2024.08.09 Vaticano Piazza San Pietro Petersdom Petersplatz 2024.08.09 Vaticano Piazza San Pietro Petersdom Petersplatz 

ቅድስቲ መንበር ነቶም ቻይናዊ ጳጳሳት ወግዓዊ ተፈላጥነት ምርካቦም 'ኣወንታዊ ውጽኢት' ምዃኑ ትገልጽ

ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር መንግስቲ ቻይና ንብፁዕ ኣቡነ መልኽዮር ሺ ሆንግዠን ከም ጳጳስ ቲያንጂን ብወግዒ ኣፍልጦ ብምሃቡ ቅድስቲ መንበር ዝተሰምዓ "ዕግበት" ዘመልክት መግለጺ ኣውጺኡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ትማሊ ሰሉስ ዕለት 27 ነሓሰ 2024 ብፁዕ ኣቡነ መልኽዮር ሺ ሆንግዠን ብሲቭላዊ ዕላማታት ከም ጳጳስ ቲያንጂን ኰይኖም ብወግዒ ተፈላጥነት ከም ዝረኸቡ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜና ክፍሊ ማሕተምን ኣብ ዝህቦ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዝተሰምኣ ሓጐስን ዕጋበትን ኣመልኪቱ።"

እቲ ዝወጸ መግለጺ ወሲኹ "እዚ ስጕምቲ እዚ ናይቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን  መንግስቲ ቻይናን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እተመስረተ ዘተ ኣወንታዊ ውጽኢት ኢዩ " ይብል ።

ብፁዕ ኣቡነ መልኽዮር ሺ ሆንግዠን ብ1929 ተወልዱ፣ ብዕለት 4 ሓምለ 1954 መዓርገ ክህነት ተቐበሉ፣ ብዕለት 15 ሰነ 1982 ድማ ናይ ሰበኻ ቲያንጂን ተካኢ ጳጳስ ኮይኖም ተቐብኡ።

ኣብ ወርሒ ሰነ 2019 ንኣቡነ ስተፋኖ ሊ ሳይድ ድማ ተክኡ ። ሰበኻ ቲያንጂን ኣብ 21 ኣብያተ-ክርስትያን ብገምጋም 56,000 ዝዀኑ ምእመናንን 62 ካህናትን ዘለዎ "ብዙሓት" ገዳማውያን ሰብ ውፉይ ሕይወት ውን ዘጠቓልል ምኹኑ ውን እቲ ሰበኻ የመላኽት።

29 August 2024, 09:27