ድለ

2019.09.17 ቅድስቲ መንበር ንዘይ - ምስፋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም እትድግፍ ተረጋግጽ 2019.09.17 ቅድስቲ መንበር ንዘይ - ምስፋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም እትድግፍ ተረጋግጽ 

ቅድስቲ መንበር ንዘይ - ምስፋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ከም እትድግፍ ተረጋግጽ

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ ካብ ዕለት 16 ክሳብ ዕለት 20 መስከረም ኣብ ቪየና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 68 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይምዝርጋሕን ድሕነት ናይተን ብኲናት ዩክሬን ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ መደበራት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ንዝግበር ተወፋይነት ቅድስቲ መንበር ከም እትድግፍ የረጋግጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ርክብ ምስ ሃገራትን ኣህጉራዊ ትካላትን ዋና ጸሓፊ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ናይቲ ካብ ዕለት 16 ክሳብ 20 መስከረም ኣብ ኦስትሪያ ርእሰ ከተማ ቪየና ኣብ ዝካየድ ዘሎ መበል 68 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ተሳቲፎም መደረ ከም ዘስምዑን፥ ቅድስቲ መንበር "ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ካብ ኒክልየሳዊ ኣጽዋር ነጻ ዝኾነት ዓለም ኣብ ምሕናጽ ዘለዎ ቀንዲ ተራ ኣፍልጦ ትህብ" ቢሎም፡ እዚ እውን ዝከኣልን ኣድላይን ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ "ንብርክት ዝበሉ ኣበርክቶታት ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ስርዓት ዘይምዝርጋሕ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሑስን ዘተኣማምንን ሰላማውን ኣጠቓቕማ ኒክልየሳዊ እደ ጥበብ ቅድስቲ መንበር ከም እተተባብዕን እትድግፍን እዞም እደ ጥበባውያን ምዕባለታት እዚኣቶም ወትሩ ናይ ሓባር ሰናይ ሰብኣውነትን ዘይነጻጸል ሰብኣዊ ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብን" መሰረት ዝገበረ ክኸውን ከም ዘለዎ የተሓሳስቡ።

ድሕነት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዛፖሪዝያን ኩርስክን

እቲ ትካል ኣብ ምምዕባል ዘተኣማምንን ውሑስን ኑክልየሳዊ ኪደት ኣበርክቶታቱ፡ ብፍላይ ቅድስቲ መንበር "ኣብ መመንጨዊ ኒክልየሳዊ ሓይሊ ዛፖሪዝያ ድሕነትን ዘተኣማምን ኩነታት ንምርግጋጽ" ዘካይዶ ኑክልየሳዊ ሓደጋ ናይ ምክልኻል ጻዕርታት ከም እትድግፍ ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣመልኪቶም፡ እቲ ምስ ኲናት ዩክሬን ዝተኣሳሰር ወተሃደራዊ ንጥፈታት፡ "ኣብ ከባቢ ዛፖሪዝያን መመንጨዊ ኑክልየሳዊ ሓይሊ ኩርስክን" ብቐረባ ክምልከት ዝኽል ብምዃኑ ኣዝዩ ዘጨንቕ'ዩ" ምስ በሉ፥ ዋና ኣማሓዳሪ "ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA)  ራፋኤል ማርያኖ ግሮሲን ተቖጻጸርቱን "ኣብ ዛፖሪዝያ ኣብ ባይታ ቀጻሊ ህላወኡን ንምዕቃብን ብዛዕባ እቲ ኩነታት ዘይሻራውን ዕላማውን ጸብጻባት ንምቕራብን ዘርኣይዎ ትብዓትን ሞያዊ ብቕዓትን" ንኢዶም፡ ቅድስቲ መንበር ድማ "እቶም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ነዞም ቦታታት ካብ ምጥቃዕ ክቑጠቡ ትላቦ፣ ሳዕቤኑ ድማ ንኹሉ ሰብኣውነት ኣዕናዊ ክኸውን ይኽእል እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኢራንን ሰሜን ኮርያን ኣብ ኑክልየሳዊ ዘተ

ቅድስቲ መንበር፡ ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ኩለ መዳያዊ ውጥን ስራሕ JCPOA - ስምምዕ ኑክልየሳዊ ጸዓት ኢራን (ሓባራዊ ኩለመዳያዊ ውጥን ስራሕ) ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ኩለ መዳያዊ ውጥን ስራሕ ዝኣተዎ ኒክልየሳዊ መብጽዓታት ትግባሬኡ ደው ምባሉ ብጓሂ እኳ እንተገለጸት፡ እዚ ስምምዕ እዚ ክቕጽልን ክትግበርን ድማ ከም እተተባብዕ ገሊጾም፥ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዝርከቡ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መግንስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ንኹሉ ውሑስ መጻኢ ንምርግጋጽ" JCPOA - ስምምዕ ኑክልየሳዊ ጸዓት ኢራን ዳግማይ ንምምላስ ዝግበር ዘተ ዳግማይ ክጅመር ተስፋ ከምዘለዎም ገሊጾም ከም ዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፥ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ኑክልየሳዊ መደብ ዲሞክራስያዊት ህዝባዊት ሪፓብሊክ ኮርያ ዝግበር ዘተ እውን ክተባባዕ ከም ዘለዎ ገሊጾም፡ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ውሕስነት ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA)  "ሰላምን ጸጥታን ኣብ ምድንፋዕን ሓድሕዳዊ ምክሳስ ዘይኮነስ ናይ ምትእምማን ሃዋህው ንምህናጽ ዝሕግዝን ኣገዳሲ ኣበርክቶ" ከም ዝውክል የመላኽቱ።

ሰላማዊ ኑክልየሳዊ እደ ጥበብ ምድንፋዕ

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ብተወሳኺ ነቲ ብቅድስቲ መንበር ዝተኸተመን ዝጸደቐን ውዕል ዘይምዝርጋሕ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA)  ኣብ ምትግባር ጻዕርታት ዘለዋ ተራ ኣጉሊሖም፥ እዚ ድማ "ንምስፋሕ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ንምክልኻልን ብልጫታት ሰላማዊ ኑክልየሳዊ ስነ ፍልጠት ንምዝርጋሕ ንምምችቻእን ዝኣመተን ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት እደ ጥበባዊ ተበጻሒ መታን ክኸውንን” በዞም እደ ጥበብ ሓደ ሰብ "ፍርያት መግቢ ከዕቢ፡ ዝያዳ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ፡ ምሕደራ ሃብቲ ማይ፡ ምክትታልን ምቁጽጻር ብከላን፡ ከምኡ'ውን ድልውነት ከጋጥም ንዝኽል ለበዳ" ክህሉ ዝድርኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ቅድስቲ መንበር ንኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) "ንሕሙማት መንሽሮ ዝቐርብ ራዲዮፍወሳን ኑክልየሳው መድሓኒትን ንምምችቻእ" ኣብ ተመሳሳሊ ሃገራት ንዝገበር ዘሎ ጻዕሪ እውን ኣፍልጦ ብምሃብ፥ ተበግሶ ‘ጩራታት ተስፋ’ ሓደ ካብቶም ብዙሓት መገድታት "እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ጽቡቕ ጥዕናን ጽቡቕ ሂወትን ዓለማዊ ህዝቢ ኣበርክቶ ዝገብረሉ" እዩ።

ዕላማ ምውጋድ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ቅድስቲ መንበር ንጻዕርታት ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) እትህቦ ደገፍ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ መሰረት ብምግባር፡ ኣብታ ኵላትና ኣሕዋት -  encyclical Fratelli Tutti ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም፥ "ናይ መወዳእታ ዕላማ ፍጹም ምውጋድ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብድሆን ግብረ ገብን ሰብኣውን ግዴታ ይኸውን" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ዘቃልሕን፡ እዚ ምስቲ ቅድስቲ መንበር "ንሰብኣዊ ክብርን ንሓባራዊ ረብሓን ቀዳምነት ዝህብ ናይ ሓልዮት ባህሊ ንምድንፋዕ ሓባራውን ጥሙርን ተወፋይነት ወይ ተጸምዶ" ዝብል ጻውዒት ዝሰማማዕ እዩ፡ ምስ በሉ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 ዓ.ም. ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ እውን ብምጥቃስ፡ ኣብኡ ንውግእ "ኣይፋል" ዝብል ውሳኔ ክግበር ዝጽውዕን "ሰላም ደኣ እምበር ውግኣት ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ - ቢሎም - ነባሪ ሰላም ኣብቲ ዘይተረጋገጸ ሚዛን ምዕጋት ዘይኮነስ ኣብቲ ዝጥርንፈና ሕውነት ዝህነጽ እዩ" ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ "ውግኣት እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎን ዝተቐላጠፈ ቅድድም ኣጽዋር ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ ዓለም፡ ንዕላማታት ውግእ ኣቶማዊ ጸዓት ምጥቃም ዘይ - ስነምግባራዊ እዩ" ከም ዝበሉን፥ ከምቲ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ምውናን ዘይ - ስነምግባራዊ ዝዀነ ።”

መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ቪየናን "ባህሊ ሓልዮትን"

ሊቀ ጳጳሳት ጋላገር ሰንበት ዕለት 15 መስከረም ቅድሚ እቲ መበል 68 ሓፈሻዊ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ከም እተዛረቡን፥ "ስነ - መጎት ስልጣን፡ ዓብላልነትን ምዝመዛን ብሓቀይና ሰብኣዊ ኣቀራርባ ዝስዓረላ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር፡ ምትሕግጋዝን ኣድማሳዊ ክብርታትን ከም ሓቂ፡ ይቕረታ፡ ርህራሄን ሰናይ እምነትን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዝተሰረተት ዓለም ንምህናጽ፥ ከም ብጾት ኣባላት ናይታ ሓንቲ ሰብኣዊት ስድራቤት መጠን፡ ነዚ ክቡር ዕላማ ንምድላይ ብፍላይ ድማ ኣገዳሲ ስራሕ ናይዚ መበል 68 ሓፈሻዊ ዋዕላ ኣህጉራዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት (IAEA) ኣብ እንጅምረሉ ዘለና እዋን" ከይተሓለልና ክንጽዕር ኢና እንክብሉ ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ንዝሓሸት ዓለም ምስራሕ

ኣስዒቦም፥ ከም ክርስቲያን መጠን ከምቲ ኢሳያስ ኣብ ቀዳማይ ምንባብ ዝገልጾ፡ "ሰዓሪ ዓለማዊ መራሒ" ዘይኮነስ "ዝሳቐ ኣገልጋሊ" ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓሸት ዓለም ንኽህልወና "ንሞት ስዒሩ ህይወት ዝመለሰ፡ ሓጢኣትን ክፍኣትን ምሉእ ዓለም ተሰኪሙ ፍትሕን ሰላምን ዘምጽእ እንኮ ኢየሱስ ተስፋና እዩ" ከም ዝበሉን ስነ መላዊ ርክባት ብምሕሳብ ድማ "ንሕና መድሕን ዓለም ኣይኮንናን። እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ነቲ ነዊሕን መብዛሕትኡ ግዜ ተስፋ ዘቑርጽን ዘድክምን ዘተ ክንመርጽ፡ ኣብቲ በዳሂ ፖለቲካውን ስነ መላዊ ክለኣዊ ርክባትን ጉዳያት ክንጽመድ ተጸዊዕና ኣለና።" መብዛሕትኡ ግዜ ኣዝዩ ሕቡእ ጻዕሪ፡ ውሑድ ዝርአ ፍረታት ዘለዎ፡ ብፍላይ ኣብዚ ካብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክብ ኣጽዋርን ወተሃደራዊ ሓይልን ተመራጺ ኣብ ዝኾነሉ እዋን፡ "ነቶም መሳርሒታት ዘተ፡ ትዕግስቲ፡ እምንቶን ጽንዓትን ተጠቒምና ነቲ ዝድለ ዕላማ ንምብጻሕ ዳግማይ ቃል ክንኣቱ ይግባእ - ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ስድራቤት ደቂ ሰባትን ዘይነጻጸል ምዕባለ ነፍሲ ወከፍ ሰብን ንምህላው፡ ክርስቶስ መስፍን ሰላም "ንሓድሕድናን ንኹሉ ሰብኣውነትን ብዝብል ዕላማ ካብ ተፈጥሮኣዊ ደረትና ወጻኢ ብሓባር ክንሰርሕ ይሓግዘና" እንክብሉ ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

18 September 2024, 16:00