ድለ

ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እምበር ናይ ‘ሜላታትና’ ውጽኢት ኣይኮነን ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እምበር ናይ ‘ሜላታትና’ ውጽኢት ኣይኮነን  (Vatican Media) ርእሰ ዓንቀጽ

ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ እምበር ናይ ‘ሜላታትና’ ውጽኢት ኣይኮነን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ምስ በርገሳውያን ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ውፉያን ኣገልገልቲ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ፖርት ሞርስቢ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ዘስምዕዎ መደረ ኣማእኪሎም ናይ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካን ዋና ኣሰናዳኢ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፥ ር.ሊ.ጳ. ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ስራሕ መንፍስ ቅዱስ እምበር ናይ ሜላታትና ውጽኢት ኣይኮነን ከም ዝበሉ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ከመይ ጌርና ንመንእሰያት ብኒሕ ተልእኾ ነነቓቕሖም? “ንዕኡ ዝኸውን ‘ሜላታት’ ዘሎ ኣይመስለንን።”

ኣብዚ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ጀምስ ዘቕረቦ ሕቶን መልሲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን፥ ልኡካነ ወንጌል ናይ ምዃን ሕመረት? እንታይ እዩ? ከመይ ጌርና ኢና ወንጌል ንእውጅ?

እዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንነፍሲ ​​ወከፍ ቦታን ሰዓትን ዝምልከቱ እኳ እንተኾኑ፡ ኣብታ 841 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝዝረበላ ሃገረ ፓፑዋ ኒው ጊኒ ግን ፍሉይ ኮይኑ ይርከብ።

ተኸታሊ ቅድስ ጴጥሮስ ኣብ ፖርት ሞርስቢ ምስ ሰበ ስልጣንን ላዕለዎት ኣካላት ማሕበራትን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ብዛዕባ ዘይተለምደ ባህላውን ሰብኣውን ሃብቲ ናይዚ ርክብ ዝተሓላለኸን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ምስ ብዙሓት ቋንቋታት ዘጋጥሞም ብድሆታት ከም ዝመሰጦምን፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ተመክሮ ኣንክብሉ ድማ ከም ዝገለጽዎ ቶርኔየሊ ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ደጊሞም የዘኻኽሩ።

"እዚ ገዚፍ ብዙሕነት ነቲ ኣብ መንጎ ፍልልያት ስኒት ዝፈጥር መንፈስ ቅዱስ ብድሆ ኮይዩ ይስምዓኒ!”

ር.ሊ.ጳ. ምስ ጳጳሳት ነዚ ዝበሉ፣ ንካህናት፣ ሰብ ውፉይ ህይወትን መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ጃኮብ ንዘቕረበሎም ሕቶ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ኮይኑ፡ ኣብዚ ድማ ሕመረት ክርስትያናዊ ምስክርነት ኣጉሊሖም፥ "ቤተክርስትያን ምዃን ሓጎስ ምዅስኳስን ምክፋልን" ማለት ምዃኑ ገሊጾም፡ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ኣፓረሲዳ ተረኺቦም፥ "ቤተክርስትያን ብምስዳዕ ዘይኮነስ ብእትህቦ ኣብነትዊ ምስክርነት እያ ትዓቢ” እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዝዘከሩ ቶርኒየሊ የመላኽቱ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ጃንይ ቫለንተ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ “ብዘይ (እግዚኣብሔር) ብኣኡ ዋላ ሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና፡” LEV 2020) ብዝብል እርስቲ ንንባብ ኣብ ዝበቐዓት መጽሓፍ፥ እቲ ተልእኾ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ እዩ፡ ምጭናቕ ትርጕም የብሉን። ገዛእ ርእስና ኽንውድብን ዓውዓው ክንብልን ኣየድልየናን እዩ። "ምስ መንፈስ ቅዱስ ክንዝትይ ኣሎና . . . ጐይታ ወጺእና ወንጌል ክንእውጅ ዝህበና ትእዛዝ ብፍቕርን ብማራኺ ኣብነታዊ ሕይወትን እዩ ዝፈጸም። ንኽርስቶስ እንስዕቦን ከነበስሮን ወንጌሉ ክንእውጅን ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልና ወይ ከኣ ብናይ ገዛእ ርእስና ውጥናት ኣይኮነን እንታይ ድኣ ብህያው ምስክርነት ብምስሓብን ንኻልኦት ብምስግጋርን ጥራይ ኢዩ።" ብዙሓት ክርስትያናት ኣብ ገለ ክፋላት ዓለም ምድንጋርን ድኻምን ኣብ ዝገጥመሉ እዋን፡ ብፍቕሪ ይቕረ ዝተባህሉን ዝተሳሕቡን ሓጥኣን ምስክርነት ጥራይ እዩ ተልእኾ ዝገብር።

ካብዚ ሓደጋ ናጻ ዝኾነ ነገር የለን: ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ካብ ምውጣንን ምውዳብን ዝብል ሓደጋ ናጻ ዝኾነ የሎን። እቲ ሓደጋ ነቲ ኣገዳሲ ነገራት ከም ንቡር ወሲድካ ኣብ ክንድኡ ኣብ ኣገባብ፡ ቋንቋን ውዳበን ምትኳር እዩ። እቶም ኣብ ፓፑዋ ነው ጊኒ ዘገልግሉ ዘለዉ ልኡካነ ወንጌል ምስ ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክራኸቡ ብእግሮም፡ ብማኪናን ብነፋሪትን ከይተረፈ ኪሎሜተራት ዝተጓዕዙ ፍሽኽታውን ሓጎስን ዝመልኦ ገጽ ምራኻብ ዝከኣል እዩ። ኣብዛ መስተንክርን ሕብራዊትን ባህሪ ዘለዋ ሃገር ንነፍሲ ​​ወከፍ ሰበይትን ሰብኣይን ፍቕሪ ኢየሱስ ንምምስካር።

09 September 2024, 15:42