ድለ

2023.01.25 Urbaniana 2023.01.25 Urbaniana 

ብዛዕባ መጻኢ መንበረ ጥበብ ኡርባንያን ዝዝቲ ጠቕላሊ ጉባኤ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ስብከተ ወንጌል

እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ናይ መጻኢ ወንጌላዊ ተልእኾ ናይቲ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰበኻታት ልዑካነ ወንጌል ዘገልግሉ ተማሃርቲ ዘርኣክህነት ዝዅስኩስ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና ንምዝታይ ናይ ክልተ መዓልቲ ፍሉይ ጠቕላሊ ጉባኤ የካይድ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ ጉዳያት ስብከተ ወንጌል ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር  ብ29ን 30ን ነሓሰ ኣብ ከተማ ሮማ ንኽልተ መዓልቲ ዝቕስል ፍሉይ ጠቕላሊ ጉባኤ  ብዛዕባ ኣብ ናይ መጻኢ ተልእኾ ጳጳሳቲ መንበረ ተበብ ኡርባንያን ንምምይያጥ ፍሉይ ጠቕላላኢ ጉባኤ ኣካዪዱ። እዚ ተቕዋም ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ይገብር ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኡርባን ሻምናይ እተመስረተ ትካል ኮይኑ፣ ኣብ ስነ መዕበያ ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ንዚርከቡ ሰበኻታት ልኡካነ ወንጌል ተመሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ካህናት ኣብ ምዅስኳስ  ወሳኒ ግደ ኢዩ ዘለዎ።

ታሪኻዊን ዘመናዊን ኣገዳስነትን

እቲ ፈለማ ብ1627 ናይ ተቕዋም ትምህርት ኡባን ተባሂሉ ኢዩ እተመስረተ፣ ጳጳሳዊ መንበረ ጠበብ ኡርባንያና ነቲ ዓለምለኻዊ ተልእኾ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ዘድልያ ነገራት ንምምላእ ብቐጻሊ ምትዕርራይ ገይሩ ኢዩ። ናይቲ ብዛዕባ ስብከተ ወንጌል ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መነበር ህየንተን ኣቦ መንበት ናይዚ መነበረ ጠበብን ብፁዕ ካርዲናል ሉዊስ ኣንቶንዮ ታግል እዚ ትካል እዚ ንሓድነት እምነት ካቶሊካዊ ት ቤተክርስቲያን ኣብ እተፈላለየ ባህልታት ኣብ ምስራጽ ዘለዎ ፍሉይ ግደ ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብዛዕባ ትምህርቲ ቤተ - ክርስትያን ዘለዎም ራእይ

እዚ ጉባኤ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘመልከትዎ ሰፊሕ ኣረኣእያ ዝሰማማዕ ኮይኑ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም “እንተ ኣማን ፍሰሓ” ተገሊጹ ዘሎ ነተን ምስ ቅድስቲ መንበር ሕብረት ዘለወን ሥነ ትምህርታዊ ተቕዋማት ዳግም ንምብርባት ብሕብረት ክሰርሃ ዝሓትት ኢዩ። እቲ ፍሉይ ጠቕላሊ ጉባኤ ነቲ መንበረ ትበብ ኣብተን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዘለዋ ኣብያተ-ክርስትያን ዝህቦ ኣገልግሎት እንደገና ንምምሕያሽን ናይ ሥነ ትምህርታዊ ህያባቱ ንምስፋሕን ኣብ ዝግበር ቀጻሊ ናይ ዲኖዳውነት ዘተ ንምእታው ወሳኒ እዋን ኰይኑ ዘገልግል ኢዩ።

ቀንዲ ነጥብታት ዘተን ርእይቶታትን

ሲኖዶሳዊ ዘተ፦ ካብ 26 ጉባኤታት ጳጳሳት ዝመጹ ተወከልቲ ብቐዳምነት ካብ እስያን ኣፍሪቃን ዝመጹ፣ ነቲ መንበረ ጥበበ ዚጥቀመሉ ሥነ ትምህርታዊ ናውትን ሜላታትን መደባትን ብዛዕባ ምሕዳስ ሓሳባት ምልውዋጥ።

ሥነ ትምህርታዊ ዕቤት - ምስ ማእከል መጽናዕቲ ቻይናን እስያን ዚመሳሰል ማእከላት መጽናዕትን ትካላትን ምምሕያሽ ከምኡውን ምስተን ኣብ 40 ሃገራት ዚርከባ 106 ምስኡ እተተሓሓዛ ተቅዋማት መጽናዕትን ድልዱል ርክብ ምምስራት ዜጠቓልል እዩ ነይሩ ።

ቍጠባውን መዋቕራውን ተሓድሶ

እዚ መንበረ ጥበብ ዓብዪ ቍጠባውን መዋቕራውን ተሓድሶ እውን ይግበር ኣሎ ። ኣብ መጀመርታ ናይታ እትቕጽል ዓመተ ትምህርቲ ቍጽሪ ናይ ምሉእ ፕሮፌሰራት ካብ 62 ናብ 47 ክንኪ እቶም ዝተረፉ ወይ ከም ኣጋይሽ መምህራን ኣገልግሎት ዝህቡ ኸኣ ካብ 113 ናብ 40 ክንኪ ኢዩ እዚ ድማ ብ2025 ናይ ወጻኢታት ምጉዳል ናብ 1,514,180 ዩሮ ከም ዝንኪ ይግመት ።

ኣብ መስከረም 2023 ኣብ ጳጳሳዊ መበረ ጥበበ ኡርባንያና ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት ኰይኑ እተሸመ ዶ/ር ቪንሰንዞ ቡኖሞ ንህንጻ እቲ ዩኒቨርሲቲ ምስቲ ሕጂ ዘሎ ሕጋዊ ብቕዓታትን መዋቕራዊ  ስፍሓት ቅድስቲ መንበርን ጌርካ ምዕያይ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ ።

ክኢላታት ዘለዎም ርእይቶ

ክኢላታት ሥነት ትምህርቲ ነዚ ተሓድሶ እዚ ነኣድዎ ። ኣብ ሥነ ኣቅላስያዊ መጽናዕትታት ክኢላ ታሪኽ ዝዀነ ዶ/ር ጃንፓኦሎ ሮማናቶ ከምዚ በለ - "እዚ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባንያና እተፈላለየ ባህላዊ ኣረኣእያታት ንምትሕውዋስ ዝጥቀመሉ ሜላ ኣብ ዘመናዊ ናይ ምሁራት ትካላት ተመሳሳሊ መደባት ቅድሚ ምትእትታወን ነዊሕ ይገብር ኣብ ዓለምለኻዊ ሥነ ትምህርቲ ኣብነት ኰይኑ ኢዩ።"

ብፁዕ ካርዲናል ታገል ወሲኾም - "እዚ ቐጻሊ ተሓድሶታት እዚ መንበረ ጥበብ ምስቲ ዝለዋወጥ ዘሎ ድሌታት ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ብምስልጣን ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ብውጽኢታዊ መገዲ ኣብ ምግልጋል ከም ዝቕጽል ክገብር ኢዩ።"

ኣብ መጻኢ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ

ውጽኢት ናይዚ ጠቕላሊ ጉባኤ ነቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ሥነ ትምህርቲ ወንጌላዊ ተልእኾ ዘለዎ ግደን ንባህላዊ ፍልልይ ዘለዎ ቘራጽነትን ብምጕላሕ ንመጻኢ ኣንፈት ናይዚ መንበረ ጥበብ ኣጸቢቑ ክጸልዎ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ ። እቲ ኣብዚ ጠቕላሊ ጉባኤ እተመያየጡሉ ርእይቶታትን ተሓድሶታትን እቲ መንበረ ጥበብ ነተን ኣብ እተፈላለያ ከባቢታት ኣብያተ-ክርስትያን ንምድጋፍን ካህናት ንምፍራይን ነቲ ኣብ ዘመናዊ ስብከተ ወንጌል ዘጋጥም ዘሎ ብርቱዕ ብድሆታት ንምድላውን ዘለዎ ኽእለት ንምምሕያሽ ዝዓለመ ኢዩ።

ተሳተፍቲ ናይዚ ጠቕላሊ ጉባኤ ሎሚ ዕእለት 30 ነሓሰ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ተራኺቦም  ኣለዉ። ኣብኡ ኸኣ ርኽበታቶምን ሓሳባቶምን ኣቕሪቦም ኢዮም፣ እዚ ድማ ንጳጳሳቲ መንበረ ጥበበ ኡርባንያና ሓድሽ ምዕራፍ ከም ዝጅምር ዝሕብር ኢዩ ።

እዚ ኣሰምብሊ እዚ ኣብ ፍልቀት ሓንቲ ኻብተን ቀንዲ ኣካዳምያዊ ትካላት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣገዳሲ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዕዮ ስብከተ ወንጌል ምስ እተፈላለየ ዓለምለኻዊ ባህልታት ንኽትጽመድን ንኽተገልግልን ዝሰፍሐ ተልእኾ ኸም ዘለዋ ዜጕልሕ እዩ።

31 August 2024, 08:58