2024.06.22 Papa Francesco incontra Paolo Garonna durante l'udienza Fondazione Centesimus Annus pro Pontifice 2024.06.22 Papa Francesco incontra Paolo Garonna durante l'udienza Fondazione Centesimus Annus pro Pontifice  (Vatican Media)

ሓድሽ ኣቦ መንበር ማሕበር ምእተ ዓመት ተመዚዞም

ፕሮፌሰር ፓውሎ ጋሮና ንፕሮፌሰር ኣና ማሪያ ታራንቶላ ተኪኦም ሓድሽ ኣቦ መንበር ናይቲ ብ1993 እተመስረተ ማሕበረሰብዐዊ ዓወድቲ መልእኽትታት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ከም ውርሻ ንምድንፋዕ ተባሂሉ እተመስረተ ሥነ ትምህርታዊ ተቕዋም ናይ ሃገረ ቫቲካን ኢዩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

መሪሕነት ሃገረ ቫቲካን ንፕሮፌሰር ፓውሎ ጋሮና ሓድሽ ኣቦ መንበር ናይቲ ንማሕበረሰብኣዊ ትምህርትታት ካቶሊካዊ ቤተክርስትያን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዚርከብ መኽሰብ ኣልቦ  ጳጳሳዊ ማሕበር “ምእተ ዓመት” ኰይኑ ኸም እተሸመ ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጦም።

ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣባል ኮሚተ ተቕዋመ ሥነ-ፍልጠታዊ ዝኾነ ፕሮፌሰር ጋሮና ነታ  ምክትል ኣመሓዳሪ ባንክ ኢጣልያን ነበር ከምኡውን  ካብ ወርሒ መጋቢት 2019 ኣትሒዛ ኣደ መንበር ራይ ዝተሰምየ ናይ ኢጣልያ መደብር ዜና ዝኾነት ፕሮፌሰር ኣና ማሪያ ታራንቶላን ነዚ ሓላፍነት እዚ ውልቃዊ ምኽንያታ ኸም ከም ዘይትቕስል ብምፍላጣ ክትክኣ ተወሲኑ ኣሎ ።

ፕሮፌሰር ፓውሎ ጋሮና ኣብቲ ኣብ ሮማ ዚርከብ መንበረ ጥበብ ሉዊስጊዶ ካርሊ ፕሮፌሰር ቍጠባዊ ፖሊሲ እዩ ። ካብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ላ’ሳፒየንዛ ድሕሪ ምምራቑ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መንበረ ጥበብ ደንቨር ኮሎራዶ ከምኡውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት እንግሊዝ ኣብ መንበረ ጥበብ ካምብሪጅ መጽናዕትን ምርምርን ዝፈጸመ ኢዩ ።

ምክትል ኣካያዲ ስራሕን ጸሓፊ ቝጠባዊ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውሮጳን ዋና ዳይረክተር ISTAT (ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኢጣልያ) ቀንዲ ኢኮኖሚስት ኮንፊንደስትርያ (ማሕበር ንግዲ ኢጣልያ) ከምኡውን ዋና ጸሓፊ ፈደረሽን ባንክታትን መድሕንን ፋይናን ኢጣልያ ዘጠቓልል እተፈላለየ ሓላፍነታት ዝነበሮ ውን ኢዩ ። ብዛዕባ ማሕበረሰብኣዊ ትምህርትን ቍጠባን ገንዘብን ካቶሊካዊ መጽናዕትን ጽሑፋትን ዝጸሓፈ እዩ ።

03 September 2024, 14:53