ሊቀ-ጳጳሳት ፓሊያ ቤተ-ክርስትያን ንስቓይ ኣልቦ ሞትን ሕገዛ ርእሰ-ቅትለትን ከም እትቃወም ኣረጋገጹ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቤተ-ክርስትያን ንሕገዛ ርእሰ-ቕትለትን ንስቓይ ኣልባ ሞትን ምሉእ ብምሉእ ትቃወሞ ኢያ፣ ንመሰላት ህይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ሰባት ትጣበቕ ኢያ፣ ኣብ መፈጻምታታት ናይ ሰብ ህይወት ኣብ ዝግበር ጕዳያት ከኣ ምስ ፖለቲካ ምትሕብባር ከም ዝህልዋ ገይራ ኢያ እትሰርሕ።
ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ቪንሰንዞ ፓልያ ኣቦ መንበር ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ሕይወት ኣብታ "ንእሽቶ መዝገበ-ትምህርት ብዛዕባ ናይ ሰብ መፈጸምታታት" ዘርእስታ ብለቪ (ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን) እተሓትመት 88 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ፣ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ካብ ወለንታዊ ስቓይ ኣልባ ሞትን ሕገዛ ርእሰ-ቕትለትን ኣትሒዙ ኽሳዕ ኣብ ምሉእ ምክንኻንን እቶም ከቢድ ጥዕናዊ ጸገማት ዝለዎም ሰባትን ምንዳድን ሬሳን ኣብ እተገብረ ኽትዓት ንእተወሰነ ነጥብታት መብርሂ ዝህብ ኢዩ።
ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ እተሓትመት እዛ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ገሊአን መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ቅድስቲ መንበር ከም "ክፍተር" ገይሮም ዝረኣይዎ ምስ ኣጕልሑ ነዚ ጉዳይ እዚ ብጥንቃቐ ኢያ እትምርመሮ ዘላ ።
በዚ ኸምዚ ድማ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ፓልያ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት እዚ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመት ኣ ዝተገብረ ትምህርታት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቤተ ክርስትያንን እተመስረተ ምዃኑ ኣመልከቱ።
ትማሊ ሓሙስ ንግሆ ብፁዕነቶም ነዛ ቅዳሕ ንእሽቶ መጽሓፍ "መዝገበ ትምህርት" ዘርእስታ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣቕረቡሎም፣ ቅዱስነቶም ድማ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ተቐቢሎም ንብፁዕንቶም ኣዛራረብዎም።
ሕቶ - ብፁዕ ሊቀ-ጳጳሳት ፓልያ ሎሚ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተራኺብኩም ነታ "ንእሽቶ መዝገበ-ትምህርት ብዛዕባ ናይ ሰብ መፈጸምታታት " ዘርእስታ መጽሕፍ ንቅዱስነትም ሂብኩምዎም ኢኹም። እዞም ንሕይወት ኣብ ኵሉ ደረጃታታ ክከላኸሉላ ብቐጻሊ ብዛዕባ ሕይወት ዝጣበቑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እዛ መጽሓፍ እንታይ ይብሉ?
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ብጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ-ህይወት ዝካየድ ዘሎ ዕዮ ዘለዎ ሞሳ እንደገና ገለጹልና ። እወ እቲ ናይ ሰብ መፈጸምታታት ዝብል ጕዳይ እተሓላለኸ ኢዩ፣ ቤተ-ክርስትያን ከኣ ካብ 1957 ክሳዕ ሎሚ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፓየስ መበል ዓሰርተው ሓደ ኣትሒዛ ሃብታም ዝኾነ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኢዩ ዘለዋ።
ህይወት ኣብ ፍሉይ እዋናት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብምሉኡ ተረጃታታ ኢና ክንከላኸለላ ዘሎና። ብፍላይ ነቶም ድኹማትን ተነቀፍትን ነቲ ሎሚ ዘሎ ዓለም ዝስዕቦ ዘሎ ኣተሓሳስባ ሰባት ኣነ ርእሰ ምሕዱት ኢየ ዝብል፣ ካብ ካልእ ዝስበዮ የብለይ ዝብል ሓሳብን ዝሓሰበ “ንኻልእ ናይ ምግላል ባህሊ” ዓለምና ንምቅዋም ብዛዕባ መሰልን ክብርን ህይወት ወድሰብ ክትጣበቕ ኣለዋ።
ሕቶ - ብዛዕባ እዚ ንኡስ መዝገበ ትምህርት እዚ ገለ ለውጢ ኣብ ቅድስቲ መንበር ከም እተገብረ ዝዛረቡ ኣለዉ፣ ቅድስቲ መንበር ንምዉራጽ ሕክምናዊ ሕገዛ ከም ትድግፍ ። እዝስ ሓቂ ድዩ ?
ብ1956 ከምቲ ኣብታ ንኡስ መዝገብ ትምህርት ከም እተጠቕሰ ፒየስ መበል 12 ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ኵነታት ሕገዛ እስትንፋስ ኣየር ኪጠፍእ ከም ዚፍቀድ ኣስተምሂሮም ኢዮም ። ብ2007 ከኣ እቲ ብዛዕባ ዓንቀስ እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማሕበር ነብር ከምዚ ዝኣመሰለ ሕክምና "ጾር ኣብ ዝበዝሓሉ ወይ ከቢድ ኣካላዊ ጸገማት ምስ ዘስዕብ " ብሕጋዊ መገዲ ኺቋረጽ (ወይ ከይጅመር) ከም ዝከኣል ተገንዚቡ ኢዩ።
እዚ ኽልተ መለክዒታት እዚ ሓደ ኽፋል እቲ ኺጠፍእ ዘለዎ ግቡእ ዘይኰነ ሕክምና እዩ። እዚ ገምጋም እዚ ብእተኻእለ መጠን ወትሩ ናይቲ ሕሙም ፍቓድን ድላይን ምስታፍ ምሉእ ብምልእ ዝሓትት ኢዩ ። ስለዚ እዚ ንኡስ መዝገበ-ትምህርት ምሉእ ብምሉእ ክንበብ ኣለዎ።
ሕቶ - ብዛዕባ ስቓይ ኣልቦ ሞእትን፣ ሕገዛዊ ርእሰ - ቕትለትን ገለ ለውጢ ዝተገብረ ኣሎ’ዶ ? ገሊአን መራኸቢ ብዙሓን እቲ ብዛዕባ ናይ ሰብ መፈጸምታታ ዝዛረብ ንኡስ መዝገብ ትምህርት፣ ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ጽቡቕ ውሳነ ኸም ዚገበረ ሓሳባት ይህቡ ኣለዉ።
ቤተ-ክርስትያን ንዝዀነ ይኹን ዓይነት ስቓይ ኣልቦ ሞትን ሕገዛዊ ርእሰ ቅትለትን ምሉእ ብምሉእ ከም እትጻረሮ ገሊጻ ኣላ። ገሊኣቶም ከምኡ ከብሉኒ እኳ እንተ ደለዩኒ ኣነ እምነተይ እዚ ኢዩ ።
ይኹን እምበር ቤተ-ክርስትያን ዘይምኽንያታዊ ድርቅና (ሕክምናዊ ነቓጽነት) መግለጺ ናይቲ ብሓቂ ኣብ ትዕግስቲ ዘተኰረ መድሃኒትን ክንክንን ምሕራም እውን ኣብዝብሉ ሓባት ከስተንትን ትዕድም ኢያ። እቲ ዘሕዝን ግን ሞት ስፍሓት ገጽ ናይ ሕይውት ኢዩ። ዘይተርፍ ከኣ ኢዩ ።
ንውሓት ዕድመና ኸነሕጽሮ ዘይብልና እኳ እንተ ዀንና ብእተኻእለና መጠን ግን ብድርቅናና ንሞት ኽንዓግቶ ክንፍትን ከኣ የብልናን ። ብሓቂ ተነቀፍቲ ኢና። ስለዚ ኸኣ ኢና ንሓድሕድና ኽንከባኸብ ዘሎና።
ሞት ንዓና ናይ መወዳእታ ቓል ከም ዘይኰነ ስለ እንፈልጥ፣ ካብቲ ንሰባት ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ህይወትም ከነሰንዮም እንገብሮ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና!
ሕቶ - እዛ ሓጻር መዝገበ-ትምህርት ብዛዕባ "ሕጋዊ ማእከላይነት" ኢዩ ዝዛረብ ። እቲ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ጌርካ ዝርአ እንታይ እዩ ?
ቀዳምነት ኣለዎ ዝበሃል "ቅቡል ማእከላይነት" የልቦን ። ብዛዕባ መሰረታዊ እዚ ተነቃፍን ዝኾነ ኣርእስቲ ብዛዕባ ናይ ሰብ መፈጸምታታት ንእተፈላለየ ስምዒታትን ሃይማኖታዊ ርድኢትን ብኣኽብሮት ኣብ ግምት ብምእታው ዝለዓለ ሓባራዊ ስምምዕ ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ ዕዮ ናይ ፖለቲካዊ ኣርእስቲ እዩ።
ቤተ-ክርስትያን ንሓባራዊ ረብሓ ሕብረተሰብ ክትሰርሕን ክትተሓባበርን ትኽእል እያ። ቤተ-ክርስትያን ሕግታት ኣብ ክንዲ እትሕብር ሕልና ናይ ምሕናጽ ግዴታ ኢዩ ዘለዋ።