ቅድስቲ መንበር፦ ባህሊ ሰላም ከም ዘስፋሕፍሕ ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ተረጋግጽ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 2 ነሓሰ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት "ንሕጅን ንመጻእን ወለዶታት ባህሊ ሰላም ንምዅስኳስ" ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ባህሊ ሰላም ዝምልከት ላዕለዋይ መጋባእያ ተኻየደ ። እቲ መጋባእያ መበል 25 ዓመት ናይቲ ብዛዕባ ባህሊ ሰላም ዝገልጽ ኣዋጅን ውጥናትን ስጕምትን ው. ሕ. ሃ. ብምዝካር ዝተኻየደ ኢዩ ዝነበረ።
ን25 ዓመታት ኣብ ዕቤት ሰላም ምሕናጽ
እቶም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ኣብ ዝርከብ ቤተጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ኣብቲ ላዕለዋይ መጋባእያ ብሓጐስ ብምስታፍ ሰላም ንምምዕባልን ንምምሕያሽን ቈራጽነት ከም ዝገበሩ ድማ ኣረጋገጹ። ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ጋብሪየል ካቺያ እዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣብቲ 25 ዓመት ይገብር፣ ኣብ ዝወጸ ናይ መጀመርታ ኣዋጅ ተገሊጹ ከም ዘሎ "ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሕብረተሰብ ባህሊ ሰላም ንምምሕያሽ ዘኽእል ድልዱል መሰረት" ክህነጽ ከም ዘፍቅድ ገለጹ።
ሰላም ኣብ ምድሪ ሎሚ
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ነታ ቕድሚ ስሳ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሃንስ መበል 23 ዝጸሓፍዋ ዓዋዲት መልእኽቶም ብምዝካር፣ ኣብ ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን ሓርነትን ኣድማሳዊ ሰላም ብዛዕባ ምምስራት ከምዚ በሉ - "ሰላም ንምህናጽ እተገብረ ብሉጽ ምሕጽንታ" እዚ ድማ ሎሚ ምኽንያት ሰላም ንምድንፋዕ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ህጹጽን ኣገዳስን ኢዩ ድማ በሉ።
ብሰብኣዊ ኽብሪ ምምሳጥ
ናይ ሰላም ባህሊ ንምስፋን ኣብ እንገብሮ ጻዕሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘለዎ ክብሪ ኣፍልጦ ክወሃበሉ ከም ዘለዎ ሊቀ - ጳጳሳት ካቺያ ገለጹ ። ነዚ ብዛዕባ ሰብ ዚገልጽ ሓቂ ኣፍልጦ ምሃብን ስጕምቲ ምውሳድን ሰላም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሑ፣ ቈልዑ "ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዚወሃቦም ሰብኣዊ ኽብሪ ሓባራዊ ምርዳእ ክረኽቡ" እዚ ምርዳእ እዚ ኣብ ውሽጢ ስድራቤትን ትምህርትን ኪመሓላለፍ ከም ዚኽእል ድማ ኣጕልሑ። ክእለቶም ኬማዕብሉን ናይ ገዛእ ርእሶም ሞያ ንኺጅምሩ ኣብ ዝደለውሉ ግዜ እውን ክቕጽል ኣለዎ ።
ሓድነት ዓለምለኻዊ ብምግባር፣ ፍትሒ ንምርካብ ምዕያይ
ሰላም ንምርካብ ዝግበር ካልእ ኣገዳሲ ስጕምቲ ኸኣ ኣብ ማሕበራውን ቍጠባውን ጕዳያት ብፍላይ ከኣ ንድኽነትን ጥሜትን ዘይማዕርነትን ዝምልከት ጕዳያት ብምፍታሕ፣ ፍትሒ ንምትካል ምዃኑ ብፁዕ ሊቀ - ጳጳሳት ካቺያ ገለጹ ።
ድሕርዚ ዓለምለኻዊ ሓድነት ክምዕብል ከም ዘድሊ ውን ኣመልከቱ፣ ከመይሲ ኵሉ ሰብ ኣይኰነን ካብቲ ዓለምለኻዊ ብልጽግና ዘምጽኦ ኣወንታዊ ምዕባለታት ክጥቀም ዝኽእል ዘሎ፣ እቶም ዕድለኛታት "ዜጋታት ዓለም" ክዀኑ ክኢሎም ኣለዉ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ በቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተርእዮ ስደተይናታት ክርአ ኸሎ "ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ዜግነት ዘይብሎም" ኰይኖም ኣለዉ።
ናጽነት ንኵሎም
ኣብ መወዳእታ ንሰብኣዊ ምዕባለ ብፍላይ ከኣ ንሓይማኖታዊ መዳያት ከምኡውን ንእምነታት ብናጻ ናይ ምግላጽ ድሌታትና ንምስዓብ ከምኡውን ኣብቲ ኽብልጽግ ዝኽእል ባህሊ ሰላም ከም ዝህሉ ዝገብር ሕብረተሰብ ንምስታፍ ናጽነት ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ናጽነት ንርእሰይ ይጥዓመኒ ምባል ጥራይ ዘይኰነስ "ንጥቕሚ ኻልኦት ንሓባራዊ ጥቕሚ ኢልካ ናይ ምፍቃርን ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይን ናጽነት" ምዃኑ ገለጹ።
ኣብ መደምደምታ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ካቺያ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዛረብዎ ቃላት ብምዝካር ከምዚ በሉ - "ሰላም ፍረ ናይቲ ንኻልኦት በቲ ዘይግለጽ ክብረቶም ኣፍልጦ ዝህብን ዝቕበሎምን ርክብ ከምኡውን ምሉእ ሰብኣዊ ዕቤት ናይ ኵሎም ውልቀ-ሰባትን ህዝብታትን ኣብ ምድላይ ዘሎ ምትሕብባርን ቈራጽነትን ኢዩ" በሉ።
እቲ ብዛዕባ ባህሊ ሰላም ዝዝቲ ላዕለዋይ መጋባእያ 25 ዓመት ይገብር ብዕለት13 መስከረም 1999 ሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. ብዛዕባ ኣዋጅን ውጥንን ንሰላም ዝገልጽ ናይ ኣቕዋም መግለጺ 53/243 ኣጽደቐ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እዚ ሓፈሻዊ ባይቶ ንደቅሰብን ንዚመጽኢ ወለዶታትን ዚጠቅም ነባሪ ዋጋ ኸም ዘለዎ ብምጕላሕ ባህሊ ሰላምን ርግኣትን ንምድንፋዕ ኣብዚ መዳይ እዚ ዓመታዊ ውሳነ ኣጽዲቑ ኣሎ።