ር. ሊ. ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ እስያን ኦሽያንያን ዝገበርዎ ጕዕዞ - ተልእኾ ሰላምን ሓድነትን ኢዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸኮ ነቲ ኻብ 2 መስከረም ክሳዕ 13 መስከረም ኣብ ዘሎ እዋን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝገብርዎ ዝነውሐ ሓውርያዊ ዑደት ኣብ ዝበጋገሱሉ ዘለዉ ዓለም ብውዕዉዕ ስምዒት ኢያ እትከታተሎ ዘላ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኢንዶነዥያ ፓፕዋ ኒው ጊኒ ቲሞር-ለስተ ከምኡውን ሲንጋፖር ብምኻድ ናይ ሰላምን ሓድነትን ሕውነትን መልእኽቲ ኼብጽሑሎም መዲቦም ኣለዉ።
ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መነብር ኣብቲ ብዕለት 27 ነሓሰ ምስ መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣገዳስነት እዚ ጕዕዞ እዚ ኣጕልሑ። ብፁዕነቶም ኣዲኦም ኣብዚ ቐረባ ግዜ ብሙማተን ኣብ ብሕታዊ ናይ ሓዘን እዋናት እኳ እንተ ጸንሑ ብዛዕባ ሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከምኡውን ብዛዕባ እተን ዝቕበላኦም ሃገራት ዓሚቝ ህንጡይነት ከም ዘሎ ኣካፈሉ ።
ምርኻብን ምቅርራብን
ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብቲ ዝሃብዎ መግለሲ ከምዚ በሉ - "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ልቦም ሒዞምዎ ዘለዉ ናይ መጀመርታ ቍምነት ተስፋ ምርኻብ ኢዩ - ምስ ህዝቢ እተን ክበጽሐን ዝኸዱ ዘለዉ ሃገራት ብብሕቲ ንምርኻብ ከኣ ኢዩ። እዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ዘለዉ ጕዕዞ ነቲ መለለዪ ዘመነ ጵጵስናኦም ዝዀነ ናይ ምቕራብ ቁምነት ነገር ከም ዘመልክት ንምጕላሕ ኢዩ ። ኣብዛ ብግጭታትን ምክፍፋልን እተበላሸወት ዓለም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብቐጥታ ብምርኻብ ልባዊ ርክብ ንምምስራት ከምኡውን ስስዐ ንምስናፍ ዕላማ ስለ ዝገበሩ ኢዮም፣” ክብሉ ኣመልከቱ።
ኢንዶነዥያ፦ መቓን ብዝሓውነት
እታ ኣብ መላእ ዓለም ብብዝሒ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና እትፍልጥ ኢንዶነዥያ ኣብዚ ጕዕዞ እዚ ወሳኒት ምዕራፍ ቅዱስንቶም እያ ። ኢንዶነዥያ ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት ፓንካሲላ መሰረት ስለ ዘለዋ ኣብ መንጎ እተፈላለዩ ጕጅለታት ስኒት ዘለዎ ርክብ ክትዕቅብ ከኣለት ። ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ ምጻሕ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዛ ሃገር ኣኽራርነት እኳ እንተ ሓለወ ነዚ መገዲ ሓባራዊ ኣኽብሮትን ምይይጥን እዚ ንኪቕጽሉ ድልዱል መዘኻኸሪ ኸም ዚኸውን ኣጕልሑ ።
ፓፕዋ ኒው ጊኒ ፦ ንሓድሕዱ ዚጋጮ ነገራት ንምፍታሕ
ኣብታ ብብዙሕ ባህርያዊ ሃብቲ ሃብታም ግን ከኣ ብድኽነትን ለውጢ ዅነታት ኣየርን ብልሽውናን እትሳቐ ዘላ ፓፕዋ ኒው ጊኒ፣ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ ከም መብራህቲ ተስፋ ገይርካ ኢዩ ዝርአ። ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምዚ በሉ - "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዅሉ እቲ ብፖለቲካዊ ትካላት ንሃይማኖታት ከምኡውን ንዅሉ ሓላፍነት ናይ ነፍስወከፍ ሰብ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕርታት ክድግፍ ኢዩ ተሓሊኑ ዘሎ። እታ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መላእ ዓለም ኣዝየን ሓደገኛታት ዝዀና ከተማታት ከተማ ፖርት ሞረስቢ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንፍትሒ ድኻታትን ንምክንኻኖምን ዝገበርዎ ቘራጽነት ብዓይና ኽትርእዮ እያ።
ቲሞር-ለስተ፦ እምነትን ተጻዋርነትን
እታ ንመበል 25 ዓመት ዝክሪ ናጽነታ እተብዕል ዘላ ቲሞር-ለስተ ዓብዪ ምፍልላያት የጋጥማ ኣሎ። እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝገበርዎ ዘለዉ ምብጻሕ ነቲ እታ ሃገር ዘለዋ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ቍጠባውን ብድሆታት ንምስጋር ዝገበረቶ ጻዕሪ ዘደልድል ክኸውን ኢዩ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኣብ ዘገልግሉሉ ዘለዉ እዋን ኣብታ ሃገር ዝገበርዎ ብሕታዊ ወፍሪ ብምዝካር "ህላዌ ቅዱስ ኣቦና [ኣብ መጐ እዞም ሕዝቢ] ብርግጽ ወሳኒ ደገፍ ኢዩ ዝህብ" በሉ።
ሲንጋፖር፦ ኣርኣያ ህላወ
እቲ ኣብ ሲንጋፖር ዚግበር ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ጕዕዞ ቅዱስነቶም ኣብታ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ሕብረተሰብ ብሰላማዊ መገዲ ብሓባር ከም ዚነብሩ ዝንገረላ ሃገር ዘመልክት ክኸውን እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመጻኢ ናይ ሃይማኖታዊ ምይይጥ ክመርሑ ብምትብባዕ ምስ መንእሰያት ክርኸቡ ኢዮም። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከም ዘመልከትዎ "ሲንጋፖር... ኣብዚ ኻብ እተፈላለየ ባህልን ሃይማኖትን እተኣኻኸበ ሕብረተሰብ ብሰላም ከም እትነብር ዘርኢ ኣብነት ኢዩ፣" በሉ።
ኣህጉራዊ ርክባትን ሰላምን
እዚ ሓውርያዊ ዑደት እዚ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን እስያን ዘሎ ርክብ ንምድልዳል እውን ተኽእሎ ዘለዎ ኢዩ ። ብፁዕ ካርዲናል ፓሮሊን ኣብ መግለጺኦም ኣብ ኢንዶነዥያ ምስ እስላም ከምኡ ከኣ አብ ሲንጋፖር ምስቶም መብዛሕትኦም ቻይናውያንን ዝኾኑ ማሕበረሰብት ምርካቦም ዝሰፍሐ ዝርርባትን ዘተታትን ከማዕብል ከም ዝኽእል ሓበሩ ። ከም ቬትናምን ምያንማርን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ማሕበረሰብ እስያ ስለ ዘለዋ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ሰላምን ሓድነትን ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ብኡንብኡ ደው ኢለን ንኸስተውዕላ ገይርወን ኣሎ።
ዓለም ብፍላይ ኣብ ዩክረይንን ማእከላይ ምብራቕን ምስ ዘሎ ኣህጉራዊ ውጥረት ትቃለሰሉ ኣብ ዘላ እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ዘርኢ ተስፋ ኢዩ ዘመልክት ። ካርዲናል ፓሮሊን "ሰላም ንምህናጽ ነቲ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ ጕዕዞ ዝሓቶ ራኢ ንምቕባል ምጽዓር ኣድላዪ ኢዩ" ብምባል ቃለ መሕትቶም ደምደሙ።
እተን ንቅዱስነቶም ዝቕበላ ዘለዋ ሃገራት፣ ንቅዱስነቶምን ነቲ ብዛዕባ ሓድነትን ሰላምን ዚገልጽዎ መልእኽቶምን ንምቕባል ሃንቀውታ ስለ ዘለወን፣ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ኢዮም ዝጽበይዎ ዘለዉ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ዝገበርዎ ጕዕዞ ነቲ ሃገረ ቫቲካን ኣብዛ እናተኸፋፈለት እትኸይድ ዘላ ዓለም ንምዝርራብን ንምሕባርን ዝገበረቶ ቘራጽነት ዘደልድል ታሪኻዊ ፍጻመ ክኸውን ምዃኑ ውን ዘለዎም ኣሚቝ ተስፋ ኣመልከቱ።