2024.08.26 Assemblea Ceama 2024 2024.08.26 Assemblea Ceama 2024  (Ceama )

ዶ/ር ራፊኒ፦ 'ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘይኮነስ ኣብ ሰብኣውነት እተመርኰሰ ርክብ ኢዩ ዘድልየና

ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ዶ/ር ፓውሎ ሩፉኒ ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ዕለት 27 ነሓሰ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ናብ ኻልኣይ ጉባኤ ኣማዞንና (CEAMA) ዝለኣኾ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣብ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘይኰነስ ኣብቲ ሰብኣውነት ዘማእከለ "ጥበብ ልቢ ወድሰብ" እተመርኲሰ ርክብር ኣድላዪ ምዃኑ ኣረጋገጸ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ቀንዲ መፍትሕ ዝኾነ "ንጐደና ሰብኣዊ ርክባት” ንምድህሳስ ዘኽእል ቀንዲ ረቛሒ "ጥበብ ልቢ ወድሰብ" ኢዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ዓመት እዚ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መራከቢ ብዙሓን ዘቕረቦ ጻውዒት ቀንዲ መልእኽቲ ናይቲ እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ህየንተ ዶ/ር ጳውሎ ራፊኒ ትማሊ ሰኑይ ናብቲ ኣብ ማኑስ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣማዞንያ (CEAMA) ናብ ተሳተፍቲ ዝለኣኾ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኢዩ።

ነቲ እተኸፋፈለ ናብ ሓድነት ምምላስ

እቲ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብቋንቋ እስጳኛ ኮይኑ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሓድነት ከም ዚሰፍን ንምግባርን ባህላዊ ፍልልይቶም ንምዕቃብን ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ እዩ ። ዶ/ር ሩፊኒ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ "ነቲ እተኸፋፈለ ንምሕባር" ከም ዘገልግል ከምኡውን ኣብቲ "ኣብ ምዝራብ ምስማዕ ከምኡውን ምርዳእ" እተመስረተ ርክብ ዝምንጩ "ሓባራዊ ህያብ" ከም ዝዀነ ገለጸ። እዚ ሓባራዊ ህያብ እዚ "ንፍልልያትና ይሓዋውሶ ኣባላት ሓድሕድና ውን ይገብረና ኵሉ ነገር ብኸመይ ከም እተኣሳሰረ ውን የንጸባርቕ።"

ብጥበብ ልቢ ወድሰብ ዝተሰወጠ ሰብኣዊ ርክባት

ዶ/ር ሩፊኒ "ዝሓሸት ዓለም ንምህናጽ " ነቲ "ንመራኸቢ ብዙሓን ኣብ ቍጽጽር ግዝኣት ንምእታው" ንዝግበር ጻዕሪ ንምቅዋም፣ ሰብኣዊ መራኸቢ ብዙሓን ኣድላዪ ምዃኑ ገለጸ።  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እተዛረቦ ቓላት ብምቅላሕ ድማ "ንእከይ ኢድካ ዘይምሃብ!" ከምኡውን ኣብ ተክኖሎጅያዊ ወይ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘይኰነስ "ኣብ ደቅሰብ እተመስረተ" መስርሕ መራኸቢ ብዙሓን የድልየና ኢዩ።

መንፈሳዊ ጠመተ

ኤለክትሮኒካዊ ስርዓታትን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውሎትን "ብዜደንቕ መገዲ እናዓበየ ይኸይድ እኳ እንተሎ ነቲ ብስስዐ እተኸፋፈልናዮ ናብ ሓድነት ንምምላስ "ቀጻሊ ትምህርትን ሓባራዊ ሓላፍነታትን ኪህልወና ዘኽእል "መንፈሳዊ ጠመተ " ኺህልወና ኸም ብሓድሽ ጻውዒት ኣቕረበ ።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣማዞንያ CEAMA

ብምኽንያት እቲ ኣብ ወርሂ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተገብረ ፍሉይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት፣ ጉባኤ ፓን-ኣማዞንያ ብ2020 CEAMA ተመስረተ። እዚ ኣካል እዚ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ደረጃ ዝግበር እተፈላለየ ማሕበረ ሰብኣውን ኣከባብያውን ተበግሶታት "ድልድል" ኮይኑ ይዐዮ ኣሎ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቲ ካብ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝቐረበ ብዙሕ ዕማማት ኣብ ምትግባር ኣበርክቶ ይገብር ኣሎ።

እዚ ኣብ ማኑስ ዝካየድ ዝለኦ ጉባኤ ንተወከልቲ ቤተ-ክርስትያን ብራዚል ዘሳትፍ፣ ቦሊቭያ ኮሎምብያ ኤኳዶር ጒዊና ፔሩ ሱሪናም ቬንዝዌላ ከምኡውን ፈረንሳ-ኣማዞንያ ዝሳተፋኦ ብዛዕባ "ክርስቶስ ንኣማዞያን - ሕብረትን ተልእኾን ከምኡውን ተሳትፎ የስተምህራ" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘተ የካይድ ኣሎ።

ኣብቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወስደ ዘተ ተሳተፍቲ ኣብቲ ኣብ ኣማዞን ዘሎ ዅነታት ዘረኮረ ምስክርነታት ሰምዑ ኣብ መንፈሳዊ ኣስተምህሮታት ድማ ኣካፈሉ።

28 August 2024, 09:29