ ህይወት እናነከየ ይኸይድ እኳ እንተ ሃለወ ብዘየገድስ ሰባት ካብ ምኩራት ካህናት ምኽሪ ይደልዩ፣ ኣብ ቤተክርቲያን ካህናት ምህላዎም ከኣ ሓጐስን መምርሕን ይህቦም በለ።

ግራንድየን ነቲ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ሰራዊት እንክሎ እተሰምዖ ስምዒት ዚሓቍፍ መልእኽቲ ብምምሕልላፍ ቃለ መሕትቱ ዛዘመ ።

ቤተ-ክርስትያንን ኣገልገልታን ወትሩ ንሰባት ክድግፉ ኣለዎም፣ ከመይሲ "እቲ ኻብ ናይ ቀደም ህይወትኩም ዝመነንክምዎ ነገር ሚእቲ ካዕበት ኮይኑ ኢዩ ዝምለሰልኩም" በሉ።

08 August 2024, 17:58