ድለ

2024.02.23 Papa Francesco e colomba 2024.02.23 Papa Francesco e colomba 

ቅድስቲ መንበር ፍረ ነገር ናይ መዓልቲ ሰላም 2025 ገለጸት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነታ ብ1 ጥሪ 2025 ተዘኪራ እትውዕል "መዓልቲ ሰላም ዓለም" ኣመልኪቶም ዘመሓላልፍዋ መልእኽቲ "በደልና ይቕረ በለልና ሰላምካ ውን ሃበና!" ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝህልዋ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪታ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ናይ ሓቂ ሰላም ክዕምብብ ዝኽእል ኣብ ኵሉ ደረጃታት ማለት ኣብ ብሕታውን ኣከባቢያውን ኣህጉራውን ደረጃ ናይ ሓቂ ለውጢ ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ ሓቀይና ሰላም ክስስን ዝኽእል" በሉ ።

ኣብቲ ትማሊ ሓሙስ ዕለት 10 ነሓሰ እተዋህበ መግለጺ፣ ሰላም ኣብ ምውዳእ ግጭታት ጥራይ ዘይኰነስ “ቍስሊ ኣብ ዚሓውየሉን ክብሪ ነፍስ ወከፍ ወዲሰብ ዝከብረሉን” ኣብ ሓድሽ ክውንነት ከም ዝርከብ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ዓመታዊ ኣብ ዕለት 1 ጥሪ ኢዩ ዝኸብር ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1967 ካብ ዝመስረትዋ ኣትሒዞም ንኸም ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ሰብኣዊ መሰላትን ዲፕሎማሲን ከምኡውን ቍጠባዊ ምዕባለን ዝኣመሰለ ጕዳያት ብዚምልከት ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዞም ኣብ መልእኽትታቶም ናይ ኣስተንትኖ ኣጋጣሚ ክኾኖም ኣኽእኢሉ ኢዩ።

ቅዱስ ኣቦና ንዓለም ለኻዊ መዓልቲ ሰላም 2025 ዝመረጽዎ ፍረ ነገር "በደልና ይቕረ በለልና ሰላምካ ውን ሃበና" ዝብል ኰይኑ ምስ "ቅዱስ መጽሓፍ ብምንጽጻርን ንትርጉም ዓመተ ኢዮቤል" ብምግላጽን ዘቕረብዎ ሓባ ኢዩ።

ተስፋን ምሕረትን ሕመረት ዓመት ኢዮቤል

እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እዚ ፍረ ነገር እዚ በቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ  ዝጸሓፍዎ ዓዋዲ መልእኽታት ሎቱ ስብሃትን ከምኡውን ኣኃው ኩልነን ከም እተደፈ ገለጹ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ በቲ ኣብ ሕመረት ዓመተ ኢዮበል ዘሎ ተስፋን ምሕረትን ዝብል ኣምር ምኽንታት ብምግባር ዝነቐለ ኢዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ኩነኔን ፍርድን ክንኣቱ ዘይኰነስ ዕርቅን ሰላምን ንኸነምጽእ ዝጽውዓና ለውጢ እንገብረሉ እዋን ኢዩ።

እዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንብር ኣስዕብ ኣቢሉ "ነቲ ሎሚ ንደቅሰብ ዘሳቕዮም ዘሎ ግጭታትን ማሕበራዊ ሓጢኣትን ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ኣብ ትውፊት ዓመት ኢዮቤል ዝነበረ ሕድገት ሓጢኣትን ዕዳታት ናይ ምድምሳስን ዘሎ ተስፋ ኣብ ግምት ብምእታው ከምኡ ውን ነቲ ኣቦታት ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ መዳይ እዚ ዘስተንተንዎ ሓቂ ኣብ ግምት ብምእታው ናብ ኣዝዩ ኣድላዪ መንፈሳዊ ኩነት፣  ክመርሕ ዝኽእል ጭቡጥ ስርዓታት ክቕልቀል ይኽእል ኢዩ።  ማሕበራውን ቍጠባውን ኣከባቢያውን ባህላውን ለውጢ ውን ከምጽእ ዝኽእል ኢዩ"።

10 August 2024, 09:37