2024.09.24 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ ሃይማኖትን ሕልናን ናጽነት ክኽበር ጻውዒት የቕርቡ! 2024.09.24 ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ ሃይማኖትን ሕልናን ናጽነት ክኽበር ጻውዒት የቕርቡ! 

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ናይ ሃይማኖትን ሕልናን ናጽነት ክኽበር ጻውዒት የቕርቡ!

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን፥ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሪፓብሊካዊት ፖላንድ “ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት፥ ኣብ ኵነታት ዲሞክራስያዊት ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ዝሓለፉ ናይ ቀረባ እዋን ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ከምኡ እውን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ሕልናንን ሃይማኖትን ናጽነት ክድልድልን ክተባብዕን ዘቕረብዎ ጻውዒት የቃልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ሃይማኖታዊ ናጽነት ብኹሉ ወገን ክተባባዕን ክድገፍን ሓያል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ባእታ እዚ ኩሉ ግዜ ኣብ ዓለምን ኣብ መላእ ሕብረተሰብን ሎምን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዕለት 24 መስከረም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሪፓብሊካዊት ፖላንድ “ናጽነት ሕልናን ሃይማኖትን ኣብ ኵነታት ዲሞክራስያዊት ሃገር” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቫርሳቪያ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዘስምዕዎ መደረ “ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ብመሰረት ማሕበራዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ምንባሩ የመላኽት።

ብተግባርን ኣድማዕን መንገድ ምርግጋጽ

ኣብ ዝሓለፈ ስሳ ዓመታት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን "ብሓፈሻ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ብዕምቆት ኣስተንቲና እያ።” እዚ ነጸብራቕ እዚ፡ በቲ መዓልታዊ ተመኩሮታት ኣመንቲ ነፍሲ ወከፍ ዞባን ማሕበራዊ ደርብን ከም ዝሃብተመ ድማ ተዓዚቦም፥ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይዚ መሰረታዊ ናጽነት፡ "ብቃላት ወይ ብሕጊ ጥራይ ተሰኒዱ ዘይኮነስ፡ ብተግባርን ኣድማዕን መንገዲ ክረጋገጽ ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ።

መጀመርያ እቲ ኣብ 1965 ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝጸደቐ Declaration Dignitatis Humanae - ኣዋጅ ሰብኣዊ ክብሪ ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መሰረት ገይሮም፥ እዚ ዝጸደቐ ኣዋጅ "መሰረት ኣፍልጦን ምክልኻልን መሰል ናይ ሃይማኖት ናጽነትን፡ ሰብኣዊ ክብርን ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፥ "ሰብኣዊ ክብረትና ብውሽጣውን ብደጋውን ብዘይኽሕድ መንገዲ፡ ብመሰረት ግደታ ሕልናና ክንዋሳእ ይጠልብ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “በዚ ኣረኣእያ እዚ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት በቲ ዝዓሞቐ መግለጺ ናጽነት ሕልና እዩ ዝገልጽ" ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሊቀ ጳጳሳ ጋላገር ኣስዒቦም፡ ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ ክብረትና ዘመልሓቐ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ እዚ ድማ "በዓልቤታዊ ክውንነት ወይ ብመንግስቲ ንዜጋታት ዝወሃብ ከምዘይኮነ ከነረጋግጽ የኽእለና" ኣንክብሉ ገሊጾም በዚ ኣረኣእያ እዚ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ቀጺሎም ከምዚ "ኵሉ ሰብ ነቲ ናይ ሓቂ ትርጕም ዘለዎ ዀይኑ ዝረኸቦ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ወይ ሰገር ክውንነት ጠቢቑ ንኽስዕብ ናጻ ክኸውን ኣለዎ፡ እዚ ድማ ነቲ መሰረታዊ ድሌታቱን ጠባያቱን ቡሶላ ክሳዕ ዝኸውን እዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ምክብባር የድሊ

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ "ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ሃይማኖታዊ እምነታቱ ኣብ ቅድሚ ዝኾነ ማሕበራዊ ስልጣን ብናጽነት ክገልጽን ክነብርን መሰል እዩ፡ ብጀካ እቲ ፍትሓዊ ህዝባዊ ስርዓት ንምዕቃብ ዘድሊ ደረት ካልእ ገደብ ዘይብሉ"  እንክብሉ ብትረት ከም ዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።

መብርሂታት Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ

ሊቀ ጳጳስ ጋላገር Dignitatis Humanae - ሰብኣዊ ክብሪ ብምጥቃስ ኣርእስቲ ናይ ሃይማኖት ናጽነት "ኣብ ውልቀ ሰብ ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ ንመላእ ሕብረተሰብን ብፍሉይ መንገዲ ስድራቤትን ዘሳትፍ" እዩ።

"ነቲ ወለዲ ንደቆም ዝወሃብ ናጽነት ኣብ ምትሕልላፍ ሃይማኖታዊ ክብርታት ብሕንጸትን ትምህርትን ምጥቃም ኣድላይነቱ ንዝክር" ምስ በሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ቀጺሎም ድሕረ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ዘቕርቦ ትምህሪ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ድሕረ ካልኣይ ጉባኤ ስልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን

ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ድንጋጌ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሃብዎ ኣበርክቶ ብመንጽር ክልተ ታሪኻዊ ረቛሒታት ማለት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 1965 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዘካየድዎ ኣገዳሲ ጉዕዞን ቅድስቲ መንበር ኪኖ መጋረጃ ምስ ዝነበሩ ስርዓታት ናይ መጀመርታ ርክባትን ምርድዳእን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፣ "እዚ ድማ ብገለ መንገዲ ኩነታት መነባብሮ ክርስትያናትን ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ ዴሳዊ ምልኪ ዝነብሩ ህዝብን ንምምሕያሽ ዝዓለመ እዩ።" በዚ ኣረኣእያ እዚ ኺርአ እንከሎ እቲ ኣዋጅ ናይ ሃይማኖት ናጽነት "ኣብተን ኣብ ትሕቲ ኢእግዚኣብሔራዊ ስርዓተ መንግስቲ ዚርከባ ሃገራት እንኮላይ ኣብ ፖላንድ፡ ነዚ መሰረታዊ መሰል እዚ ኣኽብሮት ከም ዚህልወን ንምግባር ጠቓሚ መሳርሒ ምዀነ ነይሩ"፡  ምስ በሉ፥ ኣብ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ኣዋጅ ሰብኣዊ ክብሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ሓደ ኻብቲ ጉባኤ ዝፈጠሮ መሃዝቲ ጽሑፋት” ምዃኑ ብኣጋጣሚ ከም ዘይኰነ ተዓዚቦም፡ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ሰነድ “ብገለ መልክዑ ነቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘጋጠመ፡ ካብ እዋናዊ ዓለም ድማ ጠቕሊሉ ዘይጠፍአ ኩነታት” ማለት ብዙሕ “መልክዓት ናይ . . . ሃይማኖታውን ብሄራውን ጽልኢ መልሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም እዮም፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ “ካልእ መልክዕ ደረት ሃይማኖታዊ ናጽነት፡ ካብ ግሁድ ስደት ዝያዳ ረቂቕ” ምዃኑ ኣጠንቂቖም፥ “ሃይማኖታዊ እምነትን ካብ እምነት ዝመጽእ ግብረ ገብን ዲሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ናብ ዓውዲ ብሕታዊ ርእይቶኡ ክወርድ ኣለዎ ዝብል ኣበሃህላ ኣበጊሱ እውን እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

'ኣገዳሲ ባእታ ቅዋማዊት ሃገር’

ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ጕዳያት እዚ ብልክዕ ኣቃሊሖምዎ እዮም" እንክብሉ ነቲ ኣብ 2011 ዓ.ም. ንመዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንናጽነት ሃይማኖት "'ኣገዳሲ ኽፋል ቅዋማዊ መንግስቲ' እንክብሉ ከም ዝገለጽዎን፡ "ሃይማኖታዊ ናጽነት ኣብ ዝኽልከለሉ እዋን፡ ሰባት ሃይማኖቶም ወይ እምነቶም ከይኣመኑን ብኣኡ መሰረት ከይነብሩን ንምትዕንቃፍ ፈተነታት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ክብሪ ሰብ እዩ ዝገሃስ፡ ውጽኢቱ ድማ ፍትሕን ሰላምን ንሓደጋ ምቅላዕ እዩ ዝኸውን፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃይማኖታዊ ናጽነት 'ክቡር ህያብ ኣምላኽ' እዩ

"ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሰር ናይቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ብምስዓብ፥ ሃይማኖታዊ ናጽነት "ንኹሉ ክቡር ህያብ እግዚኣብሔር፡ መሰረታዊ ውሕስነት ናይ ነፍሲ ወከፍ ካልእ መግለጺ ሓርነት እዩ። ንሕውነት ደቂ ሰባት "ኣንጻር ምልክነት ዝከላኸልን ወሳኒን እዩ" ክብሉ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ብፍላይ ነዚ መሰረታዊ ናጽነት ንምስጓም ሓገዝቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ክልተ ኣተሓሳስባት የቕርቡ፥ እቲ ቀዳማይ ኣተሓሳስባ ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን [...] ከም ተቐናቐንቲ ዘይኰነስ፡ ብውሑዱ ተጻባእቲ ንከይኮኑ ዝሕግዝ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ክንድኡስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኖም ክረኣኣዩ ዝድርኽ እዩ። [...]"

እቲ ካልኣይ ኣተሓሳስባ ብኻልእ ወገን ድማ "ናይ ሃይማኖታዊ ናጽነት ምድንፋዕ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ ዝስራሕ ስራሕ'ዩ" እንክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ የዘኻኽሩ።

ናጽነት ሃይማኖትን ዓለማውነትን መንግስቲ

ሊቀ ጳጳሳት ኣጠማምታና ናብቲ ህሉው ክውንነት ብምቕያር፡ “ብዙሕ ግዜ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ብዛዕባኡ ክዝረብ ጥራሕ ስለ እንሰምዕን እንርእይን እዚ ድማ ተስፋ ዘቕርጽ እዩ፡ እዚ ድማ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይብሉ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ሎሚ ኣብያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳ ክገጥማኦ ዘለወን “ሓደስቲን ወሳንን ብድሆታት የስዕብ ኣሎ” ከም ዝበሉ ዘኪሮም። ሓደ ካብዚ ብድሆታት እዚ “ብስም ገለ ብሕማቕ ዝተተርጐመ መትከል ምጽውዋር፡ ኣብ መወዳእታ ዜጋታት ብናጽነት ናይ ገዛእ ርእሶም ሃይማኖታዊ እምነት ብሰላማውን ሕጋውን መንገዲ ንኸይገልጹን ከይትግበሩን ዝኽልክሉ ሓገግቲ ኣካላት ዘቕርብዎ ንድፍታት ሕጊ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም።

በርገሳዊ ሰበ - ስልጣን ልዕሊ ዓቐን ምስ ዝኸውን

እቲ ዘሕዝን ግን "በርገሳዊ ሰበስልጣን ገለልትነት፡ ዓለማውነት ወይ ምፍልላይ ቤተክርስትያንን መንግስትን ብዝብል ጉልባብ ንኹሉ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዝርግሐ ወይ ምልላይ እምነት ክነጽጉ ወይ ክድርቱ ልሙድ ይኸውን ኣሎ” እንክብሉ ቅሬታኦም ገሊጾም፥ "በዚ መንገዲ እዚ፡ ሓደ ሰብ እቶም ሓደ ዓይነት ክቡራት መትከላት ንኹሉ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ንምርግጋጽ ዝሕግዝ መንገዲ ኰይኖም ከም ዝተመስረቱ ምሉእ ብምሉእ ይርስዕ! . . . "ብርግጽ፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ዝተወሰኑ ጎዳእቲ መግለጺታት ናይ ሃይማኖት ናጽነት ግብራዊ ደረት ምግባር ኣድላዪ'ዩ፡ እንተኾነ ግን" "እዚ ብልክዕ ንኻልኦት ተመሳሳሊ ናጽነት ንኽረጋገጽ ዝዓለመ'ዩ" እንክብሉ ድማ ኣብሪሆም . . . ብኣንጻሩ "መንግስቲ ዘውጽኦ እወንታዊ ስርዓታት ኣብ ቅድሚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ምስ ዘቐምጥ ነዚ መሰረታዊ ስርዓታት እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ብሃውሪ ክፍጸም ይገብሮ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ንጹርነት በነዲክቶስ መበል 16

ወሲኹ ድማ፡ ሓንቲ “ዓለማዊት ሃገር” ንሃይማኖታውነት ከተውጽኦ፡ ወይ ንህዝባዊ መግለጺታት ሃይማኖት ክትነጽጎ ኣለዋ ኢልካ ምሕሳብ ሓሶት እዩ። "ኣብዚ መዳይ እዚ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በቲ ሓደ ወገን ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነት፡ በቲ ካልእ ወገድ ድማ ጥዕና ዘይብሉ ዓለማውነት ዘዕብይ ምዃኑ ንጹር እዩ” እንክብሉ የረድኡ።

ብዝገደደ እውን “ሃይማኖታዊ ጸንፈይናነትን ዓለማውነትን (ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝነጽግ ስርዓት) ክልቲኦም ንሕጋዊ ብዙሕነትን ንመትከል ዓለማውነትን ዝነጽግ ጸንፈይናዊ መልክዓት ዝውክሉ ብምዃኖም” እዚ ድማ የመሳስሎም እዩ” እንክብሉ ከም ዘብርህዎ፡

ምስዚ ተኣሳሲሩ "ኣብ ሕመረት ነፍሲ ወከፍ ሕጋዊ ስርዓት ኩሉ ግዜ ናይ ሰብኣውነትን ሕብረተሰብን፡ ናይ ሰናይ፡ ክፉእን ፍትሕን ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ኣሎ፡ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሓደ ሃይማኖት ዝተሓዋወሰ እዩ: ሕብረተሰባዊ ህይወት ገለልተይና ኣይኮነን! " ዓለማዊ ስርዓተ መንግስቲ "ሃይማኖታዊ ልምድታት ዝነበሮም ታሪኻዊ፡ ባህላውን ማሕበረ-ስነ-ፍልጠታውን ተዛማድነት ከለሊ፡ 'ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካዊ ዓውዲ ዘለዎ ስነ-ምግባራዊ ኣበርክቶ' ንምድናቕ" ክኽእል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እውን ከም ዘቕረቡ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ መደረኦም ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሃይማኖት ፈጺምካ ክትሕርጎ ወይ ክትኽልክሎ ኣይከኣልን

በዚ መሰረት እዚ፡ “ሃይማኖት ኪግለል ወይ ኪኽልከል ዘይኰነስ፡ ኣብ ምድንፋዕ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣድማዒ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ጌርካ ኺርአ እዩ ዘለዎ” ቢሎም፥ "ቅድሚ ዕስራ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ብዙሕነታዊ ሕብረተሰብ ዓለማውነት - ከም ሕጋዊ ምፍልላይ ፖለቲካን ሃይማኖታትን ብግቡእ ምስ ዝህሉ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ትውፊታትን መንግስትን ህዝብን ርክብ ዝግበረሉ ቦታ እዩ ዝፍጠር" ዝበልዎ ድማ የዘኻኽሩ።

ስለዚ ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ዘሎ ርክብ ንመጻኢ ናይ ሓንቲ ሃገር ፍረ ዘለዎ ተመክሮታትን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትን ዘመሓላልፍ ኣኽብሮት ንዝመልኦ ዝርርብ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ፡ ክመርሖ እውን ኣለዎ" ዝበልዎ ኣጒሊሖም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ "'ኣብ መንጎ መንግስትን ኣብያተ ክርስቲያናትን - ተቐናቐንቲ ዘይኮናስ መሻርኽቲ ዝኾና ዝግበር ጥዑይ ዘተ ምስ ዝህሉ ኣብ ሕብረተሰብ ንሰብኣዊ ስብእናን ስኒትን ዘይነጻጸል ምዕባለ ከተባብዕ ከምዝኽእል ፈጺሙ ዘጠራጥር ኣይኮነ” ዝበልዎ ኣስተምህሮ ጠቒሶም ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ዘስምዕዎ መደረ ይዛዝሙ።

25 September 2024, 16:52