ካርዲናል ክራየቭስኪ ፦ ረድኤት ር. ሊ. ጳ. ናብ ከርኪቭ ብምብጻሕ ሓልዮት ቅዱስነቶም ይቕጽል
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልግሎት ግብረ - ሰናይ ኣብ ማእከል እቲ ናይቲ ኣብ ዩክረይን ግጭታት ዝካየደሉ ቦታታት በጺሑ፣ ኣብታ ከርኪፍ እትበሃል ሓንቲ ኻብተን ደብዳባት ሩስያ ልዕሊ ዅሉ እተሃስየት ዞባ ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ ።
እዘን ዓበይቲ ናይ ጽዕነት ማካይን ካብ ከተማ ሮሜ ዝሓለፈ ሓሙስ ዕለት 8 ነሓሰ ድሕሪ ምንቃለን መግቢ (ብፍላይ ዘይበላሾ)፣ ናይ ሕጻናት መግቢ ናይ ግላዊ ጽሬት ኣቑሑ፣ ክዳውንቲ መድሃኒት ከምኡውን ካልእ ኣድላዪ ኣቕሑ ሒዘን ብዕለት 12 ነሓሰ ኣብቲ እተመደበለን ቦታ በጺሐን ኣለዋ።
ብምሉኡ እዚ ተልእኾ እዚ በቶም ብዛዕባ ጉዳያት ግበረ ሰናይ ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበት ህየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየቭስኪ ዝተመርሐ ኢዩ ዝነበረ ።
ሓገዝ ወተሓደራት ስዊዝ
ብፁዕ ካርዲናል ክራየቭስኪ ናብ ዩክረይን ኣብ ዝገበርዎ ሓያሎ ጕዕዞታት ረድኤት ብምሃብ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ካብቲ ውግእ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዞም ህያባት ኣምቡላንስን ካልዕ ብቐጻሊ ዝሰደደሎም ዘለዉ ሓገዛትን ናይ ግብረ ሰናይ ተግባራት በቶም ጳጳሳዊ ወተሃደራት ስዊዝ ተደጊፎም ኢዮም።
እዞም መንእሰያት ወተሃደራት ነተን ዓበይቲ ማካይን ኣብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድቲ ሶፍያ ብጉልበቶም ከይተረፈ ኣብ ምጽዓን እተን መካይን ውን ተሃባቢሮም ኢዮም።
ካብ ኤዛርቅና ከርኪቭ ዝመጸ ምስጋና
እዚ ካብ ሮማ እተላእከ ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት ኣብ ዞባ ከርኪፍ በጺሑ ኣሎ፣ በታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ናይ ግሪኽ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ድማ ኣብ ዕደላ የከብ ኣሎ።
ኣብቲ ናብ ዜና ቫቲካን እተላእከ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ እቶም ናይቲ ግርክ ካቶሊካዊ ቤተክርስቲያን ኤዛርቅና ከርኪፍ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቫሲል ቱቻፐትስ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳትን ንቅድስቲ መንበርን ስለቲ ዝለገሱሎም ሓልዮት ዘለዎም ምስጋና ገለጹ።
ኣብቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ከም ዝርአ ዝነበረ ድማ ብድሕሪኦም እቲ ኣብ ካቴድራል ቅዱስ ኒኮላስ ዝተገብረ ናይ ረድኤት ማእከል ኢዩ ዝርአ ዝነበረ ።
"ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን!" ድማ በሉ። "ካብ ሮማ እተረኽበ ናይ ግብረ-ሰናይ ረድኤት ኣብ ካተድራልና በጺሑ ኣሎ ። ብፍላይ ነዞም ብሰንኪ እዚ ውግእ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ህዝቢ ከርኪፍ ወፈያ ንዝኣከቡ ክቡር ኣብ ማርኮ ሰሜሀን ከመስግኖ እደሊ ኢየ ። ንማሕበር ሳንታ ሶፍያ ነቶም ወለንተኛታት ከምኡ ውን ነቶም ነዚ ረድኤት እዚ ዘዳለዉን ዝሰደዱን ኣባላት ማሕበረሰብ ሮሜ ከመስግኖም ደስ ይብለኒ ። ሰባት ኵሉ ሳዕ ዝሓትዎ ነገራትን ዜድልዮም ካልእ ነገራትን ተቐቢልና ኢና፣" በሉ።
ብፁዕ ኣቡነ ቱቻፔትስ ብፍላይ ንካርዲናል ክራጀቭስኪ ስለቲ ዘወፈይዎ ሓገዝን ስለቲ ዝለገሱሎም ደገፍን ምስጋናኦም ገለጹሎም ።
"ኣብዚ ቐረባ እዋን ብዙሓት ሰባት ካብቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ሩስያ ዝርከብ ቦታታት ብፍላይ ከኣ ካብቲ ውግእ ቀጻሊ ዝካየደሉ ቦታታትን ቮቭቻንስክን ሊፕቲሲን ግዒዞም ኢዮም " በሉ ።
መብዛሕትኦም እዞም ሰባት እዚኣቶም ህይወቶም ንምድሓን ሰነዳቶም ሒዞም ክሃድሙ ስለ ዝነበሮም መግቢ ከምኡውን ከም ኮቦርታን ካልእ ኣቕሑ ገዛን ዝኣመሰለ ኣድላዪ ነገራት ክወሃቦም መዓልታዊ ናባና ይመጹ ኢዮም " ብምባል ገለጹ ።
"ስለዚ እዚ ናይ ግብረ - ሰናይ ረድኤት እዚ ብሓቂ ኣድላዪ ኢዩ፣ ንዅሎም እቶም ነቲ ዘቕረብናሎም ምሕጽንታ ምላሽ ዝሃቡን፣ ንህዝቢ ከርኪፍን ነቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ዘለዉ ክሕግዙ ዝወሰኑ ገበርቲ ሰናይ ከኣ አመስግኖም እደሊ ። ምእንቲ ዅሎም እቶም ዝሕፍዙና ዘለዉ ንጽሊ ኢና ። ኣምላኽ ይባርኮም" ድማ በሉ።
ካብ ር. ሊ. ጳጳሳት ናብ ዩክረይን እተላእከ ህያባት
ብፁዕ ካርዲናል ክራየቭስኪ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዝተራኸቡሉ እውን ዝተሰምዖም ዕጋበት ገለጹ ።
ብፁዕነቶም ኣብ ሃብዎ መግለጺ "ቅድሚ ሕጂ ብምኽንያት ድሕንነት ነቲ ቦታ ክንበጽሖ ኣይከኣልናን ዝነበረን" በሉ። እዚ ቦታታት እዚ ሰባት ብደብዳባት ብቦምብ ዝሳቐዩሉ ዘለዉ ኸባቢ እዩ" ውን በሉ።
ካርዲናል ክራየቭስኪ እቶም ነተን ዓበይቲ ማካይን "ብዙሕ ሰዓታት" ብምጽዓር ዝጸዓኑ ወተሃደራት ስዊዝ ከምኡውን ነቶም ኣዝዮም ለጋሳት ዝኾኑ "ብዙሓት ሮማውያን" አመስገኖም። ብሓቂ እግዚአብሔር ኣብዚሑ ይሃብኩም።" በሉ።
ወሲኾም ድማ "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ምስጋና ይግብኦም ኢዩ!" በሉ፣ ቅዱስቶም ድማ ነታ ኣብ ኵሉ ህዝባዊ ርክባቶም ዝጠቕስዋ በጃ ትኸውን ዘላ ዩክረይን ከም ብሓድሽ ብቕርበት ከም ዝከታተልዋ ኣርእዮም ኢዮም፣ ንምእመናን ድማ ከይርስዕዋ ወትሩ ይምሕጸኑ ኣለዉ።"