ድለ

2024.09.22 ካርዲናል ዜናሪ፡ ኣብ ሶርያ ቦምባ ድኽነት ተስፋ ይቐትል ኣሎ 2024.09.22 ካርዲናል ዜናሪ፡ ኣብ ሶርያ ቦምባ ድኽነት ተስፋ ይቐትል ኣሎ 

ካርዲናል ዜናሪ፡ ኣብ ሶርያ ቦምባ ድኽነት ተስፋ ይቐትል ኣሎ

ኣብ ሶሪያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካርዲናል ማሪዮ ዜናሪ፡ ስቓይ ህዝቢ ሶርያ ዕለት 22 መስከረም ኣብ ሮማ ተረኺቦም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ንዓለም ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሕጂ ካብ ዓለማዊ ራዳር ዝወጸት ሃገር ኮይና ዝተረስዐት እትመስል ሃገረ ሶርያ ከም ዘዘክሩን ኣብ ደማስቆ ብርሃን ክርስቶስ ጽኑዕ ምስክርን ንህዝቢ ሶርያ ኣብቲ ብርሃን ዝሃሰሰሉ ኣብ ዝመስል ኩነታት ተስፋ ከም ዘተባብዑ ኣብ ሶርያ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ካዲናል ማሪዮ ዛናሪ ዕለት 22 መስከረም ኣብ ሮማ ኣብታ ስዩም ካርዲናል ዲያቆን ኣብ ዝኾኑላ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ምልእተ ጸጋ ኣብ ዘዕርግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዘዘኻኸሩን ድሕሪ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ምእመናን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ብዝተኻየደ ወግእ ህዝቢ ዘጋጠሞ ዘይተኣደነ ስቓይ ከም ዘነጸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 “ህዝቢ ሶርያ ኣብ ዘይሕለል ድኻም ወዲቑ ይርከብ” እንክብሉ ሓዘኖም ገሊጾም፥ “ብርሃን መጻኢ ንምርኣይ ድማ ይቃለሱ ምህላዎም ሓቢሮም፥ ህይወት 500 ሽሕ ሰባት ጠፊኡ፡ ልዕሊ 7 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛቢሉ፡ ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ተገዲዶም እንክብሉ ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ድማ 16.7 ሚልዮን ሶርያውያን ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮምን፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ድማ ንኸቢድ ንኣልቦ ውሕስነት መግቢ ተቓሊዖም ከም ዝርከቡ የዘኻኽሩ።

ኣብ መንጎ ውልቃዊ ስቓይን ሓባራዊ ጸገማትን ዘሎ ተመሳሳልነት ኣስተብሂሎም፡ ሰባት ኣብ ህይወቶም ዝጾርዎ ዓበይትን ንኣሽቱን መስቀላት ኣስተንቲኖም፡ ይኹን እምበር፡ ኣብ ሶርያ ክብደት ናይዞም መስቀላት ዳርጋ ዘይሕሰብ ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዘስደምም ተዘክሮታት፡ ብፍላይ ድማ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሶርያውያን ኣብ ዝናብን በረድን እናተጓዕዙ፡ ካብ ዓመጽ ዝሃድሙ፡ ክስከምዎ ዝኽእሉ ጥራይ ሒዞም፡ ዝገብርዎ ናይ ነዊሕ ኪሎ ሜተራት ጉዕዞ “ፍኖተ መስቀል” ከምኡ እውን ኣብ ሆምስ ቦምባታት ኣብ ልዕሊ እታ ከተማ ዝዘነመሉ እዋን ድማ ዓርቢ ስቕለት እንክብሉ ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም፡ ሓደ ኣገልጋሊ መንበረ ታቦት ኣብ መንጎ ዝዓነወ ኣብያተ ክርስቲያናት ንኣባ ሚሸል ኣበይ ምስዋዕተ ቅዳሴ ከተዕርጉ ቢሉ ምስ ሓተቶም ኣባ ሚሸል ድማ ነዊሕ ገመድ ወሲዱ ነቲ ዝዓነወ ከባቢታት ክኸብቦን ኣብ ማእከል ቀራንዮ ዝብል ጽሑፍ ከንብርን ከም ዝሓበርዎ ኣባ ዘናሪ ብምዝካር፡ ሎሚ እቲ ገመድ ካብ ሆምስ ኣዝዩ ርሒቑ ዝዝርጋሕ ኮይኑ ንብምሉኡ ክፋል ማእከላይ ምብራቕ ዝበጽሕ እዩ።

ካርዲናል ዘናሪ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እናኣስተንተኑ ነቲ ዝርአይ ሓድሽን ተንኮለይናን ዕንወት እንክብሉ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድኽነት ብምግላጽ፥  “ኣብቲ ብርቱዕ ዓመታት ግጭት ዕንወትን ሞትን ቈልዑን ዝነበረን ዘሎን ስቓይን ተዓዚበ እየ። ሕጂ ግና እተፈልየ ቦምባ ተፈንጂሩ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ንተስፋ ዝሓክኽ ዝመስል ቦምባ ድኽነት እዩ” ኣብ ልዕሊ ስርዓት ሶርያ ዝተነበረ ኣህጉራዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣዕናዊ ሳዕቤን ከምዘሕደረ ድማ ስተብሂሎም፥ “ኣብ እዋን ኲናት እንተወሓደ ጩራ ብርሃን ነይሩ። ሕጂ ግን ምስቲ እቲ ወግእ ዘስዓቦ ስቓይ ኣህጉራዊ ዕገዳ ተሓዊስዎ ሶሪያ ናብ ጸልማት ትጥሕል ኣላ።” ሕጽረት መድሃኒት፡ መግብን መሰረታዊ ነገራትን ብሰንኪ ደውታ ቁጠባን ልምሰት ስርዓተ ትምህርትን ይጋደድ ኣሎ” እክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ኩነታት ብዙሓት ንኽሃድሙ ከም ይድርኾምን እቲ ዘሎ ድኽነት ክትጻወሮ ዝከኣል ስለ ዘይኮነ ኩሉ ናብ ስደት እዩ ዘብል ዘሎ፥ “ሎሚ ሓደ ሓኪም ኣብ ወርሒ 20 ኤውሮ ጥራይ እዩ ዝኽፈል . . . ሰባት ኣብ ዝኽእሉሉ እዋን ይመሃሩ፡ ኣእምሮኦም ግን ንስደት እዩ ዝሓስብ . . . ኣብዚ ኣሰቃቒ ኩነታት’ዚ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይና ተገልግልን ሓገዝን ምጽንናዕን ትገብር፣ እታ ሃገር ናብ ዝዓሞቐ ስቓይ ንኸይተንቆልቁልን ካብቲ ስቓይ ንኽትናገፍ ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ኣብ ዝግበር ጻዕርታት ትዋፈር ምስ በሉ፡ ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መዓልታዊ ኣስታት 500 ሰባት ዝሓሸ ናብራ ንምድላይ ካብ ሶርያ ከም ዝወጹ ዘሎ ገምጋም ይሕብሩ፣

መግለጺ ካርዲናል ዘናሪ ኣብዛ ብግርጭት ዝተበታተኸት ዓለም ከይተሰምዐ ክተርፍ ዘይክእል ኣውያት እዩ። ሰላምን ምትሕግጋዝን ሕውነትን ዘለዋ ዓለም ምህናጽ - ክብሪ ሰብኣዊ ማእከል ዝገብር ፖለቲካዊ ጻዕርታት ዝረኣየላ ዓለም - ዝከኣል ጥራይ ዘይኮነስ ኣገዳሲ እዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ንሶርያ ሕቖኡ ክህብ ኣይክእልን እዩ። ስደተይናታት ኣብ ባሕርታት እናጠፍኡ ዘይግደሱ ኮይንና ክንተርፍ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ምልክን ውግኣት ክቕጽል ኣይንፍቀድ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ዓውድታት  ናይ ዘተን ርክብን ሰላምን መንገድታት ክንሃንጽ ጽልዋ ክንገብር ተጸዊዕና ኢና” እንክብሉ ዝሃብዎ መግለጺ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 September 2024, 16:55