ልቢ ጓሳን እምነት ህዝብን ልቢ ጓሳን እምነት ህዝብን  ርእሰ ዓንቀጽ

ልቢ ጓሳን እምነት ህዝብን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንተወፋይነት ሜጂጎሪ ኣፍልጦ ዝሃብሉ ምኽንያት ኣብቲ ቦታ ዝንበር እወታዊ ፍረታት መንፈሳዊ ተመክሮ ኣፍልጦ ብምሃብ ምዃኑን ምስኡ እውን ጉስነታዊ ኣቀራርባ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስናኦም ከም ዝቃላሓ ዜና ቫቲካንን ርእሰ ዓንቀጽ ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ወግዓዊ ፍቓድ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 1981 ዓ.ም. ኣብ ሜጂጎሪ ዝጀመረ ውፉይነትን መንፈሳዊ ተመክሮን፡ ኣብቲ እዋን ሽዱሽተ ህጻናት ማርያም ከም እተገለጸትሎም ምስ ሓበሩ፡ ሳላ እቲ ኣብታ ሰበኻ ዝተራእየ ብዙሕ እወታዊ ፍረታት፡ ልዕሊ 1 ሚልዮን ሰባት በብዓመቱ ካብ መላእ ዓለም ኣብቲ ቦታ ከም ዝነግዱን እዞም ፍረታት እዚኣቶም፡ መንፈሳዊ ንግደት፡ ምልዋጥ፡ ሰባት ናብ ምስጢራት ዝምለሱ፡ ከምኡ’ውን መንገዲ ፈውሲ ዝጅምሩሉ ሽግር ዝመልኦም ሰብ ሓዳር ዝሕደስሉን ዝብሉ ይርከብዎም።

እቲ ቅዱሰንቶም ይኹንታ ዝሃብሉ መንፈሳዊ ፍረታት ሜጂጎሪ ዋላ ኣብ ኣርጀንቲና ጳጳስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እውን እንተኾነ ንብዙሓት ሰባት ናብ መካነ ንግደት ዘሰጋግር ህዝባዊ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክነሱ፣ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ክእረም ኣለዎ፣ ግን ከኣ ክዕፈን ከምዘይብሉ ዘረጋግጹ ባእታታት እዮም።

መልእልተ ባህርያዊ ተርእዮታት ተባሂሉ ኣብ ዝፍረድሉ እዋን፡ ኩሉ ግዜ ነቲ መንፈሳዊ ፍረታት ኣቓልቦ ክወሃቦ ኣለዎ። እዚ ኣረኣእያ እዚ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዘጽደቕዎን ዝተሓትመን ሓድሽ ስርዓታት ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ንፍርዲ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ኣዝዩ ጠለብ ዘለዎ ኣፍልጦ መልእልተ ባህርያዊ ፍጻመ ዝረሓቐ እዩ። እዞም ዳሕረዎት ገና ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም፣ እንተኾነ ግን ምትላል ወይ ሕቡእ ረብሓታት እንተዘይሃልዩ፣ እቲ መልእኽትታት ቅቡል ይኸውን፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ብዙሕ እወታዊ ተመኩሮታት እንተተረጋጊጹ፣ ሊጡርጊያን ውፉይነትን ንግደትን ፍቓድ ምሃብ ክቋርጹ ምጽባይ ኣድላዪ ኣይኮነን።

ሳላ ጓሳዊ ልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ እቲ ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣዝዮም ፍሉጣትን ኣካታዕትን ማርያማዊ ግልጸትን ዝምልከት ኣዋጅ ተፈጺሙ ኣሎ።

ድሮ ኣብ ወርሒ ግንቦት ካርዲናል ፈርናንደዝ ብዛዕባ ሜጆጎሪ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ክህቡ ከለዉ፡ “በዚ ዛዕባ መንፈሳዊ ግልጸታት ዝምልከት ዝወጸ ሓድሽ ሕጊ እዚ፡ ጉዳይ ሜጂጎሪ ንቕድሚት ክስጉምን ኣብ መደምደምታ ንኽብጻሕን ዝቐለለ ክኸውን እዩ ኢልና ንሓስብ” ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡ ቶርኒየሊ ኣብ ዘውጽዎ ርእሰ ዓንቀጽ የዘካኽሩ።

እዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣገባብ ኣይኮነን፣ ከምቲ ናይ ሽዑ ካርዲናል ራትዚንገር ኣብቲ ደሓር መጽሓፍ ኮይኑ ዝተሓትመ ኣካይዶምዎ ኣብ ዝነበረ ቃለ መሕትት ራትዚንገር ዝተጠቕመሉ ቃላት ከም ዝምስክሮ: “ሓደ ካብቲ መዐቀኒታትና ነቲ መዳይ ናይቲ ሓቀይና ወይ ሓቂ ተባሂሉ ዝግመት ‘መልእልተ ባህርያዊነት’ ናይቲ ግልጸት ካብቲ መንፈሳዊ ፍረታቱ ምፍላይ እዩ። ንግደታት ጥንታዊ ክርስትና ነቲ ዘመናዊ ሃያሲ መንፈስና ሓደ ሓደ ግዜ ብዛዕባ እቲ ምስኡ ዝተኣሳሰር ትውፊት ‘ስነ ፍልጠታዊ ሓቅነቱ’ ዘጠራጥር እዩ ዝብል ውሳኔ እውን ዝህብ እንተኾነ። እዚ ማለት ግን እዞም ንግደታት እዚኣቶም ፍረ ዘለዎም፣ ጠቐምቲ፣ ንህይወት ህዝቢ ክርስቲያን ኣገደስቲ ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን። እቲ ጸገም ክሳብ ክንድዚ እቲ ልዕሊ ዓቐን ህየሳዊ ዘመናዊ ኣረኣእያ (ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ ብመልክዕ ሓድሽ እምነት ዝውዳእ) ዘይኮነስ ኣብ ዙርያ እዞም ቦታታት ዝምዕብል ሃይማኖታዊ ህያውነትን ተቐባልነቱን ምግምጋም እዩ።”

ኣብ 2010 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ተርእዮ ሜጆጎሪ ንምጽናዕ ብካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ ዝምራሕ ሽማግለ ኣቚሞም ከም ዝነበሩን፣ ውጽኢቱ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝነበረን በዚ ኸምዚ እቲ ዕለት 19 መስከረም ዝተዘርግሐ “ Note released on Thursday, entitled “The Queen of Peace,”- “ንግስቲ ሰላም” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ሰነድ ፡ ንጽቡቕነት ናይቲ ፍረታት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ምስ ሜጆጎሪ ዝተኣሳሰር ብዙሕ መልእኽትታት ሓፈሻዊ እወታዊ ፍርዲ ኣቕሪቡ፡ ገለ ጸገም ዘለዎም ጽሑፋትን ገለ ትርጉማትን በዓልቤታውነት ጽልዋ ናይቶም ራእይ ዝነበሮም ዝበሃሉ ሰባት ተጸልዩ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብሉ ብምእራም . . . ።

ብዛዕባ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ናይቲ ተርእዮ ዝነበሩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንክትዕን ክስታትን ዝተቓልዑ ብዝምልከት፡ እቲ ምጽዳቕ ኣብ ግብረ ገባዊ ህይወቶም ፍርዲ ከምዘይህብን ብዝኾነ መንገዲ መንፈሳዊ ምዃኑን ካብ ቀዳሞት መስመራት ኣትሒዙ የነጽር። መንፈሳዊ ህያባት “ብዛዕባ ስነ - ምግባራዊ ህይወት ናይቶም ራእይ ዝነበሮም ዝበሃሉ ፍርዲ ዘመልክት ኣይኰነን።”

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ፍቓድ ከምዝተዋህበ ባዕሉ፡ ብፍላይ ነቐፌታዊ ወይ ኣብ ሕቶ ዘእቱ መዳያት ከምዘይተረኽበን፡ ሓሶት፡ ምፍብራኽ፡ ወይ ጽውጽዋያት ከምዘይተረኽበ ዘመልክት እዩ።

እቲ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዘውጸኦ ሰነድ ንኽልተ ማእከላይ ሕመረት መልእኽቲ ሜጂጎሪ የጉልሕ፡ ንሳቶም ድማ ናይ ምልዋጥን ናብ ኣምላኽ ምምላስን፡ ከምኡ’ውን ሰላምን ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ተርእዮ ምስ ጀመረን ማርያም “ንግስቲ ሰላም” ኮይና ምስ ተራእየትን፡ እተን መሬታት ባዕለን ትያትር ደማዊ ግጭት ክኾና እየን ኢሉ ዝሓስብ ሰብ ኣይነበረን።

እቲ ጸሓፊ በቲ ፈተውቱን ዜጋታት እቶም ራእይ ዝረኣይዎ ሰባትን መሰረት ዝሃብዎ ምስክርነት ማለት በቲ ኣብተን ሃገራት እቲኣተን እውን ከይተረፈ እተኻየደ ጭካነ ዝመልኦ ውግእ ይቕረ ኪብሉ ዝኸኣሉ ሰባት ብምርኣዩ ኣዝዩ ተመሰጠ። ሳላ እቲ ምስ ሜጂጎሪ እተተሓሓዘ ናይ እምነት ተመክሮኦም ድማ ምስቶም ኣብ ልዕሊ ኣዝማዶም ከቢድ ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ተዓሪቖም ኢዮም። እዚ ብመንፈስ ቅዱስ ዚዝረቡ ካልእ ተርእዮታት ንላዕሊ "ተኣምራዊ" መዳይ እዩ።

እቲ ሓቀይና መልእኽቲ ሜጂጎሪ ኣብ መወዳእታ ትሕትና ዝመልኣ ማርያም ንኹሉ ሰብ ንሓሶት ነብያት ከይስዕብ ክትዕድም እንኮላ ብዛዕባ “ምስጢራት” ትንቢታትን ኣቡቀለምሲስን ዜናታት ከይደልዩ ዕድመ እዩ።

እዚ ኸኣ ሓደ መልእኽቲ ናይ ወርሒ ሕዳር 1982 ዓ.ም. ነዚ ዜረጋግጽ እዩ:- “ዘይተለምደ ነገራት ክትደልዩ ኣይትኺዱ። የግዳስ ወንጌል ወሲድኩም ኣንብብዎ፡ ኩሉ ክነጽረልኩም እዩ” ዝብል መልእኽቲ የረጋግጾ።

(Andrea Tornielli)

20 September 2024, 16:21