ድለ

2024.08.07   I doni del Papa per l'Ucraina inviati tramite l'Elemosineria Apostolica 2024.08.07 I doni del Papa per l'Ucraina inviati tramite l'Elemosineria Apostolica 

ጳጳሳዊ ግምጃ ቤት ነቲ ናብ ዩክረይን ዚለኣኽ ዘሎ ምግብን መድሃኒትን ብሓላፍነት ይከታተል

ክዳውንትን መድሃኒትን ምግብን ዝተጻዕና ዓበይቲ ማካይን ብፍላይ ከኣ ቱና ካብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ ዩክረይናዊ ባዚሊካ ቅድስቲ ጥበብ ናብ ዩክረይን ይብገሱ ኣለዉ። እዚ ልኡኽ ድማ ብካርዲናል ክራየቭስኪ ዝምራሕን ዝለኣኽን ዘሎ ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ክረምቲ እውን ከይተረፈ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገብርዎ ናይ ግብረ - ሰናይ ጻዕርታት ናብታ ንነዊሕ እዋን "በጃ ትኸውን ዘላ" ክብሉ ዝጸውዕዋ ዩክረይን ይቕጽል ኣሎ ።

ልክዕ ከምተን ኣቐዲመን ዝነበራ ኣዋርሕ ዓበይቲ ማካይን ትማሊ ረቡዕ ዕለት 7 ነሓሰ ካብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ጥበብ ዩክረይን ክብገሳ ተዳልየን ኣለዋ።

ነቶም ብጭንቀት እተዋሕቱ ህዝቢ ምብራቕ ኣውሮጳ ከም ምግብን ክዳንን መድሃኒትን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት ድማ ተጻዒነን ኣለዋ። እቲ ጽዕነት ሳጹናት ቱና-ዓሳን ካልእ ምግብን ዝሓዘ እዩ።

እኦም ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ግምጃ ቤት ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝለዉ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ነቲ ኻብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እተላእከ ህያባት ናብ ዩክረይን ንምልኣኽን ንምዕዳልን ብሓላፍነት ይከታተልዎ ኣለዉ።

እዚ ሓድሽ ናይ ግብረ - ሰናይ ተግባር እዚ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስታ ሃገር ዘለዎም ቅርበት ዘረጋግጽ ኢዩ፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ መወዳእታ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ውን ኵሎም ምእመናን ምእንቲ እዛ ሃገር ጸሎትን ደገፍን ከወፍዩ ሓቲቶም ኣለዉ ።

08 August 2024, 17:56