ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዮክረይን - “ሓድነት ኣብ ግዜ ስቓይ ተስፋ ይህብ”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪስቫልዳስ ኩልቦካስ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ናብ ዩክረይን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እታ ብውግእ ዝዓነወት ሃገር ከቢድ ስቓይ እኳ እንተ ኣጋጠማ ምስ ዩክረይን ዘሎ ሓድነት ምትግጋዝን ዓቢ ተስፋ ከም ዝህብ ገሊጾም።
ኣብቲ ዝለገስዎ መደረ ብፁዕነቶም ኣብቲ ሎም ዓመት ኣብ ሪሚኒ ኢጣልያ ኣብ መንጎ ህዝብታት ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ምሕዝነት ተሳቲፎም ። እዚ ዋዕላ ሪሚኒ ዝስመ ኣኼባ ኣብ ዓመታዊ ብሓደ ምንቅስቓስ ማሕበረሰብን ሓርነት ዝተሰምየ ማሕበር ኢዩ ዝውደብ፣ ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ንዝርከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ከኣ ዘሳትፍ ዋዕላ ኢዩ።
"ሰላም እንተ ደሊኹም ንሰላም ድልዋት ኩኑ" ኣብ ዝብል ርእሰ ነገር ኣብ እተገብረ ኣኼባ ከኣ ኢዮም እዞም ናይ ቅድስቲ መንብር ሓዋርያዊ ልኡኽ ናብ ዩክረይን እተሳተፍዎ ዋዕላ።
ጭቡጥ መግለጺ ሓድነት
ሊቀ-ጳጳሳት ኩልቦካስ ኣብቲ ዘካፈልዎ ምስክርነታት ሓንቲ ዩክረይንዊት ኣደ ብሓገዝ ብዙሓት እትፈልጦም ሰባት ኣስታት 60 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ረድኤት ከም ዘምጽአት ዘከሩ።
"ከምኡ ውን ሓደ ኣቦ ብኸመይ ን280 ሰባት ከም ዝሓገዞም ዝመስከረለይ ኣማኒ እንተኾነ ግን ኣባል ናይ ዝኾነ ይኹን ማሕበር ወይ ቤተክርስቲያን ዘይኮነ ውን እዝክር" በሉ።
ኣብ ርእሲ እዚውን ሳላ ተበግሶ ናይ ሓንቲ ናይ ፕሮተስታንት ቤተ-ክርስትያን 800 ሰባት ካብ ማሪዩፖል ዝተፈናቐሉ ከም እተዓቑቡ ውን ገለጹ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ኩልቦካስ ከምዚ ብምባል ውን ኣመልከቱ - "ስለዚ ኢየ ከአ ተስፋይ ኣብቲ ነዚ ብድሆታት እዚ ኣብ ልቡ ዘሕድርን ለውጢ ንምምጻእ ዝያዳ ክእለት ዘለዎን በርገሳዊ ሕብረተሰብ ዝገብር።"
ብዙሓት ተሳተፍቲ ናይቲ ዋዕላ ነቲ ኻብ ክየቭ ናይ ኢንተርነት ቀጥታዊ መስመር ዘቕረብዎ ጸብጻብ ተኻፈልዎ፣ ብፁዕነቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሓቂ ሓድነት ገለጹ።
ንምርዳእ ኣጸጋሚ እዩ
እዞም ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ መደረኦም መብዛሕትኡ ግዜ ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ኣብ ቅድሚ ዝዀነ ይኹን ሰብ እንተላይ ኣብ ቅድሚ ትካላት ንገሊኡ ሓደጋታት ክርድኦ ከም ዝኽእል ኣስመሩሉ ።
ንገሊኡ መዳያት ኣትሒቱ ኸም ዝርእይዎ እኳ እንተ ተኣመኑ "ገለ ሽግር ከም ዘሎ ዝሕብር ምልክታት ውን ነይሩ ኢዩ" በሉ።
ህጹጽ ኵነታት ከም ዘሎ ብቐዳምነት ዘስተውዕሉ ውልቀ - ሰባት ከም ምዃኖም ዘለዎም እምነት እንክገልጹ፣ "ውግእ ሕጊ ከም ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ፣ ስለዚ ኸኣ ኢዩ ትካላት መብዛሕትኡ ግዜ ድልዋት ዘይኮናሉ ምኽንያት" በሉ።
ነዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ብድሆታት ኣዝዩ ሰፊሕ ምላሽ ከም ዜድልዮ ገለጹ ።
ተስፋ ኣይትቝረጽ
ሓንቲ ኦለክሳንድራ ማትቪቹክ እተሰምየት ነቲ ብ2022 ናይ ሰላም ሽልማት ኖበል እተቐበለ ኣብ ክየቭ ዝመደበሩ ማእከል በርገዳዊ ሓርነት እትመርሕ ዩክረይንዊት እትመርሕ ጠበቓ እውን ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፋ ኢያ።
እዛ ጠበቓ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር እተፈጸመ ዓመጻ ዘለዋ ምስክርነት ኣካፈለት፣ ነቲ ማሕበረሰብ ከኣ ተባዕን ሓድነት ዘለዎን ክኸውን ተማሕጸነቶም፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ንስቓይ ካልኦት ግዲ ዘይብሉ መግለጺ ደቅሰብ" ከይከውን ተማሕጸነቶም።
እተን ንስንኩላን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣብ ምውጻእ እጃመን ዘበርከታ ላሊ ሊፓርተሊያኒን ኣናስታስያ ዞሎቶዋን ዝበሃላ መራሕቲ ናይቲ “ኤማሁስ” እተሰምየ ዘይመንግስታዊ ማሕበር እውን ልቢ ዝትንክፍ ምስክርነት ኣካፈላ።
እዘን ክልተ ኣዴታ ብሰንኪ እቲ ውግእ ከም እተገለላ ዀይኑ ኸም እተሰምዐንን መንነተን ከም ዝተነፍጋ እኳ እንተ ተኣመና፣ በቶም ኣብኡ እተኣከቡ ግን ምጽንናዕን ብርታዐን ከም ዝረኸባ ኣካፈላኦም ዝያዳ ሰላማዊ መጻኢ ንኺህልወን ድማ ዘለወን ብርቱዕ ተስፋ ገለጻ ።