ድለ

FILES-TURKEY-AFRICA-INDUSTRY-DEFENCE FILES-TURKEY-AFRICA-INDUSTRY-DEFENCE  (AFP or licensors)

ቅድስቲ መንበር፦ ተክኖሎጂ ንሰብኣዊ ህይወት ኬመሓይሾ ደኣ እምበር ንምጥፍኡ ክኸውን የብሉን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስክቶ ህይወት ሰባት ንምምሕያሽ እንተ ዘይኮይኑ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ኺግበር ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ሓደገኛ ዝዀነ ኣጽዋር ኪእገድ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞምዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ-ጳጳሳት ኤቶረ ባለስተሮ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብቲ ኣብ ጀኔቫ ዝርከብ ዓውደ ጉባኤ ው. ሕ. ሃ. እተኻየደ ኣኺባ ብዛዕባ ኣድላይነት ቍጽጽር ምዕባሌ ሰብ ኣልቦ ናይ ውእግዕ ኣጽዋር ኣመልኪቶም መደረ ኣቅሪቦም።

እቶም ንውድብ ሕቡራት መንግስታትን ንኻልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን ኣብ ጀኒቫ ቐዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ባለስትሬሮ፣ ነቲ ብዕለት 26 ነሓሰ ብዛዕባ እቲ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ተክኖሎጂ ዝገልጽ ናይ 2024 ጕጅለ ክኢላታት መንግስቲ ኣብ ካልኣይ ክፍለ - ግዜ እተገብረ ጉባኤ ኢዮም መደረኦም ዘቕረቡ ።

ሊቀ-ጳጳሳት ባለስተሮ ኣብ መኽፈቲ መደረኦም ኣብ ውርሒ ሰነ 2024 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንመራሕቲ ናይተን ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት G7 ካብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብምጥቃስ ተክኖሎጂካዊ ሕጊ ምእጋድ ኣድላዪ ምዃኑ ንዝበልዎ ቃላት ደገምዎ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደቂ ሰብ ንዝዀነ ይኹን ኣጽዋር ወትሩ ኺቈጻጸርዎ ኸም ዘለዎም ገለጹ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ዝዀነ ይኹን ሰብ ዝሰርሖ መሳርሖ ንህይወት ሰብ ከጥፍእ ባዕላዊ ምሳኔ ናይ ምውሳድ ክእለት ክህልዎ የብሉን" በሉ።

ሊቀ-ጳጳሳት ባለስትሬሮ ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎም ዝምራሕ ኣሰአር ዝግበር ምርምር ንምቍጽጻር ከምኡውን ንምዕባሌኦምን ንኣጠቓቕማኦምን ግዜ ምውሳድን ንምቍጽጻር ሕጋዊ ቀያዲ ስምምዕ ክገብር ከም ዝድሊ ገለጹ።

ሃገራት ንሕግታት ነዚ ከምዚ ዝመሰለ ኣጽዋር ንምፍታን ድራማታት ውግእ ይጥቀማ ምህላወን ውን ዘለዎም ጓሂ ገለጹ።

"እዚ ዓውደ ውግእ ነቲ ብሰንኪ ዕጥቃዊ ግጭታት ዝመጽእ ዘሎ ስቓይ ክበድ ወሲኹሉ ኣብ ዘሎ እዋን ዝያዳ እተራቐቐ ኣጽዋር ንምፍታን መሰረት ኰይኑ ምህላዉ ኣዝዩ ዘጨንቕ ኢዩ" በሉ።

ሊቀ-ጳጳሳት ባለስተሮ ቅድስቲ መንበር ነቲ ው. ሕ. ሃ. ምስዚ ሕጂ ዘሎ ስርዓታትን ኣህጉራዊ ስርዓታትን ዚሰማማዕ እንተ ዀይኑ ብልክዕ ንምግምጋም ዚገብሮ ጻዕርታት ከም እትድግፎ ውን ኣመልከቱ።

ሊቀ-ጳጳሳት ባለስትሬሮ ኣስዕብ ኣቢሎም እቲ ቅድስቲ መንበር እዞም ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝምርሑ ኣጽዋር "ብስነ-ምግባር ተሓታትነት ዘለዎም ሓላፍነት ዝስከም ኣካላት” ጌርካ ኺርአ ኸም ዘይከኣል ውን ገለጹ።

"እቲ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ሰብ ክሳዕ ክንደይ እተሓላለኸ ይኹን ብዘየገድስ ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ብሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ውሳኔ ናይ ምውሳድ ሓላፍነቱ ክትኻእ ዘይከኣል  ስነ-ምግባራዊ ውሳነ ናይ ምግባር ፍሉይ ክእለት ኣለዎ" በሉ።

ሊቀ-ጳጳሳት ባለስተሮ ኣብ መንጎ "ምርጫን" ከምኡውን "ውሳነን" ዘሎ ስነ-ምግባራዊ ፍልልይ ጠቐሱ።

ሓደ ውሳነ ኻብ ቀሊል ምርጫ ንላዕሊ ከምኡውን ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ግዴታታትን ኣብ ግምት ምእታው ዘጠቓልል ግብራዊ ገምጋም ከም ዘድልዮ ኣመልከቱ።

"ሰብ ዝሰርሖም መሳርሒታት ተክኒካዊ ምርጫታት ጥራይ ከም ዝድግፉ ብምሕባር፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ 'ደቅሰብ ይመርጹ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ልቦም እውን ውሳነ ኺገብሩ ኸም ዚኽእሉ' ኢዮም ክብሉ ንእዛረብዎ ቃለአት ውን" ዘኪሮም።

ስለዚ ሊቀ-ጳጳሳት ባለስትሬሮ ኸም ዝገለጽዎ ቅድስቲ መንበር ደይ መደይ ኢልካ ንሰብኣዊ ኽብርን ስነ-ምግባራዊ ጕዳያትን ዜመልክት ቋንቋ ኺዝረብሉ ከም ዘለዎ ተነቓቕሕ ክብሉ ውን ኣመልከቱ።

ኣህጉራዊ ውዕላት ማለት "ሰብኣዊ ክብሪ ንባዕሉ ኣብኡ እዩ ዚምርኰስ " በሉ ።

ኣብ መደምደምታ እዞም ኣብ ጀኒቫ ዝርከቡ ቀዋሚ ተዓዛቢ ቅድስቲ መንበር ዝያዳ እተራቐቐ ኣጽዋር ምምሃዝ ንጸገማት ዓለም ፍታሕ ከም ዘይከውን ገለጹ ።

ከምዚ ድማ በሉ - "እቲ ደቅሰብ ካብዚ ሕጂ ዘሎ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ዘጠራጥር ረብሓታት ኣብቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለ ምስቲ ንተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ዘይንጸል ዕቤት ክብሪ ደቅሰብን ሓባራዊ ጥቕምን ዘደንፍዕ እኹል ምዕባለን ሓላፍነትን ስነ - ምግባራዊ ስርዓታትን ኣብ እተሰነ ደረጃ ምዕባሌ ዝምርኰስ ምስ ዝኸን ኢዩ " ክብሉ መደረኦም ዛዘሙ።

31 August 2024, 09:02