2024.08.08 Philippines communications Peter Monthienvichienchai 2024.08.08 Philippines communications Peter Monthienvichienchai 

ኣብ ዘመነ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት መጻኢ ጋዜጠኛታት ንሲኖዳውነትን መፍትሔን ይጽቅውዑ

እቶም ዋና ጸሓፊ ሲኚስ እተሰምየ ናይ ዓለማውያን ምእምነና ምቅስቓስ ሰብ ሞያ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዝኾኑ ዶ/ር ፒተር ሞንቲየንቪቺ ኣብቲ ኣብ ፊሊፒንስ እተገብረ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሃገራዊ ዋዕላ ሓደ ኣገዳዊ መደረ ኣስምአ፣ እዚ ድማ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንሓቀይና ሰብኣዊ ርክባት ብኸመይ ከማዕብል ከም ዝኽእ ወይ ከደንፍዕ ዝከኣሎ እንተኾይኑ ዘረኾረ ኣስርእስቲ ኢዩ ዝንበረ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ባታንጋስ ፊሊፒንስ እተኻየደ ሃገራዊ ማዕላ ካቶሊካዊ መራኸቢ ብዙሓን 2024፣ ሰብ ሞያ መራኻቢ ብዙሓንን ኣብ ስራሖም ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ምስትውዕሎት ንምምያት እተራኸቡሉ ዓቢይ ጉባኤ ኢዩ ዝነብረ።

እቶ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሲኚስ እተሰምየ ማሕበር ዓለማውያን ምእምናን ሰብ ሞያ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ ዝኾኑ ዶ/ር ፒተር ሞንቲየንቪች ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ተልእኾኡ ንሓቅነት ደቅሰብ ከመሓይሽ ዝኽእል እንተ ዀይኑን ብኸመይን ምዃኑ ይዓዪ ከም ዘሎን  ኽግምገም ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሑ ።

ዶ/ር ሞንቲየንቪች ኣብ ዝለገስዎ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል ወሳኒ ሕቶ ኣቕረበ - "ኣብ ኣገልግሎታትና መዓስን ብኸመይን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ክንጥቀም ከም ዝግብኣና ኣብ እንውስነሉ ወሳኒ ግዜ ኢና እንርከብ ዘሎና፣ ኻብ ኣንበብትና ማለት ቍምስናታትን ዝያዳ ከም እንርሕቕ ይገብረና ከይህሉ ኸ ኣስተውዒልና ዶ ኣሎና? "

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብ ኣገልግሎትና ቅልጣፈን ስሉጥነትን ዚህበና እኳ እንተ ዀነ መስርሕን ምስቶም እነገልግሎምና ሃበሬታ እንህቦም ዘሎና ሰባት ዚግበር ናይ ሲኖዳውነት ጕዕዞን ግን ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕልሐ።

"መብዛሕትኡ ግዜ ሓቀይና ምስማዕን ጽን ምባል መስርሕ ጥራይ ዘይኰነስ መፍትሒ እውን ኢዩ " በለ።

እቲ ብሓባር ምጕዓዝን ንሓድሕድካ ብሓቂ ጽን ምብህሃልን ዘጠቓልል ሲኖዳውነት ዝብል ኣምር፣ ቀንዲ መልእኽቲ ዶ/ር ሞንቲየንቪች ኢዩ ዝነበረ ። ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ርሕቐት ኣብ ክንዲ ዚፈጥር ኣብ ማሕበረሰብን ሓድነትን ምቅርራብን ከም ዜስፋሕፍሕ ኪገብር ተማሕጸነ ።

ዶ/ር ሞንቲየንቪች ነቲ ኣብ ጐኒጐኒ ጸገማት ኪህሉ ዚኽእል ፍታሕ ብምቕራብ ኣብ ጸብጻብ ዜተኵር ጋዜጠይናነት ፍታሕ ከም ክኸውን ከም ዝኽእል ውን ኣመልክረ ።

ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ሓበሬታ ኣብ ምምርማርን ኣንፈት ኣብ ምልላይን ክትሕግዝ ከም እትኽእል ሓሳብ ውን ኣቕረበ፣ እንተዀነ ግን ዕላማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ግምት ከነእቱ ኸም ዘሎና ውን ኣጕልሐ።

ብዛዕባ እቲ ናይ መወዳእታ ዕዉት ተልእኾ እንተዀነ ግን ነቲ ኣብ መገዲ ዘጋጥመና ብድሆታትን ፍሽለታትን እውን ብማዕረ ንምሽፋ ክንሰርሕ ከም ዝግባእ ተማሕጸነ።

እዚ ኸኣ ነቶም ክፍሊ እቲ ተልእኾ ዘይኰኑ ምናልባት እውን ነቶም ሰዓብቲ እምነት ካቶሊክ ዘይኰኑ ሰባት፣ ቤተ-ክርስትያን ነቶም ኣብ ጫራት ሕብረተሰብ ዘለዉ ንምድጋፍ እንታይ ትገብር ከም ዘለዋ ምሉእ ብምሉእ ንኽርድእዎ ከም ዘኽእሎም ሓበረ።

ኣብቲ ዋዕላ ኣብ እተመሓላለፉ ትምህርትታትን ምይይጥ ዘተ ጕጅለታትን ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ዘሎ ግብራዊ መስርሓት ውን ዝምርምር ኢዩ ዝነብረ ።

መራሕቲ ኢንዳስትሪታት ድማ ብሉጽ ዝኾነ ተግባራዊ መስርሓት ብዛዕባ ኣቕምታት ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብምርኳር ሓሳባት ኣካፊሎም።  ይኹን እምበር ሰብኣዊ ምቍጽጻርን ስነ-ምግባራዊ ኣጠቓቕማ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት መዓል ሕድር ዘይብሉ ኣገዳስነት ከም ዝድልዮ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

እቲ ጭርሖ ናይቲ ዋዕላ "ሓቀይና ጽልዋ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣብታ ዝሰልጠነት ቤተ-ክርስትያን" ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ እንክኸውን፣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ለውጢ ናይ ምግባር ተኽእሎ ከም ዘሎ ዘጕልሕ ኢዩ ዝነብረ።

እቲ ሃገራዊ ዋዕላ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ 2024 (NSCC2024) ካብ 5-8 ነሓሰ 2024 ኣብቲ ኣብ ባናይ-ባናይ ሊፓ ባታንጋስ ፊሊፒንስ ዝርከብ ናይ ኣኳማሪን መዘናግዒ ማእከል ኢዩ ተኻይዱ።

10 August 2024, 09:41