ካርዲናል ጹፒን ተወካሊ መንግስቲ ቻይናን ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ይመያየጡ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ.ቫቲካን
ናይ ቅድስቲ መነበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ትማሊ ንግሆ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ረቡዕ ዕለት 14 ነሓሰ ኣብ መንጎ ሊ ህዊ ፍሉይ ተወካሊ መንግስቲ ቻይና ናብ ጉዳያት እስያን ኤውሮጳን ከምኡ ውን እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝሓለፈ ዓመት ከም ክኡኽ ሰላም ብሕድሪ ምምዛዞም ዝለኣኽዎም ኣቦ መንበር ቤትምኽሪ ብጹዓን ጳጳስት ኢጣልያ ብፁዕ ጳጳሳት ካርዲናል ማትዮ ጹፒ "እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ዩክረይን ሰላም ንኽሰፍን ብሕድሪ ዝሃብዎም ተልእኾ" "ልባዊ ዘተ" ከም ዘካየዱ ኣመልኪቱ ። ነቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ቤጂንግ እተገብረ ኣኼባ ድማ ከም ዝተሳተፉ ዝዝከር ኢዩ።
"ኣብቲ ብናይ ስልኪ መስመር እተዘራረቡሉ እዋን " እቲ መግለጺ ከም ዘመልክቶ "ብዛዕባ እቲ ዅነታትን ኣብ መንጎ እቶም ተሳተፍቲ ወገናት ዘተ ከም ዝህሉ ምግባርን ሰላም ንምስፋን እኹል ኣህጉራዊ ውሕስነት ምሃብን ዓቢ ሻቕሎት ተገሊጹ ኣሎ " ዝብል ነበረ ።
ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ እተገብረ ተልእኾ
ብፁዕ ካርዲናል ጹፒ ብ2023 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ነቲ ቅዱስነቶም ፈጺሙ ተስፋ ዘይቈረጹሉ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውጥረት ንምንካይ፣ መገዲ ሰላም ከበግሱ ተስፋ ብምግባር" ኣበርክቶ ንምግባር ኢዮም ዝተላእኹ።
ካብ ወርሒ ሰነ ኽሳዕ ውርሒ ሓምለ እዞም ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣልያ ናብ ክየቭ ሞስኮ ከምኡውን ዋሽንግተን በጽሑ፣ ኣብኡ ድማ ምስ ተወከልቲ ፖለቲካን ቤተ-ክርስትያንን ተራኸቡ።
ኣብ መስከረም 2023 ካርዲናል ጹፒ ናብ ቤጂንግ ከደ ኣብኡ ድማ ምስ ሊ ህዊ ከምኡውን ምስ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጕዳያት ሪፓብሊካዊት ቻይና ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ንዝቕጽል ዘሎ ውግእ መፍሔ ንምርካብ ዘተ ንምክያድን ናብ ሰላም ዝመርሕ መገዲ ንምርካብን ጻዕርታት ምግባር ኣድላዪ ምዃኑ ድማ ገለጹ ።
ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣዴና ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ተሰንዮም
ኣብታ ብዕለት 15 ነሓሰ እተሓትመት ኣቨኒረ እተሰምየት ዕለታዊት ጋዜጣ ከም ዘመልከተቶ እዞ ብፁዕ ካርዲናል ነዚ ኣብ ግዜና ኣብ ዓለም ዘሎ በሰላ ድንግል ማርያም ከም እትፈልጦ ሓሳቦም ኣካፈሉ ።
"እታ ቅድስቲ ኣዴና ንስቓይና ትፈልጦ እያ፣ ስቓያ ኸኣ ነቶም ዝሳቐዩ ንኽንርድኦም ይገብረና ኢዩ" ብምባል ኣጕልሑ። ሎሚ ኣብ ልዕልና ናይታ ቅድስቲ ኣደ "ማተር ዶሎሮሳ [ማርያም ሕዝንቲ ኣደ] በቲ ንልባ ዝወግዐ 'ሾብዓተ ሰይፊ' ወትሩ ትዝክረና ኢያ" ብምባል ኣመልከቱ።