ዶ/ር ራፊኒ፦ መሪሕነት ቤተ ክርስትያን 'ንስነ ምግር ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI)' ከማእዝኖ ኣለ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ናይ ኤለክትሮኒካዊ ዓለም ብቅድመ ምድላው እተሰናደወ ኣይኰነትን። መዓልታዊ ይቕየር ኢዩ ዘሎ። ንሕና እውን ብወገና ለውቲ ክንገብረሉ ንኽእል ኢና ። ክንቀርጾን ከነማእዝኖን ዝከኣል ኢዩ ። ነዚ ንምግባር ከኣ ብፍቕርን ብሰብኣዊ ምስትውዓልን ዝተሓንጸ ካቶሊካዊ መራኸቢ የድልዩና ኢዩ፣" በለ ።
ኣብቲ ብዕለት 5 ነሓሰ ኣብታ ኣብ ደቡብዊ ማኒላ እትርከብ ከተማ ሊፓ እተገብረ 7ይ ሃገራዊ ዋዕላ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ (NCSCC) ኣብ ዘመሓለፎ መደረ ናይቲ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ህየንተ ብዛዕባ ናይ ዜና ቫቲካን ጥሙር ኣገልግሎት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ቤተ-ክርስትያን ንተክኖሎጅያዊ ምዕባለታት ብስነ-ምግባራዊ መስመር ንምምእዛን ኣብ ሰብኣዊ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ኣጕልሐ።
ስለዚ እቲ መሰረታዊ ሕቶ ብዛዕባ ኤክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዘይኰነስ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እዩ። ተክኖሎጂ ክትክም ዘይክእል ማለት ከም ሓርነት፣ ናይቲ ኣብ መንጎ ሰባት ብዘሎ ርክባት ዚፍጸም ተኣምር፣ ናይ ዘይተጸበኻዮ ነገር ኣድናቖት፣ ለውጢ፣ ብልሓት፣ ብሉጽነት ናይ ፍቕሪ ዝኣመሰለ ነገራት ቴክኖሎጂ ኪትክኦም ነገራት ኵሉ ሳዕ ኣለው ክህልዉ እውን እዮም " በለ ።
እዚ ብቤት ምኽሪ ማሕበራዊ ርክባት (ECSC) ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ፊሊፒንስ (CBCP) ዝተወደበ ዋዕላ፣ ንምዕባሌታትን ሓደጋታትን ናይቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብምድህሳስ፣ ብዛዕባ እዚ ምዕባሌ እዚ ኣወንታዊ ውጺት ከምዝህልዎ ንምግባርን ነቲ ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ንምምልካት ሓሳባት ዘቕርብ ኢዩ።
ኣብ መኽፈቲ ሥነ-ስርዓት እቲ ዋዕላ ኣቦ መንበር ጉባኤ ጳጳሳት ፍሊፒን ብፁዕ ኣቡነ ማርሰሊኖ ኣንቶንዮ ማራሊት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ሰብ ሞታ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክ፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ንቤተ-ክርስትያንን ንሰብኣዊ ስድራቤትን እንታይ ትርጕም ከም ዘለዎ ኣዘኻኸሩ።
"እቲ ክቕየር ዘለዎ ባህላዊ ክውንነት ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ዘሎናዮ እዋን ናይ ለውቲ ግዜ ኢዩ" በሉ። ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ቃላት ብምድጋም ድማ "ነቲ እናኣስፋሕፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ተክኖሎጂያዊ ምዕባለታት ብጥንቃቐ ክንከታተሎ ኣሎና" በሉ።
"ስለምንታይ ኢና እምበኣር ኣብዚ ኾፍ ኢልና ኽንዛረብ ክንሰምዕ ከምኡውን ከነስተውዕል እንኽእል እንርከብ ዘሎና? ምኽንያቱ ሕጂ ኣብ ሓድሽ ዘመን ለውጢ እንርከብ ስለዘሎና ኢና" በሉ።
እቲ ኻብ ዕለት 5 ኽሳዕ 8 ነሓሰ ዚካየድ ዘሎ ዋዕላ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ 86 ሰበኻታት ልዕሊ 300 ዝኾኑ ኣገልገልቲ ሰብ ሞያ መራኸቢ ብዙሓን ካቶሊክን ኣገልገልቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን እተረኽቡሉ ዋዕላ ኢዩ።
ዶ/ር ፓውሎ ራፊኒ ነቲ ኣብ ዙርያ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) እተገብረ ዘተ ከም ተክኖሎጅያዊ ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ቤተ - ክርስትያን ንጡፍ ተሳትፎ ክህልዋ ዝሓትት ዓሚቝ ስነ - ምግባራውን ፍልስፍናውን ሻቕሎት ከም ዘለዉ ብምምልካት መደረ ኣቕረቡ ።
"ቴክኖሎጆያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ሕግታት የድልዩና ኣለው፣ ስነ-ምግባራዊ መምርሒ የድልየና ኣሎ፣ ፍልስፍናውን ሥነመለኮታውን ትንታኔታት ውን የድልየና ኣሎ ። ክንዮ ኽንጥምት ኣሎና ። ተገዳስነትን ሓላፍነትን ውን የድልየና እዩ ። እዚ ኸኣ ንፖለቲካን ንፈላስፋታትን ንመምህራንን ከምኡውን ንቤተ-ክርስትያን ብድሆ ዝኸውን ዘሎ ኢዩ" በለ።
እዚ ናይ ቅድስቲ መነብር በዓል መዚ ኣብ መደረኡ ነዚ እንተ ዘይተቘጻጺርናዮ፣ ነቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ማሕበራዊ ዘይማዕርነትን ርእስኻ ምግላልን ኬጋድዶ ዘኽእል ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ዘለዎ ዓቕምታት ዘለዎ ስግኣታት ኣካፈለ።
"እቲ መሰረታዊ ሕቶ እዚ ሓድሽ መሳርሒ እዚ፣ ብኸመይ ዝበለ መንገዲ ኢዩ እዚ ምዕባለ እዚ ነቲ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን ዘሎ ርክብ ብዝያዳ ዘደልድሎ ዝኽእ? ወይስ ብኣንጻሩ ነቲ ድሮ ተነጻጺሉ ዘሎ ሕብረተሰብ ነቲ ካብ ኣካላዊ ርክባር ዝርከብ ማሙቕ ብምውጋን ተነጽሎኡ ከም ዝውስኽ ክገብሮ ኢዩ?" በለ።
ዶ/ር ራፊኒ ኣብ መደምደምታ፣ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓበሬታ እተመርኰሰ ሓድሽ ደረጃታት ሕብረተሰብ ምምዕባል፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ማዕርነት ንምምሕያሽ ኪምዕብል ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኣጕልሐ ።
ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (AI) ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ብሕታዊ መዳያት ህይወት ውልቀ-ሰባት ዝርከብ ጸብጻባትን ሓበሬታን ተመስሪቱ ናብ ሓድሽ ዓይነት ምቍጽጻርን ምዝመዛን ዘይማዕርነትን ኪመርሕ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ውን አሎ።